መዓልቲ ሰካም፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ወንጌል ናብ ዓለም ከተብጽሕ ትጽዋዕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 29 ሓምለ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ዕለት ክኸውን እንከሎ። ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣብ 1969 ዓ.ም. ኣፍሪቃውያን ጳጳሳት ምስቲ ፍሉይ ተልእኾ ወንጌል ብምልእታ ኣህጉርን ደሴታታን ንምስፋሕ ሱታፌኣዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት (SECAM) ብወግዒ ከም ዘቖሙ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፥ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ዕለት 31 ሓምለ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ሰካም ናይ መዕጸዊ ስነ ስርዓት ከም ዝመርሑን፣ እዚ እውን ጳውሎስ ሻድሻይ ንፍለማ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ - ሃገረ ኡጋንዳ ካብ ዕለት 31 ሓምለ - ዕለት 2 ነሓሰ 1969 ዓ.ም. ምስ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝተተሓሓዘ ምንባሩን ካብዞም ክልተ ታሪኻውያን ፍጻመታት ብምብጋስ ድማ ዕለት 29 ሓምለ ከም መዓልቲ ሰካም - ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጳጳሳት ኣባይቲ ምክሪ ሕብረት ዝኽሪ ቅዋመኡ ከም ዝዝክርን፡ ዕለት 28 ሓምለ ሰንበት ብዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተጸምበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ኣፍሪቃውያን ናይ ገዛእ ርእስኹም ልኡካነ ወንጌል ኢኹም”
ነዚ መበል 55 ዓመት ሕታም ዝኽሪ ቅዋመ ሰካም - ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርም ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት ዝተመርጸ መርሕ ቃል ካብቲ ዕለት 31 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ስነ - ስርዓት ምረቓ፥ ጳውሎስ ሻድሻይ “ኣፍሪቃውያን ናይ ገዛእ ርእስኹም ልኡካነ ወንጌል ኢኹም” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዝነበረን ኣቦ መንበር ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ሕብረት - ሴካም ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በዚ ኣጋጣሚ ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ብፍላይ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ሰካም ምስ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ኣዋጅ ቅድስና ሰማእታት ኡጋንዳ ዝጋጠም ብምዃኑ ዓቢይ ትርጒም ዘለዎ እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ሰንበት ዕለት 18 ጥቅምቲ 1964 ዓ.ም. ኣብ መዓልቲ ተልእኾ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብ እዋን ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ነቶም 22 ሰማእታት እምነት ኡጋንዳ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ቅድስና ንምዋጅ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናብ ኣፍሪቃ ንኽበጽሑ ድላይ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ዝወሰኑ እውን ከም ዝሓበሩን እዚ ምብጻሕ እዚ እውን ክውን ከም ዝገበርዎ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ህያው “ዓባይ” ቤተ ክርስቲያን
ካርዲናል ኣምቦንጎ “ካብቲ ታሪኻዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣፍሪቃ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕን ብብዙሕን መዳይ ዓብያ” ትርከብ ቢሎም፥ ሎሚ 18 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ኣፍሪቃ ዝውክል 256 ሚልዮን ምመናን ዘለዉዋ ከም ዝኾነትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ “ሱር ሰዲዳ ዓባይ ቤተ ክርስቲያን ኮይና ኣላ” ከም ዝበሉን፥ እቲ መልእኽቲ ሕጂ መብዛሕትኡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሃይራርቃዊ ስርዓት ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ደቀባት ካህናትን ዓለማውያንን ገዳማውያትን ገዳማውያንን ዝመጹ ከም ዝኾኑን ኣብዘን ኣህጉራውያን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌል እውን ኣብ መሪሕነት ዝሳተፉ ኣፍሪቃውያን ገዳማውያንን ልካነ ወንጌልን ቁጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎን ኣዘኻኺሮም ከምኡ’ውን “ቁጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣፍሪቃውያን ካህናት ሃገረ ስብከት ንውሱን ግዜ ከም ፊደይ ዶኑም - ጸጋ እምነት ናይ እተሰምየ ናይ ሰበኻ ካህናት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዝልእኽ ማሕበር ዝዋስኡ እውን ቁጽሮም ክብ ይብል ምህላዉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ኣዘኻኺሮም፡
“ቁጽሪ ሃገረ ስብከታት እናወሰኸ ይኸይድ ስለዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሃገረ ስብከት ስሩዕ መሓውር ሃገረ ስብከት ፈጢሩ ይርከብ፡ ማለት ህንጻታት ቤተ ክርስቲያን፡ ትካላት ትምህርትን ማእከላት ጥዕናን፡ ትካላት ሃይማኖት፡ ኣባይቲ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ማእከላት ሕንጸትን መናብርተ ጥበባትን!
