ጳጳሳት ሱዳን ብሰንኪ ኲናት 'ዘይተኣደነ ስቓይ' ጓሂኦም ይገልጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ኩናት ካብ ዝለዓል ንደሓር ኣብ ሱዳን ካብ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ርሒቕና ክነብር ኣይከአለናን እዩ . . . ብኽልቲኡ ወገን ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ገበናት ኲናትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን” ዝገልጹ ጉባኤ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዕለት 29 ሰነ ኣብ ጁባ ዝተዛዘመ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ስዒቡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፣ እቶም ጳጳሳት ነቲ ኲናት ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብን ግጭት ደው ምባልን ክህሉን ድሕሪ ግጭት ድማ ነታ ሃገር ምሕዋይን ዳግመ ህንጸት ምርግጋጽ ከም ዘድሊ ብኣጽንዖት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
15 ኣዋርሕ ኲናት
ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ዝካየድ ዝነበረ ናይ ስልጣን ምፍሕፋሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ናብ ሰፊሕ ግጭት ከም ዝተቐየረን። እቲ ግጭት ብውሕዱ 15,500 ሰባት ንሞት ከም ዝዳረገን ገለ ድማ ክሳብ 150,000 ዝበጽሕ ምዃኑ ዝወሃብ ዘሎ ግምታት ጳጳሳት ክልትኤን ሱዳን ብምዝካር፡ ቅድሚ እቲ ግጭት ሱዳን ድሮ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዋ ከም ዝነበረን ዳርጋ 16 ሚልዮን ሰባት ጽግዕተይና ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝነበሩን ሕጂ ኣስታት 12 ሚልዮን ዝግመቱ ድማ ካብ ኣባይቶም ዝተመዛበሉ ሓዊስካ፡ 25 ሚልዮን ሰባት - ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ሱዳን - ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኮይኖም፡ ንሰብኣዊ ሕጊ ፍጹም ዕሽሽ ብምባል ንዝተፈላለየ ግህሰት ተቓሊዖምን ኣደዳ ዓመጽ ኮይኖም ከም ዘለዉ የስተብህሉ።
ክትኣምኖ ዘጸግም ደረጃ ዓመጽን ጽልእን
ኣስዒቦም “ኣካሊት ሕብረተሰብ ሱዳን ተበታቲኑ፣ ሰባት ተዳሂሎምን ኣብ ከቢድ ስንባደ ወዲቖምን ኮታ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽን ዝሰፍሕ ዘሎ ጽልእን ክትኣምኖ ኣብ ዘጸግም ደረጃ ብጺሑ ከም ዘሎ ኣመላኺቶም፥ “እዚ ኣብ መንጎ ክልተ ጀነራላት ዝካየድ ኲናት ጥራይ ኣይኮነን” ቢሎም፥ “ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ቁጠባዊ ህይወት እታ ሃገር ብዘይነጻጸል መንገዲ ሰሪጹ፡ ሃብቲ እታ ሃገር ንዝተፈላለዩ መዝመዝቲ ኣካላት ከም ዘቃለዐን እውን ሓቢሮም፥ “ብኽልቲኡ ወገን ካብ ዝፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ ገበናት ኲናትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን” ወጻኢ ህዝቢ ኣብዚ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ሓደጋ እዚ፥ “ብርሃን ዘተን ሰላምን ዘይረኣየሉ ኩነታት ይነብር ምህላዉ ኣጒሊሖም፡ እዚ እውን ሱዳናውያን ተስፋ ክቖርጹ ይገብር ኣሎ፡” መራሕቲ ተዋጋእቲ ወገናት ንሰላም ድሉዋት ከምዘይኮኑ ዘለዎም ስክፍታ ዝገልጹ ጳጳሳት ሱዳን ኣስዒቦም፥ “ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ዝሓስቡሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ - ቢሎም - ህዝቢ ብዝበታተን መጠን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራት ሱዳናውያን ጽልኢ ይዓቢ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ምስጋና ንጻውዒትን ስክፍታን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
እቶም ኣባላት ሓባራዊ ጉባኤ ጳጳሳት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሱዳንን ጎረቤታን ብተደጋጋሚ ስክፍታኦም ብምግላጾምን፣ ንሰላምን ሓለዋ ስደተይናታትን ንዝገብርዎ ጻውዒት ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ንምኹናን ድምጾም እናስምዑ፡ “ብዝኾነ ወገን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ቅትለትን ምዕማጽን ምዝማትን ንኹንን፡ ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ተሓታትነት ድማ ክህሉ ንሓትት . . . ከምኡ’ውን ዘተ ብምክያድ፡ ነቶም ኣብ ውግእ ዝተዋፈሩ ኣንቢሮም ናብ ትርጉም ዘለዎ ናይ ሰላም ዘተ ክኣትዉ” ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።