ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ ዝተኻየደ ዘመተ ይነቅፍ ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ ዝተኻየደ ዘመተ ይነቅፍ  (AFP or licensors)

ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ካቶሊክ ዝተኻየደ ዘመተ ይነቅፍ

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ስድራ ቤት ኣብ እዋን ኲናት እስራኤልን ሓማስን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይኹንን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ኣብ ኢየሩሳሌም ትማሊ ሰንበት ንግሆ ዕለት 7 ሓምለ ብሓይልታት እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ስድራ ቤት ዘካየዶ ዘመተ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ንሞት ዝዳረገ ተግባር ብትሪ ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን  ይሕብር።

ኣርባዕተ ግዳያት

እቲ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ብዙሓት ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ስድራቤታት ዝታዕቖቡሉ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ዝርከባ ክልተ ክፍልታት ዒላማ ዝገበረ ከም ዝኾነን ካብቶም ዝተቐትሉ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ሓማስ ዝኾነ ምኽትል ሚኒስተር ዕዮ ኢሃብ ኣልጉሴን ከም ዝኾነን ሰራዊት እስራኤል እቲ ቤት ትምህርቲ ከም መሕብኢ ዕጡቓትን "መፍረ ኣጽዋር ሓማስ" ከምዝነበረ ይገልጽ። ሰላማውያን ሰባት ናይ ምጉዳእ ሓደጋ ንምንካይ ስጉምትታት ከምዝወሰደ ድማ ይሕብር።

ዕለት 7 ሓምለ ኣብ ልዕሊ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ

እቲ ብሓይልታት እስራኤል ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 7 ሓምለ ኣብ ልዕሊ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ትምህርቲ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 16 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብኡ ተዓቚቦም ካብ ዝነበሩ 75 ድማ ከም ዝቖሰሉ፡ ክልተ ሰራሕተኛታት UNRWA - ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ዝርከብዎም ሰብ መዚ ቓዛ ገሊጾም። እዚ ፍጻመ፡ ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ነቲ ትካል ከም ዘቖጠዖን ድሕሪ ናይ ዕለት 7 ጥቅምቲ ሓማስ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ኣባይቲ ሕክምና፡ ኣብያተ ትምህርትን ካልእ በርገሳዊ ትሕተ ቅርጺን ከም መዕቆቢ ከም ዝጥቀሙሉን። እንተኾነ እስራኤል፥ ኣባላት ዕጡቓት ሓማስን ካልኦት ፍልስጥኤማውያን ዕጡቓትን ነቶም ቦታታት ከም መሕብኢ ይጥቀምሉ ኣለው ብምባል ትኽስስ።

ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ውግእ ዝካየደሉ ቦታ ወጻኢ ክኾኑ

ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘበኢየሩሳሌም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን “ብሓያል ኣገላልጻ” ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ምግባር፡ “ወይ’ውን ካብ መድረኽ ውግእ ወጻኢ ንኽጸንሑ ብዙሕ ጻዕሪ ከም ዘይግበርን ነዚ ተግባር እዚ ኮኒኑ፥ “ውድባት ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘጋጥም ዘሎ ዘስካሕክሕ ምፍሳስ ደምን ሰብኣዊ ዕንወትን ብቕጽበት መወዳእታ ኣብ ዝገብረሉ ስምምዕ ክበጽሑ” ዘለዎ ተስፋ ብምግላጽ ወትሩ ምእንቲ እዚ ጸሎቱ እውን የረጋግጽ።

ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመ ፍጻመታት

ኣብ ከተማ ቓዛ ዝርከብ ቀጽሪ ሰበኻ ካቶሊካዊት ቤተሰብ ቅድስቲ ስድራቤት፡ ኣስታት 600 ተመዛበልቲ ክርስትያን ዘዕቁብ ኮይኑ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሓደ እስራኤላዊ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ክልተ ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ ማለት ሓንቲ ኣደን ጓላን ኣብ ውሽጢ እቲ ቀጽሪ ከም ዝቐተለን ክዝከር እንከሎ፡ እዚ ፍጻመ፡ ምስ ኣብ ቅዱስ ጶርፊርዮስ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝዳወብ ህንጻ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ኣብኡ ተዓቚቦም ኣብ ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ስዒቡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ምዃኑ እውን ይፍለጥ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅድስቲ መንበርን ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ኣብቲ ግጭት ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኣድማዒ ሓለዋ ክግበረሎም ብተደጋጋሚ ምሕጽንታ ከም ዝቐረበን ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ቅሉዕ ክትዕ ባይቶ ጸጥታን ውድብ ሕቡራት፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ከም ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣቢያተ ሕክምና ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ኣብ ዝኣመሰሉ መሰረተ ልምዓትን፡ "ዒላማ ዝገበረን ንህይወት እቶም ንጹሃትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎምን ብኣማእታት ኣሽሓት ኣብ ልዕሊ ዝቐጸሩ ዝፍጸም ዘሎ መጥቓዕቲ ዘሕዝን እዩ እንክብሉ ዝተሰምዖም ጓሂ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እስራኤላውያን ግዳያትን ጅሆ ዝተታሕዙን ከምኡ’ውን ቁጽሪ ሞት ፍልስጤማውያንን

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሽማግለ ፍትሕን ሰላምን ቅድስቲ መሬት፡ ነቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓማስ እስራኤልም ብእትፍጽሞ ዘላ ግብረ መልሲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ዕንወትን ቅትለትን  ሕጋውነት ዝህብ “ፍትሓዊ ኲናት” ዝብል ስነ-ሞጎት ከም ዝነጸጎን ኣብቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ወራር፡ እቶም ፍልስጤማውያን ኣሸበርቲ ኣስታት 1200 ሰባት ቀቲሎም 251 ጅሆ ዝተታሓዙ ከም ዝኽኑ ዝዝከር ኮይኑ ካብዚኦም እቶም 42 ሞይቶም ተባሂሎም ዝእመነሎም ሓዊሱ ብጠቕላላ 116 ኣብ ቓዛ ከም ዝርከቡን፡ እስራኤል ብዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ ኲናት ክሳብ ሕጂ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 38 ሽሕ ሰባት ከምዝቐተለ፡ መብዛሕትኦም ሰላማውያን ሰባት ከምዝኾኑ፡ ካብቲ ኣብኡ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ዝሃቦ ጸብጻባዊ መረዳእታ ይሕብር።

09 July 2024, 15:23