ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Requiem, Op. 48 per soli, coro, orchestra e organo
መርሓ ግብሪ ፈነወ
2024.07.01 ሊቀ ጳጳሳት ሴውል መንእሰያት ኣብ ምስንዳው ንዓለም ለኸ ቅነ መንሰያት 2027 ዓ.ም. 2024.07.01 ሊቀ ጳጳሳት ሴውል መንእሰያት ኣብ ምስንዳው ንዓለም ለኸ ቅነ መንሰያት 2027 ዓ.ም. 

ሊቀ ጳጳሳት ሴውል መንእሰያት ኣብ ምስንዳው ንዓለም ለኸ ቅነ መንሰያት 2027 ዓ.ም.

ኣብ ርእሰ ሰበኻ ሴኡል ምስ መንእሰያት ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ደቡብ ኮርያ ንምትእስሳር ኣብ ቅርዓት ካቴድራል ሚዮንግዶንግ ፍሉይ መደብ መንሰያት ከም እተኻየደ ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣስታት 600 መንእሰያት ኣብቲ ኣብ 2027 ዓ.ም. ኣብ ሴኡል ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓለም ለኸ ቅነ መእሰያት (WYD) ሴኡል መሰረት ከባብያዊ ኣሰናዳኢ ሽማግለ (LOC) ኣብ ደንበ ካቴድራል ሚዮንግዶንግ ኣብ ዘዳለዎ መደብ ከም እተሳተፉ ርእሰ ሰበኻ ሴኡል ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ መደብ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን መንእሰያት ሰዓብታን ብዘተን ሓባራዊ ተመኩሮን ድልድል ንምህናጽ ዝዓለመ ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ እቲ መደብ “ኣይትፍርሑ፡ ኣነ ምሳኹም እየ” (ኢሳ 41፣ 10) ዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ መርሕ ዝገበረ ምንባሩ ኣፍሊጡ።

ኣቦ መንበር ፈደራላዊ ማሕበር መንሰያት ርእሰ ሰበኻ ሴኡል ሳንግ ዉክ ሊ፥ "ኣብዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዋሕዲ ወለንተይና መንሰያት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን መንእሰያት ትርጉም ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ዝሕግዙ ልምዳውያንን ንፉዓት መራሕትን ዘይኮኑስ ሓደስቲ ማሕበረሰባዊ ፍጻመታት የድልዮ" ከም ዝበለን፡ ሊቀ ጳጳሳት ፒተር ሱን - ታይክ ቹንግ ነቶም መንእሰያት ተሳተፍቲ ብቕንዕናን ዛንታታቶም ከካፍሉ ስለ ዘርኣይዎ ድሌት ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ “ዛንታታት ህይወትኩም እትሰምዑሉ ክቡር ግዜ እዩ። መንእሰያት ስለቲ ክቡር ግዜኦም ነዚ ከምዚ ዓይነት መደብ ከውዕልዎ ምርኣይ ዘሐጉስ እዩ፡ ከም ቀንዲ ተዋሳእቲ ምሳኹም ዛንታታት ንምክፋል ዝሕግዝ ዝተፈላለየ ዓውደ ኣኼባታት ምድላው ክንቅጽል ኢና” ከም ዝበሉን እቶም ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቃልሑ ጳጳስ ወሲኾም፥ “እግዚኣብሔር ልክዕ ከምቲ ዘለናዮ የፍቅረና፣ እንታይ ንፈጽም ወይ መንን ካበይን ንኹኑ ብዘየገድስ። ብመስርሕ ምድላው ዓለም ለኸ ቅነ መንሰያት ኣቢልኩም ኣምላኽ ኣብ ሓጐስኩምን ሓዘንኩምን ቃንዛኹምን ኩሉ ግዜ ምሳኹም ምዃኑ ተመክሮ ከም እትገብሩ ርግጸይና እየ” እንክብሉ ነቶምም መንሰያት ከም ዘተባብዑ ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ 2027 ዓ.ም. ኣብ ሴኡል ንኽካየድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንሰያት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሊቀ ጳጳሳት ቹንግ ዘበገስዎ መደብ ከም ዝነበረን እዚ እውን ድምጺ መንእሰያት ንምስማዕ ዘለዎም ተወፋይነት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣመላኺቱ፥ “ኣብ ደምበ ካቴድራል” ዝተኻየደ መደብ ዓውደ ርክብ መንእሰያት ዘመላኸቶ ራእይ ብዓወት ኣብነት እቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን መጻኢ ወለዶን ዘራኽብ ፍሉይ ናይ ዘተ መድርኽ” ምንባር ዝብል ምዃኑ ይሕብር።

02 Jul 2024, 16:57
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031