ጎብለል ሰብኣዊ ምዕባለን ድምጺ ንዘይብሎም ድምጺ ኣብ ምዃን
ዝበሉ ካርዲናል ኣምቦንጎ ኣስዒቦም ኣብታ ኣህጉር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን “ጎብለል ሰብኣዊ ምዕባለ ዘለዋ” ኮይና፡ ሕጂ ድማ “ድምጺ ንዘይብሎም ድምጺ” ብምዃን ከምኡ’ውን “ዘይፍትሓዊ ጾር ዕዳ ህዝቢ ኣፍሪቃ ንምንካይ ወይ ክስረዝ ትጣበቕ ኣላ።” ከምኡ’ውን “ንርእሳ ከም ስድራ እግዚኣብሔር ብንጥፈት ትሃንጽን ብተመኩሮ ንኣሽቱ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት ትህብትም ኣላ፣ እዚ ድማ መለለዪ ቤተ ክርስቲያን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣፍሪቃን ደሴታታን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብ ኣፍሪቃ እምነት ክርስትና ምስራጽ
ይኹን እምበር: እዚ ዜደንቕ ዕቤት እዚ እናሃለወ: “ኣፍሪቃ ጽምኢ ኢየሱስ ዘለዋ ኣህጉር እያ” እቶም 30 ሚእታዊት ህዝቢ ኣፍሪቃ ዝዀኑ ክርስትያናት ከምቲ ኣብ 1994 ዓ.ም. ኣብ ሲኖዶስ ጳጳሳት ኣፍሪቃ እተገብረ ፍሉይ ጉባኤ ንክርስትያን ዘይኰኑ ሰባት ወንጌል ምእዋጅ ክቕጽሉ ኣለዎም። በዚ መዳይ’ዚ ሊቀ ጳጳሳት ኪንሻሰ፡ ወሳኒ ኣገዳስነት ብህልትውና ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ ምኽንያቱ፣ “ወንጌላውነት ውጽኢታዊ ዝኸውን እምነት ክርስትና ኣብ ኣነባብራ ሰባት ኣዕሚቑ ምስ ዝሰረተ ጥራይ’ዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ
ናብታ ብግርጭትን ድኽነትን ዝተዋሕጠት ኣፍሪቃ ወንጌላዊ ተስፋ ምቕራብ
ብተወሳኺ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ነታ ኣህጉር ዘጋጥማ ዘሎ ብዙሕ ከቢድ ጸገማት - ድኽነት፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ብሄራውን ሃይማኖታውን ግርጭታት፡ ስደትን ምዝብልናን፡ ብልሽውና፡ ብከላ ከባቢ፡ ምቅንስቓስ ኣጽዋር፡ ከምኡ’ውን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዕጸ - ፋርስን ሓዊስካ - ክርስትያናት "ነታ ክርስቶሳዊ ዕርቅን ከምኡውን ምንጪ ሰላምን መሰረት ንኻልኦት ወኪላት ዕርቂ ክኾኑ ዝተጸውዑ እዮም፡”
ነፍሲ ወከፍ ኣባል ቤተ ክርስቲያን - ቤተሰብ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ኩሉን ኣብ ዝተዋፈረሉ ወይ ኣብ ዓውዲ ቁጠባ ናይ ወንጌል ተስፋ ክእውጁ ኣለዎም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ዓለማውነት ምዕራባውያን ንወንጌል ምምስካር
ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝተረፈ ኽፋል ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣህጉር ኤውሮጳ ወንጌል ክትምስክር ከም እተጸውዐት ካርዲናል ኣምቦንጎ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምምላክት፡ ኣብ መደምደምታ ኣገዳስነት ሲኖዳውነት ሸነኽ ተልእኾ ወንጌል ኣጒሊሖም፥
“ኣብ ኣፍሪቃ ብጉዕዞ ሲኖዶስ ዝተሓደሰትን ኣብ ንኣሽቱ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት ብዝነብር መንፈስ ሱታፌን ዝተሰነየት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ነንሕድሕድካን ንመንፈስ ቅዱስን ኣብ ምስማዕ፡ ነቲ ናይ ወንጌላዊ ተልእኾ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ንምብጻሕ ዝተጸወዐት እያ . . . ብሓድሽ ኒሕ፡ ሓድሽ ኣገባባትን ዝተሓደሰ መዋቕራትን ኣቢላ ንኽትዓዪ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
“ብጥምቀት ኣቢልና ኩላትና ኣብ ሕይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ንጡፍ ተራ ኣለና። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተልእኾ እያ ዘላ: ብስራት ድሕነት ደቂ ሰባት ክትእውጅ ናብ ወሰን ምድሪ ትለኣኽ ኣላ”
ቢሎም፥ ንኹሎም ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃን ደሴታታን ነዚ ዓመታዊ በዓል ተጠቒሞም ኣብ መላእ ኣህጉር ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ብዛዕባ ህላወን ተልእኾን ሴካም ንኽሕብሩ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።