ድለ

ቅድስቲ ባኪታ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ቅድስቲ ባኪታ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ 

ቅድስቲ ባኪታ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ

ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን መተዓናቕፎ ንምስጋር ንሓድ ሕደን ክደጋገፋ ካብ 80 ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዝመጻ ልዕሊ 3000 ተመሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ብመንገዲ ሽርክነት ባኪታ ንትምህርቲ ብትምህርት ኣብ ዝብል መደብ ይሳተፋን ንሓድሕደን ይደጋገፋን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማሕበረ-ቁጠባውን ባህላውን ዕንቅፋታት ኣብ ገጠራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ትምህርታውን ውልቃውን ዕብየት ኣዋልድ ከቢድ ጸቕጢ ከም ዘለዎን፡ እቲ ሽርክነት ትምህርቲ ባኪታ (BPE) ዝብል መደብ ኣብ ማእከል እታ ኣህጉር ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ግቡእ ትምህርቲ ክረኽባ ቀዳምነት ይህብ።

ኣባ ቻርለስ ቺሉፍያ፡ ዋና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፍትሕን ስነ ምህዳርን ንጉባኤ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ምስ ቫቲካን ኒውስ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት፡ ኣዋልድ ናብ ስርዓተ ትምህርቲ ዳግማይ ኣብ ምውህሃድ ዝተራእየ ምዕባለታት ኣጉሊሖም፡ ኣዋልድ ኣብ ኬንያ ማላዊ ኡጋንዳ ታንዛንያ ዛምብያ ሓይሊ ዚህብን ድሕንነተን ዜረጋግጽን ሃዋሁ ብቐጻሊ የድልየን ኢሎም።

ኩለንተናዊ ኣገባብ ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮ

ኣባ ቺሉፍያ ከም ዝበልዎ እዚ ተበግሶ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትምህርቲ ንኹሉ ክባጻሕን ብፍላይ ድማ ንዝተገለሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘቕረብዎ ጻውዒት መሰረት ዝገበረ እዩ። “ብሓቂ ር.ሊ.ጳ. ንቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 4 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ትምህርቲ ከም "ናይ ተስፋ ተግባር" ከም ዘስመሩሉ ድማ ኣዘኻኺሮም፥ ኣስዒቦም ሽርክነት ባኪታ ንትምህርቲ ጻዕርታት ካብ ትምህርቲ ዝወሃበሉ ክፍሊ ኪኖ ዝኸይድ ኮይኑ እዚ ድማ ስነ ኣእምሮኣዊ ደገፍ ዝህብን ኣዋልድ ብድሕንነትን ብምትእምማንን ዝምዕብላሉ ሃዋሁ ዘደንፍዕ እውን ምዃኑ ይሕብሩ።

20 July 2024, 16:55