ሲንጋፖር ንዑደት ር.ሊ.ጳ. ትጽበዮ ምህላዋ፡ ኣብ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ንዝግበር ዘተ የተባብዕ ሲንጋፖር ንዑደት ር.ሊ.ጳ. ትጽበዮ ምህላዋ፡ ኣብ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ንዝግበር ዘተ የተባብዕ 

ሲንጋፖር ንዑደት ር.ሊ.ጳ. ትጽበዮ ምህላዋ፡ ኣብ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ንዝግበር ዘተ የተባብዕ

ኣብ ሲንጋፖር ካቶሊካዊ ኣባል ህዝባዊ ባይቶ ኣሌክስ ያም ምስ ካቶሊክ ኒውስ እተሰምየ ናይ ሰበኻ ሲንጋፖር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፥ ትምህርቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሲንጋፖር ተኣፋፊ ሕብረተሰባዊ ጉዳያት ብኸመይ ክትገጥሞን ክትብድሆን ዝመርሕ እዩ እንክብል ዘለዎም ርድኢት የካፍል።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ሃገር ድሕሪ ኣስታት ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ንፈለማ እዋን ር.ሊ.ጳጳሳዊ ዑደት ንኸተአንግድ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ መንጎ እምነትን ህዝባዊ መምርሕታትን ዘሎ ውስጥ ተሳትፎ ዝምልከት ጉዳይ ዝካየድ ዘተ ይድልድል ከም ዘሎ የረጋግጽ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 11 – 13 መስከረም 2024 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ዘካይድዎ ምብጻሕ፡ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ስድራቤታዊ ክብርታትን ትምህርትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ተኣፋፊ ጉዳያት ንዝካየድ ዘተ ጽልዋ ከሕድር ዝኽእል ዓቕሚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብማሕበረሰብ ካቶሊክ እቲ ከባቢ ጥራይ ዘይኮነስ ብሰፊሕ ሕብረተሰብ እውን ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ምብጻሕ እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ነቲ ዛክየድዎ ቃለ መሕትት ጠቒሱ፥ ሃይማኖታዊ ክብርታት ኣብ ፖለቲካዊ መዳያት ብምውህሃድ ብዘካይዶ ጻዕሪ ዝፍለጥ ካቶሊካዊ ኣባል ህዝባዊ ባይቶ ሲንጋፖር ኣለክስ ያም፡ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ምሕላው ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩ፥ “ከም ካቶሊካውያን መጠን ኩላትና ‘ኵሉ ሰብ’ ብኣምሳልን ኣርኣያን እግዚኣብሔር ስለ ዝተፈጠርና፡ ኩነታት ሕይወቱ፡ ኣጠማምታኡ፡ ወይ ጾታዊ ዝንባለኡ ብዘየገድስ፡ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክንሕሉ ኢና ተጸዊዕና” ክምዝበለ ኣፍሊጡ።

እዚ መልእኽቲ፥ ሲንጋፖር ንባህላዊ ኣቃውማ ስድራቤት ዝፈታተን ምስ ከም ምውሳኽ መጠን ፍትሕን ምንካይ መጠን ውልደትን ዝኣመሰሉ ሕብረተሰባዊ ለውጥታት ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን ዝቐረበ ኮይኑ፣ ያም መርገጺ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ Evangelii Gaudium - ናይ ወንጌል ሓሴትን Amoris Laetitia - ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ዝገለጽዎ ኣቕዋም ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን፥ “ቅድስና ሓዳርን ጾታዊ ርክብ ደቂ ሰባትን ንባህላዊ ትምህርቲ ካቶሊክ ዝድግፍሉ ዓውዲ እዩ” ክብል ርእይቶኡ ከም ዝሃበን ኣስዒቡ፥ ኣባይቲ ስድራ ዘደልድሉ ጥዑይ ዝምድናታት ዘስፍሕ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ደገፍ ዝህቡን መምርሕታት ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ይሕብር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰብኣዊ ክብርታትን ምትሕግጋዝን ንብዙሕነት ምኽባርን ዘጉልሕ ትምህርታዊ ኣገባብ ዝድግፉ ከም ዝኾኑ ኣጒሊሑ፣ ስነ ትምህርታውን፣ ስምዒታውን መንፈሳውን ምዕባለ ዝሕብሕብ ኩለንተናዊ ስርዓት ክህሉ ይጣበቑ።

"እዚ ድማ ኣብ ሕብረተሰብናን ቁጠባናን ዝያዳ ብዙሕነትን መሃዝነትን ንኽህሉ ዘኽእል ኮይኑ፡ ብግዲኡ ዝያዳ ተጻዋርነት ዘለዎ ሓይሊ ስራሕ ይሃንጽ" እንክብል ይሕብር።

ኣብ ቁጠባዊ ዘይምዕሩይነት ቤተክርስትያን ነቲ ዝያዳ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ንምምዕባል ዝዓለመ መምርሕታት ዝድግፍ መትከል፡ ‘ንድኻታት ሓለፋ ዝብል ምርጫ፥ ከም ኣማራጺ ዘይኮነስ ግዴታ’ ዝብል ዘለዎ ተወፋይነት ኣስሚሩ፡

“ኣብ ሲንጋፖር ዝርአ ድኽነት ኣብ ካልኦት ሃገራት ካብ ዘሎ ዝወሓደ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዝዓቢ ዘሎ ጋግ ግን ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ” ቢሉ ኣተሓሒዙ “ፍቕርን ፍትሕን ምትሕግጋዝን” ዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ራእይ ዘለዎ ዘየማትእ ኣገዳስነት ደጊሙ የረጋግጽ።

"እቲ ጉስነታዊ ኣቀራርባ ቅዱስ ኣቦና ንዓና ምእመናን ንሕብረተሰባዊ በደላት ክንፈትሕ፡ ንዝተገለሉ ክንጣበቕ፡ ንክርስቶስ ኣብ ማእከል ህይወትና፡ ማሕበረሰብናን ህዝብናን ንምቕማጥ ዘተን ዕርቅን ከነስፍሕ ይብድሃና" እንክብሉ ገሊጾም፥ ያም ከም ካቶሊካዊ ኣባል ህዝባዊ ባይቶ መጠን፡ ማሕበራዊ ብድሆታት ንምምካት ምስ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ዝርከቡ መራሕቲ መዓልታዊ ብምትሕብባር እምነቱ ከም ዝነብር ገሊጹ፥ "ንዅሎም ሰባት ዝያዳ ፍትሕውን ሕውነታውን ዝዓሰላ ዓለም ኣብ ምህናጽ ከም ህያውን ወንጌላዊትን ሚስዮናውያንን ቤተ-ክርስትያን ኴንና ኽንጐዓዝ ከለና ብሓባር ብእምነት ኣብ ኣምላኽ ከም እንምራሕ ተስፋ ኣሎኒ" እንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።

11 July 2024, 15:40