ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Requiem, Op. 48 per soli, coro, orchestra e organo
መርሓ ግብሪ ፈነወ
ሜጥሮጶሊታ ዳኒል ፓትርያርክ ቡልጋርያ ኮይኖም ሜጥሮጶሊታ ዳኒል ፓትርያርክ ቡልጋርያ ኮይኖም  (ANSA)

ሜጥሮጶሊታ ዳኒል ፓትርያርክ ቡልጋርያ ኮይኖም

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቡልጋርያ ንወዲ 52 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ሜጥሮጶሊታ ቪዲን ዳኒል ንነፍስሄር ኔኦፊት ንኽትክኡ ሓድሽ ፓትርያርክን ሜትሮፖሊታን ሶፍያን ቢላ ከም ዝሓረየቶም ዜና ቫቲካን መግለጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቡልጋሪያ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቪዲን ሜጥሮጶሊታ ዳኒል ሓድሽ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቡልጋርያ ንኽኾኑ ዕለት 30 ሰነ ብናይ ቡልጋርያ ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ ክህነትን ዓለማውያን ምእመናን ብዝውክል መራጺ ፓትርያርካዊ ኣካል ከም እተሓረዩን ዳኒል ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቡልጋርያ ናይታ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብምዃን ን11 ዓመታት ንቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ምምራሕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 13, 2024 ዓ.ም. ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድሚኦም ዝዓረፉ ነፍስሄር ኔኦፊት ይትክኡ።

ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዳኒል ነቶም ብ66 ልኡኻት ዝተደገፉ ሜጥሮጶሊታ ቭራትሳ ግሪጎሪ ብሰለስተ ድምጺ በሊጾም ብጠቕላላ 69 ድምጺ ረኺቦም ከም እተሓረዩ ናይ ቡልጋርያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ መግለጺ ዝተቐሰ ዜና ቫቲክን ኣስዒቡ፥ ሓድሽ ፓትሪያርክ ዳኒል ወዲ 52 ዓመት ከም ዝኾኑ  ይሕብር።

ስነ - ስርዓት ምርኻብ መንበረ ፓትሪያርክ

ድሕሪ ወግዓዊ ምእዋጅ ምርጫኦም፡ ንሓድሽ ፓትርያርክ ካብ ዋና ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣሰንዩ ናብ ካቴድራል ሶፍያ ብምኻድ፡ ካልኦት ወከልቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተሳተፍዎ ክቡር ስነ -ስርዓት፡ ንመጀመርታ ግዜ ድማ ኤቁመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ባርቶሎሜዎስ ቀዳማዊ ኣብቲ ስነ ስርዓት ከም እተረኽቡን ብተወሳኺ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤተ ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳያት ርክብ ዝከታተል ክፍሊ ዋና ሓላፊ ኣባ ዣሮሚር ዛድራፓ ኣብ ቡልጋርያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ሉቻኖ ሱሪያኒ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ወከልቲ ናይ ቡልጋሪያ ርእሰ ብሔር ሩመን ራደቭን ንጉስ ስምኦን ዳግማዊ ዘቡልጋርያ እውን ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ናይ ቡልጋሪያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ፡ ኣብቲ ስነ - ስርዓት ሽመት ሓድሽ ፓትርያርክ፡ ዝተፈላለየ ምልክታት ናይቲ ሓድሽ ክብሪ ከም እተረከቡን ኣብ መወዳእታ እቲ ስነ - ስርዓት፡ ፓትርያርክ ብሜጥሮጶሊታናት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቡልጋርያ ተሰንዮም፡ እቶም ዘሰነይዎም ሜጥሮጶሊታናት "ብቑዕ" ዝብል ቃል ሰለስተ ግዜ ብዓውታ ምስ ደገሙ እዚ ቃል እዚ ስዒቡ ብሙሉእ ጉባኤ ምስ ተደግመ መንበረ ፓትሪያርክ ከም እተረከቡ ኣፍሊጡ። ሓድሽ ፓትርያርክ ዳኒል

ፓትርያርክ ዳኒል፡ ብስም ኣታናስ ትሪያንዳፊሎቭ ኒኮሎቭ ዕለት 2 መጋቢት 1972 ኣብ ስሞልያን ዝተወልዱን ኣብ 1996 ዓ.ም. ኣብ መንበረ ጥበብ ሶፍያ ብስነ ታሪኽን ስነ መበቆል ቋንቋ ኢንግሊዘይና ዝተመረቑ ኣብ 1999 ዓ.ም. መነኮስ ኮይኖም ኣብ 2002 ዓ.ም. ድማ ብቲዮሎጊያ ተመሪቖም፡ ኣብ 2004 ዓ.ም. ናብ ገዳም ሮዠን ተላኢኾም ማዕርገ ክህነት ምስ ተቐበሉ ኣብ 2006 ዓ.ም. ኣበ ምንየት ተሸይሞም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2008 ዓ.ም. ጳጳስ ተሸይሞም ኣብ ደቡባዊ ቡልጋርያ ከተማ ጎትሰ ደልቸቭ ዋና መንበር ናይ ዘለዎ ኦርቶዶክሳዊ ርእሰ ሰበኻ ሜጥሮጶሊታ ዘኔቭሮኮፕ ተራዳኢ ኮይኖም ከም እተመዙን ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ሜጥሮጶሊታ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ኣውስትራልያን ከም እተሰምዩን ዕለት 4 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ናይ ከተማ ቪዲን ሜጥሮጶሊታ ኮይኖም ከም እተሓርዩ ዜና ቫቲካን ካብ ኦርቶዶክስዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቡልጋርያ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

02 Jul 2024, 16:51
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031