ድለ

2023.09.14 Lagos, Nigeria 2023.09.14 Lagos, Nigeria 

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ናይጀርያ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልዑኽ መዚዞም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣየርላንዳዊ ሊቀ - ጳጳሳት ማይክል ፍራንሲስ ክሮቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓውርያዊ ልኡኽ ኣብ ናይጀርያ ክኾኑ መዘዝዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ-ጳጳሳት ማይክል ፍራንሲስ ክሮቲ ኣብ ናይጀርያ ትማሊ ዕለት 16 ሓምለ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ናይጀርያ ክኾኑ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተመዚዞም።

እዞም ኣየርላንዳዊ በዓል መዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክልኤኣዊ ርክባት ዝኾኑ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኒጀርን ቡርኪኖ ፋሶን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ከባቦ ጽቡቕ ተመኩሮ ዘለዎም ኢዮም ።

ናይጀርያ ኣብ ኣፍሪቃ ኻብ ዘለዋ ሃገራት እታ ብዝበዝሒ ህዝቢ እትፍለት ኮይና ካብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብቑጽሪ ሰዓብቲ ምእመናን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዘለዋ ሃገር እያ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ምእመናን ዚወርድ ዓመጻ ንእተወሰነ ዓመታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር እና ወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ። መብዛሕትኡ ግዜ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ይጭወዩን ከም ጅሆ ይተሓዙን ኣለዉ ።

17 July 2024, 13:30