ድለ

ቀይሕ መስቀል ኣብ ሱዳን ኣብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ዕንቅፋታት የጋጥም ኣሎ እንክብል የጠንቅቕ ቀይሕ መስቀል ኣብ ሱዳን ኣብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ዕንቅፋታት የጋጥም ኣሎ እንክብል የጠንቅቕ  (AFP or licensors)

ቀይሕ መስቀል ኣብ ሱዳን ኣብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ዕንቅፋታት የጋጥም ኣሎ እንክብል የጠንቅቕ

ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፡ ኣህጉራዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል፡ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሃገር ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምብጻሕ ርኡይ ዕንቅፋታት ከምዘሎ ኣጠንቂቑ ማሕበረሰብ ዓለም ንኩነታት እታ ሃገር ብዘርእዮ ዘሎ ዘይምግዳሱ ዝተሰምዖ ሓዘን ይገልጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ግጭት ኣብ ሱዳን፡ ናይ ሰላም ዘተ ከም እተቛረጸን መራሒ ዕጡቓት ሓይልታት ምክልኻል ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ዝምራሕ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍን መሻርኽቶም ዝኾኑ ምልሻታትን ዘካየድዎ ዝነበረ ዘተ ጠጠው ከም ዝበለን፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብውሕዱ 15,500 ሰባት በቲ ዘሎ ግጭት ክሞቱ እንከለዉ፡ እቲ ኲናት ዕለት 15 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ድማ 2 ሚልዮን ሰባት ካብታ ሃገር ከም እተሰዱ የመላኽት።

እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎን ልዕሊ 25 ሚልዮን ሰባት ሕዱር ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ይኹን እምበር ኣብ ባይታ ዝፍጠሩ ዕንቅፋታት ከም ኣህጉራዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ዝኣመሰላ ዘይመንግስታውያን ትካላት ረድኤት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ሰላማውያን ሰባት ከየብጽሓ ይኽልክላ ምህላወንን ሓያሎ ነጻ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ጥሜት ከም "መሳርሒ ኲናት" ምጥቃም ብሰፊሕ ይርአ ምህላዉ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ናይተን ትካላት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ናይ ዝመደበሩ ሓላፊ ጨንፈር ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ፒየር ዶርቤስ ንቫቲካን ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ዋድ ማዳኒ ይኹን ካርቱም፡ ናብ ዞባታት ግጭት ንምብጻሕ መተሓላልፎ ንምርካብ ብዓቢኡ በዳሂ ኮይኑ ኣሎ" እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ ካብቶም ዝተፈላለዩ ናይቲ ውግእ ኣካላት ዝወሃብ ፍቓድ ንደሕንነት ኣዚዩ ኣድላዩ እዩ . . . እዚ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ” ይብል።

"ኣብዚ እዋን'ዚ ኤል ፋሸር ኣብ ትሕቲ ምሉእ ከበባ እያ ዘላ፤ ዝኣቱ ነገር የለን። ኣብ ካልኦት ማእከላይ ከባቢታት መራኸብታት ኩሉ ተቛሪጹ ስለዘሎ፡ ሓገዝ ምብጻሕ ወይ'ውን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀይና ኩነታት ምርዳእ ዘይከኣል ይገብር" ምህላዉ እውን ይሕብር።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ካብ ዓለም ሓቆፍ ተዓዛቢ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ክፍለ ግዝኣት ምዕራብ ዳርፉር ኤል - ጀነይና ብብዝሒ ዓረብ ዝነብረሉ ዞባ፡ ግብረ ምጽናት ዓሌት ኣብ ልዕሊ ማሳሊትን ካልኦት ዓረብ ዘይኮኑ ማሕበረሰባትን ክፍጸም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኪኖ እቲ ሓደገይና ዞባታት፡ ናይ ቀይሕ መስቀል ሰራሕተይናታት ጉዳያት ሰብኣዊ ተልእኾኦም ንኽፍጽሙ ፍቓድ ኣብ ምርካብ እውን ብዙሕ ጸገም የጋጥሞ ምህላዉን ካብ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ፒየር ዶርቤስ፡ "ማሕበረሰብ ዓለም ምምሕዳራዊ መስርሕ ንምቕላል፡ ቪዛ ንምሃብ፡ ከምኡ'ውን ናብታ ሃገር ንምብጻሕን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምምችቻእ፡ ንተዋሳእቲ ሓድሕዳዊ ግጭት ናብ ዘተ ንኸብሉ ጸቕጢ ክገብር ኣለዎ" ምስ በለ፥ ኣብ ናይ ሰላሳ ዓመታት ሰብኣዊ ሞያኡ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ርእዩ ከምዘይፈልጥ ይሕብር።

"ኣብ ውሽጢ ሃገር 10 ሚልዮን ተመዛበልቲ ከም ዘለዉን፡ እዚ ኸኣ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ካብ 20 ክሳብ 25% ዝውክል እዩ" ቢሉ፥ ሱዳን ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዋ'ኳ እንተሎ፡ እቲ ግጭት "ኣብ ቀንዲ ኣርእስታት ዜና ዓለም ዘይስማዕ ኮይኑ . . . ኣቓልቦ መራኸቢ ብዙሃን ዘይምህላዉ፡ ነቲ ሰብኣዊ ምላሽ ትሑት ይገብሮ ከም ዘሎን ንኣብነት ንሱዳን ሓላፍነት ዝስከም ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ንህዝቢ ሱዳን ንምሕጋዝ 2.7 ቢልዮን ዶላር ይሓትት ኣሎ፡ እንተኾነ ግን ካብቲ ዘድሊ ገንዘብ 15% ጥራይ እዩ ዝተረኽበ . . . ለገስቲ ምስቲ ህልው ቅልውላዋት ዓለም ክነጻጸሩ እንከለዉ ውሑዳት እያቶም፡ ምስቲ ናይ ሱዳን ክነጻጸር እንከሎ ድማ ኣዝዮም ዝወሓዱ እዮም፡ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝወሃብ ሰብኣዊ ምላሽ ብዓቢኡ ይድርቶ፡ ካብቶም ካብ ሱዳን ዝሃደሙ 2 ሚልዮን ሰባት፡ እቶም 35% ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ 33% ድማ ኣብ ጫድ ዕቝባ ከም ዝሓተቱን፡ እተን ክልተ ኣአንገድቲ ሃገራት ከቢድ ቅልውላው መግቢ ኣጋጢምወን ኣሎ” እንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

13 July 2024, 16:41