ድለ

2024.07.16 Celebration of 50th Jubilee of foundation of the Trinity Church in the Eparchy of Keren

ወርቃዊ ኢዮቤል መበል ፶ ዓመት ምስረታ ቤተክርስቲያን ቅስቲ ሥላዜ ገዛ ባንዳ ከረን

ትማሊ ሰንበት ዕለት 14 ሓምላ 2024 ደብረ ቅድስት ሥላሴ ከረን ወርቃዊ ኢዮቤል በመል 50 ዓመት ምስረታኡ ኣኽቢሩ፤ ኣብቲ ዕለት ካብ መላእ ኤርትራ ዝመጹ ንገዳያንን ቤተክህነትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተዘኪሩ ውዒሉ፣ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤኻርቅና ከረን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ስብከት ቃል ኣምላኽ ከም ዝለገሱን ካብቲ ቦታ ዝመጸና ዜና ኣመልኪቱ።

ኣባ ፍሥሓ ተኪኤ - ኤጳርቅና ከረን

ህላዌ ቤተክርስቲያን ንህላዌ ቅድስት ሥላሴ ዘንጸባርቅ ኢዩ፡፡ ንምሕረት ቅድስት ሥላሴ ብቃሉን ብሥጋኡን ደሙን ናብ ኣመንቱ ዘብጽሕ እንኮ መንገዲ ድማ ብቤተክርስቲያን ጥራሕ ምዃና፡ ቍምስና ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዘባንዳ ከረን ድማ "ንግሩ ምሕረቶ ለሥላሴ" ብዝብል ናይ እምነትን ተገልጾን ቃል፡ ወርቃዊ ኢዮቤል ፶ ዓመት ምስረታ ቤተክርስቲያንን ዓመታዊ ክብረ በዓልን ተኽብር ኣላ።

ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን
ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን

ብቅንያቱ ብጸሎት ታስዕቲ ዝጀመረ መደባት ቍምስና ንድሕሪ ባይታ እዚ ቍምስናን ህልው ኩነታት ምእመናንን መንእሰያትን ቍምስና ዝገልጽ መጽሔት ብምቅራብ፡ ብድሮ በዓል ብዋዜማ ዝደመቐ፡ ኣብ ዕለተ በዓሉ ድማ ብብጹዕ ጳጳስ ዝተመርሐ ምእመናን ቤተክህነትን ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረንን መዘምራን መንእሰያትን ዝተሳተፍዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉ፡ ሰበ ስልጣን መንግስትን ሓለፍቲ ኣባይቲ ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ከረን ዝተሓወስዎ ዑደት ውን ብምዕሩግ ኣገባብ ተዓዊዱ።

ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን
ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን

ብጹዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን ኣብ ዝስምዕዎ ስብከት፡ እንቋዕ ናብ መበል 50 ዓመት ኣብቅዓኩም ድሕሪ ምባል፡ ዝኽሪ ጉዕዞ ፶ ዓመት ታሪኽ ጥራሕ ምዝካር ዘይኮነ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ንመንፈሳዊ ዕብየት ዘኽእለና ጸጋታትን ቡራኬን፡ ንዝሓለፈን ንዘሎን ንዝመጽእን ሕይወትና ስንቂ ዝወሰድናሉ ግዜ ብምዃኑን ንቅድስት ሥላሴ ነመስግን።

ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን
ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን

ቅድስት ሥላሴ ንኣዳም ምልክዕኦምን ምስሎምን ብምሃብ፡ ኣብ ቅንዕና፡ ኣብ ቅድስና፡ ኣብ ንጽሕና ክነብር ይጽውዕዎ፡፡ ደቂ ሰባት ግና ነቲ ዝተቀበልናዮ ጸጋ ቅንዕና ብተንኮል፡ ጸጋ ፍቅሪ ብጽልኢ፡ ጸጋ ሰላም ብህውከት፡ ጸጋ ሓቂ ብሓሶት፡ ጸጋ ንጽሕና ብዝሙት፡ ኮታስ ሰብኣዊ ባህሪ ገዲፍና ናይ እንስሳ ባህሪ ንወስድ፡ ካብ ከም ሰብ ክነብር ከም እንስሳ ክንነብር ንመርጽ፡፡

ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን
ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን

ኣምላኽና ፍቅሪ ኢዩ፡ ጽልኢ ኣይቀርቦን፡ ሓቂ'ዩ ሓሶት ኣይረኽቦን፡ ንሕና ግና ምእንቲ ጥቅሚ ስጋናን ርእስናን ነቲ  ኣምላኽ ዝሃበና ንጹሕን ቅዱስን መልክዕ ብሓጢኣትና ነርስሖ፡ ካብዚ ንኽንሓዊ ቅድስት ሥላሴ ነቲ ኣካሎም ዝኾነ ጎይታናን መድሓኒናን ክሳብ ኣብ ዕፀ መስቀል ንካሕሳ ሓጢኣትና ለኣኽዎ፡ ክሳብ ክንድዚ ኢዩ ፍቅሪ ቅድስት ሥላሴ ኣብ ደቂ ሰባት። ነዚ ፍቅሪ እዚ ክንፈልጦን ክንነብሮን ምእንቲ፡ ብቤተክርስቲያኖም ምሳና ህልዋት ኢዮም፡፡

ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን
ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን

ነዚ ከኣ ኢና ብምስጋና ንዝክሮን ነብዕልን ዘሎና እሞ፡ እግዚኣብሔር ንዝሃበና ጉዕዞ ፶ ዓመት እናኣመስገና "... እስመ እምተረፈ ዚኣሁ ነሣእነ ንሕነ ኵልነ ጸጋ በዲበ ጸጋ" ዮሓ ፩፡፲፮/ ንሕና ኵልና ኣብ ምልኣት ጸጋኡ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ወሰድና ንዝበሎ እናዘከርና እነብዕሎ ክብረ በዓል ቅ/ሥላሴ ንጸጋን ምሕረትን ይዅነልና ክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም፡፡

ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን
ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን

ኣብ መጨረሽታ ቆሞስ ደበረ ቅ/ሥላሴ ኣባ ግርማይ ንተሳተፍቲ እዚ በዓልን፡ ነዚ በዓል እዚ ከማዕርጉ ዝጸዓሩ ምእመናን ቍምስናን መንእሰያትን፡ ኮሚተ ኣቕረብቲ መጽሔትን ኣመስጊኖም። ድሕሪ ዑደት ብመንእሰያት ደብረ ቅድስት ሥላሴ ዝቀረበ ንጉዕዞ 50 ዓመት ቍምስናኦምን ኩነታት ምእመናኖምን ዝገልጽን መሃሪ ዝኾነ ድራማታትን መንፈሳዊ መዛሙራትን ድሕሪ ምቅራቦም ክብረ በዓሉ ተፈጺሙ፡፡

ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን
ኢዮቤል መበል 50 ዓመት ምስረታ ደብረ ቅድስት ሥላሴ ገዛባንዳ ከረን
16 July 2024, 16:05