ካቶሊካውያን ጳጳሳት ፊሊፒንስ ፍትሕ ሕጋዊ ከይከውን ጻውዒት የቕርቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ፊሊፒንስ ፍትሕ ሕጋዊ ከይከውን ጻውዒት የቕርቡ 

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ፊሊፒንስ ፍትሕ ሕጋዊ ከይከውን ጻውዒት የቕርቡ

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ፊሊፒንስ ዕለት 11 ሓምለ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ በርገሳዊ ፍትሕ ሓዳር ርእሰ ጉዳይ ዝካየድ ዘሎ ክትዕ ኣመልኪቶም ሓዋርያዊ መግለጺ ከም ዘውጽኡን ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ሕጊ ምጽዳቑ ጥንቁቕን ኣስተንትኖኣዊን ኣካይዳ ክህሉ ይምሕጸኑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ‘ሃገር ኣብ ስድራቤት፡ ስድራ ቤት ኣብ ቃል ኪዳን ይምስረት” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሓዋርያዊ መግለጺ ጉባኤ ጳጳሳት ፊሊፒንስ፡ ቤተ ክርስቲያን ንቅድስና ቃል ኪዳን ከም እትሕልውን ብዛዕባ ጽልዋታት ፍትሕ ኣብ ሕብረተሰብ ዝምልከት ወሳኒ ሕቶታት ዘቕርብ ከም ዝኾነ ሊካስ እተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ፊሊፒንስ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ጳጳስ ፓብሎ ቨርጂልዮ ዳቪድ፥ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊሊፒንስ ንሓጋጊ ኣካላትን ንመትከል ምፍልላይ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ዘኽብሩ እኳ እንተኾኑ፡ ፍትሕ ንምትእትታው ዝወሃብ ዘሎ ውሳነ ግን ብቐሊሉ ክውሰድ የብሉን ዝብል መርገጺ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

ፊሊፒንስ በርገሳዊ ፍትሕ ዘይብላ ሃገር ከም ዝኾነት ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ እዋን እዚ ፍትሕ ሕጋዊ ዝኾነላ ሃገር ንኽትከውን በርገሳዊ ፍትሕ ፍቑድ ዝብል ሕጊ ንምጽዳቕ ዝግበር ዘሎ ምይይጥ ህዝባዊ ባይቶ፥

መሰረት እቶም ጳጳሳት ብተወሳኺ ብዛዕባ ጭብጥታት ብስነ ኣሃዝ ዘቅርብ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ሃገረ ፊሊፒንስ ዝሃቦ ጸብጻብ ኣብቲ ዘውጽዎ ሓዋርያዊ መግለጺ ጠቒሶም፥ ብዛዕባ ተኽእሎ ፍትሕ ሓዳር ዝምልከት ስክፍታኦም ገሊጾም፥ “ኣብ ቀዳማይ ሓዳር ብግምት 48%፡ ኣብ ካልኣይ ሓዳር 60%፡ ኣብ ሳልሳይ ሓዳር ድማ 70% ፍትሕ ከም ዘጋጥም ብምምልካት” እዚ ጸብጻብ እዚ ብዛዕባ ፍትሕ ሕጋዊ ምግባር ንነዊሕ እዋን ዘስዕቦ ሳዕቤን ብዕምቆት ንኽሕሰበሉ ክድርኽ ከም ዘለዎ ይምዕዱ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ መግለጺ ኣገዳስነት ስድራቤት ፊሊፒንስ ከም መሰረት ሃገር ዘጉልሕ ኮይኑ፡ እዚ ስምዒት እዚ ኣብ ቅዋም ፊሊፒንስ ተሰኒዱ ኣሎ። እቶም ጳጳሳት ዝኾነ ይኹን ንበርገሳዊ ፍትሕ ሕጋዊ ንምግባር ዝግበር ዘብዘብ ነዚ መሰረታዊ መዳይ ሕብረተሰብ ፊሊፒንስ ከዳኽሞ ከምዝኽእል ይእምቱ።

ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ዘውጽእዎ ሓዋርያዊ መግለጺ ኣስዒቦም እውን ሓዳር ግድል ምዃኑ ብምግንዛብ ኩሎም ሰብ ሓዳር ‘ብኣምላኽ ሓደ ዝኾኑ’ ከምዘይኮኑን በዚ ድማ ሓዳሮም ክፈርስ ከምዝኽእልን ይሕብር። ይኹን እምበር ከምዚ ዓይነት ተግባራት ብፍላይ ኣብ ህጻናትን ሕብረተሰብን ከሀልዎ ዝኽእል ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ብጥንቃቐን ርህራሄን ክቐርብን ክርአን ዘለዎ ጉዳይ እዩ እንልብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣገልግሎት ዜና ሊካስ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቲ ሓዋርያዊ መግለጺ ንኹሎም ግዱሳት ኣካላት፡ እንኮላይ ዓለማውያን ዓቕለሲያውያን ምንቅስቓሳትን ብዛዕባ ፍትሕ ዝግበር ዘተ ክመርሑ፡ ኣብ ድሕነት ስድራቤትን ግብረ ገባዊ ኣካሊት ናይ ሕብረተሰብን ከተኩርን ይዕድም።

እቶም ጳጳሳት፡ ኣባላት ባይቶ ንማሕበራዊ መልክዕ ፊሊፒንስ ብዓቢኡ ክቕይር ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ውሳነታት ቅድሚ ምውሳዶም፡ ንኽብደት ናይቲ ጉዳይ ኣብ ግምት ከእትውዎ ተስፋ ብምግባር፡ ሚዛናውን ተሓባሪ ዘተ ዘለዎ ቁኑዕ ክትዕ ክካየድ ጻውዒት ከም ዘቕርቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

12 July 2024, 15:31