ድለ

ኒውዚላንድ፡ 200,000 ህጻናትን ተቓላዕቲ ዓበይትን ኣብ ኣባይቲ ክንክን ዝተበደሉ ኒውዚላንድ፡ 200,000 ህጻናትን ተቓላዕቲ ዓበይትን ኣብ ኣባይቲ ክንክን ዝተበደሉ  (©soupstock - stock.adobe.com)

ኒውዚላንድ፡ 200,000 ህጻናትን ተቓላዕቲ ዓበይትን ኣብ ኣባይቲ ክንክን ዝተበደሉ

ንጉሳዊ ሽማግለ መርማሪ ግህሰት ኣብ መንጎ 1950ን 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃይማኖታውን መንግስታውን ትካላት ክንክን ቅርጻውን ሰፊሕን ግህሰት ከም እተፈጸመ ዘርኢ ጸብጻቡ ወግዓዊ ከም ዝገበረን ካብ መንግስትን ኣብያተ ክርስትያናትን ይቕሬታን ካሕሳን ይጠልብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንሽዱሽተ ዓመት ዝቐጸለ ናጻ መርመራ፡ ኣብ ኒውዚላንድ ኣብ መንጎ 1950ን 2019 ዓ.ም. ብውሕዱ 200 ሽሕ ህጻናትን ተቓላዕቲ ዓበይትን ኣብ ናይ መንግስታውን ናይ ሃይማኖትን ክንክን ትካላትን፡ ግህሰት ወይ ውን ነቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግህሰት ሸለል ናይ ምባል ተግባር ከምዝተፈጸመን ኣረጋጊጹ፡ እዚ ዝተረኽበ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ንባይቶ ኒውዚላንድ በወግዒ ከም ዝቐረበን እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ብመንግስቲ ኒውዚላንድ ዝቖመ ፍሉይ መርመራ ሽማግለ፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ብመንግስቲ ኒው ዚላንድ እተገብረ ታሪኻዊ መርመራ ንመዕበዪ ዘኽታማትን መእለዪ ኣረጋውያንን መእለዪ ሕሙማን ካልእ ዓይነት ሰብኣዊ ክንክን ኣብ ዝግበረሎም ዝነበሩ ብጠቕላላ ኣብቲ ንኣስታት 655 ሺሕ ዜጋታት ኣገልግሎት ክንክን ኣብ ዝወሀበሎም ተቓዋማት ዝተፈጸመ ግህሰት፡ ልዕሊ 2,300 ዝግመቱ ኣብተን ተቕዋማት ካብ ዝእለዩ ዝነበሩ ሎሚ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ዝተመርኮዘ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ነቲ ጸብጻብ ጠቒሱ የመላኽት።

ዘይሕሰብ ሃገራዊ ዕንወት

ኣቦ መንበር ናይቲ መርመራ ሽማግለ ኮራል ሻው ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ርኽበታት “ዘይሕሰብ ሃገራዊ ዕንወት” ክብል ገሊጹ፥ ግህሰት መግረፍቲ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ጥሜት፡ ኤለትሪክን ቀመማዊ ነገራት ብምጥቃምን፡ ሕክምናዊ ፈተነታትን ምምካንን ከምኡ’ውን ስነ - ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ግህሰት ዘጠቓለለ ከም ዝኾነን ብዙሓት ካብቶም ግዳያት ህጻናት ክኾኑ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ድማ ደቀባት ማኦሪ ከም ዝነበሩን ካብ ስድራቤቶም ብሓይሊ ዝተወስዱን እዮም እዚ ኹሉ ድማ ኣብ መንግስታውን ናይ እምነት ተቕዋማትን ዝተፈጸመ ዝነበረ እዩ። ብተወሳኺ ክንክን ዘድልዮም ተቓላዕቲ ዓበይቲ ሰባት ዘጠቓለል እዩ። እቲ መርመራ ኣብቶም ኣብ ግምት ዝኣተዉ ሸውዓተ ዓሰርተታት ዓመታት እቲ ግህሰት ስፍሕ ዝበለን ቅርጻዊ እውን ምንባር ክረጋገጽ እንከሎ። ካብ ጠቕላላ ካብቶም ዝለእዩ ዝነበሩ እቶም 42 ሚእታዊት ዝሽፍኑ ግዳያት ግህሰት ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ስፍሕ ዝበለን ስርዓታውን ግህሰት።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ሽማግለ እቲ ሓቀይና ጠቕላላ ቁጽሪ ግዳያት ካብቲ ዝተገልጸ 200 ሽሕ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ግምት ከም ዘሎን። "ብሰንኪ ዘይብቕዓት ሰነዳት ጸብጻብ ብመንግስትን ኣብ እምነት ዝተመርኮሳ ትካላትን ድኹም ኣተሓሕዛ መዛግብትን፡ ምሕላፍ ግዜ፡ ንምቅላዑ ዝዕንቅፉ፡ ከይተሓበረ ዝኸይድ ዝነበረ ግህሰታት፡ ከምኡ'ውን ግህሰት ንምሕባእ ልሙድ ዝኾነ ስጉምትታት ይውሰድ ብምንባሩ ትኽክለይና ኣሃዝ ንምቕራብ ዝከኣል ኣይኮነን።” ገለ ካብቶም ግዳያት ኣብ ትሕቲ ክንክን ሞይቶም ወይ ድሕሪኡ ገዝእ ርእሶም ከም ዘጥፍኡን። ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት በቲ ዝተጻወርዎ ግህሰትን ሸለልትነትን ናይ ምሉእ ዕድመ ሳዕቤን ከምዘጋጥሞም ይፍለጥ።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ፍትሒ ተኸልኪሎም

ይኹን እምበር: ቅሬታኦምን ጻውዒት ፍትሕን “ዘይተሰምዐን ዘይእመንን ኮይኑ ዕሽሽ ከበሃል ከም ዝጸንሐን፡ እቲ መርመራ፡ ብመራሕቲ መንግስትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዚፍጸም ግህሰት ምስ ተረጋገጸ እውን፡ “ብተግባራቶም ወይ ብዘይተግባሮም ግቡእ ተሓታትነት ስለ ዘይነበሮም ድማ ግህሰት ንኺፍጽሙ መተባብዒ ኮይንዎም እዩ. . . ብዙሓት ግህሰት ዝፈጸሙ ሰባት ድማ ከይፍለጡ ናብ ካልእ ቦታታት ይቕየሩ ከም ዝነበሩን ኣብ ዝተቐየርሉ ቦታታት ድማ ነቲ ግህሰት ምፍጻም ይቕጽልሉ ከም ዝነበሩ እቲ ጸብጻብ ኣመላኺቱ እዚ ድማ እቲ ግህሰት ክሰፍሕ ገይርዎ እዩ።

“ብህይወት ዝደሓኑ ሰባት ድምጾም ንኸይስማዕን ነቲ ገዛእ ርእሱ ክከላኸል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሉ ድማ ድምጹ ከየስምዕ ርኡይ ጸጋታት ተጠቒሞም እዮም።”

ጠለብ ህዝባዊ ይቕሬታን ካሕሳን

ስለዚ እቲ መርማሪ ሽማግለ ኣብቲ ዘውጸኦ ጸብጻብ 138 ለበዋታት የቕርብ፡ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ ካብ ሓለፍቲ ናይተን ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፋ ትካላት ህዝባዊ ይቕሬታ ​​ክሓትታን። ብተወሳኺ መንግስቲ ነቲ ካብ ግህሰት ዝደሓኑ ሰባት ዝምጥን ደገፍ ንምሃብ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ መደብ ካሕሳ ሓደጋ ብዘይ ጌጋ ምሉእ ብምሉእ ክሕድሶ የተሓሳስብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ብሔር ኒውዚላንድን ኣብታ ሃገር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት (NZCBC) ብዛዕባ ምዝርጋሕ እቲ ጸብጻብ ርእይቶኦም ከም ዝሃቡን እቲ መርማሪ ሽማግለ ስለቲ ዘካየዶ ስራሕ ኣመስጊኖም፡ “ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ቤተ ክርስቲያን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓት ዘይብሎም ዜጋታት ንምክልኻል ዝስዕቦ ዘሎ መገዲ ተባራቲዑ ክቕጽል እውን ከም ዝገብሩን” ቅድም ክብል ዝኣተውዎ ቃል ደጊሞም ከም ዝረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተክርስትያን ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተነቀፍትን ንምምሕያሽ ዘለዋ ቀጻሊ ተወፋይነት

ኣቡነ ስቲቭ ሎው ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣውቴኣሮኣ ኒውዚላንድ ንዝቐርብ ጸብጻባት ግህሰትን ምክልኻልን ኣብ ዝብል ጉዳይ ግቡእ ስጉምታዊ መልሲ ኣብ ምሃብ . . . ዓቢ ምዕባለ“ ከም ዘመዝገበት ኣዘኻኺሮም። "ኣብዚ መዳይ እተካይዶ ዘላ ቀጻሊ ስጉምቲ ክቕጽልን ማሕበረሰባት ቤተክርስትያንና ሰባት ውሑስ ዝኾኑሉ ቦታታት ንኽኾኑን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣሎና" ከም ዝበሉን ኣብያተ ክርስቲያናት ሜጦዲስትን ኣንግሊካንን እውን ኣብ ተመሳሳሊ ስጉምታት ንቕድሚ ክብላ ቃል ከም ዝኣተዋን። ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣስዒባ “ካብቲ ግህሰት ናይ ዝደሓኑ ሰባት ዕዳ ኣሎና” ትብል።

መንግስቲ ወግዓዊ ይቕሬታን ካሕሳን

መራሔ መግንስቲ ክሪስቶፈር ሉክሰን ብወገኑ መንግስቲ ኒውዚላንድ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይዚ ዓመት ንዝደሓኑ ሰባት ብወግዒ ይቕሬታ ​​ክሓትት ምዃኑ ብምግላጽ፡ መደብ ምእራም መስርሕ ንምትግባር ቃል ኣትዩ፡ ብጠቕላላ መደብ ካሕሳ ቢልዮናት ዶላር ዝሓትት ክኸውን ከም ዝኽል ድማ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

27 July 2024, 17:15