ድለ

2024.07.16 Students from across Thailand pose for a group photo during the Youth Social Hackathon at Mater Dei School in Bangkok from July 12-14, 2024. The event allowed students to brainstorm solutions to societal challenges through the principles of syn 2024.07.16 Students from across Thailand pose for a group photo during the Youth Social Hackathon at Mater Dei School in Bangkok from July 12-14, 2024. The event allowed students to brainstorm solutions to societal challenges through the principles of syn  (Photo by MISSION POSSIBLE / LiCAS)

መንእሰያት ታይላንድ ኣብቲ ን3 መዓልቲ እተወደበ ማሕበራዊ 'ዋዕላ' ሲኖዳውነት ህይወት ይሳተፉ

ቤት ምኽሪ ካቶሊካዊ ሥነ ትምህርቲ ታይላንድንን LiCAS እተሰምየ ኣገልግሎት ዜናን፣ ኣብቲ ኣብ ባንግኮክ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣደ ኣምላኽ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቐጸለ ናይ መንእሰያት ማሕበራዊ ዋዕላ ካብ 12 ኣብያተ-ትምህርቲ ታይላንድ ምስ ዝመጹ ተማሃሮ ኣካዪዱ።

ኣባ ተወልደ መበራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኻብ 12 ኽሳዕ 14 ሓምለ 2024 እተገብረ ዋእላ መንእሰያት፣ በቲ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ብዝብል መጉልሒ ገይሮም ነቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዜጋጥም ኣገዳሲ ብድሆታት ንኺዋጽኡ ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ ዝነበረ።

እቶም ናይ LiCAS ዐገልግሎት ዜና  ዳይረክተር ፒተር ሞንቲየንቪቺንቻይ ከም ዝገለጽዎ እዚ ዕላማ ናይዚ ኣጋጣሚ "ንመንእሰያት ብዛዕባ ሲኖዶስ ዘለዎም ፍልጠትን ምትሕብባርን" ንምልዕዓል ምዃኑ ኣመኪቱ።

"እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ኵላትና ብፍላይ ከኣ ዓበይቲ ነዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብሓቂ ክንሰምዖም ከም ዘሎና  ኣጋጣሚ  ዝፈጠር ኢዩ" ኢሉ።

እቶም ደቂ 13 ዕድመን ካብኡ ንላዕልን ዝዀኑ ተሳተፍቲ ንሓደ ኻብቲ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ሲኖዶስ እስያ እተጠቕሰ ትሽዓተ ዓበይቲ ጕዳያት ኪፈትሕዎ ጻውዒት ቀረበሎም።

ክብርቲ እናቴ ኒና ኣብቲ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ነዞም መንእሰያት ኣብ ዘቕረበቶ መደረ "ካብዚ ዋዕላ እዚ ኣትሒዝና ብሓቂ ምስማዕ ዘለዎ ኣገዳስነት ክንርዳእ ተስፋ እገብር" በላ።

"እዚ ምስማዕ ክፍሊ ናይቲ መስርሕ ጥራይ ዘይኰነስ ክፍሊ ናይቲ መፍትሒ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኵላትኩም ብፍሉይ ተልእኾ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣገልግሎት ከምኡውን ተልእኾኹም ክትፍጽሙ ትኽእሉ ኢኹም " በላ።

እዚ ዋዕላ እዚ ካብ እተፈላለየ ዓውድታት ዝመጹ ኣማኸርቲ እንተላይ ናይ መሪሕነት ኣሰልጠንቲ ከምኡ ውን መራሒ ማሕበረሰብ ደቀባት ፍልጠቶምን ተመክሮኦምን ዘካፈሉሉ ተኸታታሊ መደባት ትምህርቲ ኢዩ ጀሚሩ ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣማኻሪ ዀይኖም እተዓደሙ ዶ/ር ሳንቲ ላፕበንጃኩል ኣብ ተኽእሎታት እቶም ተሳተፍቲ ኣተኲሮም ኣስተምሃሩ ። "በቲ እቶም ቈልዑ ዘበገስዎ ሕቶታት ኣዝየ እየ ዝምሰጥ።... ኣነ ኸኣ ድሕሪ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ዓመት ምኒስተራት ኽትኰኑ ኢኹም፣ ሽዑ እንደገና ብርግጽ ክንራኸብን ክንዘራረብ ኢና" ኢለ ነገርክዎም። እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቶም ተማሃሮ ኣብ ምትብባዕን ሓሳባቶም ናብ ክውንነት ንምቕያር ኣድላዪ መሳርሒታት ኣብ ምድላውን ዘተኮረ ኢዩ ዝነበረ ።

ዋና ጸሓፊ CECT ዝዀነ ዶ/ር ፖል ኢካራት ሆምፕራትም ነቶም ተሳተፍቲ መደረ ኣቕሪቡሎም እዩ ፣ እዚ ኸኣ ንስነ ምግባራዊ መጥቃዕቲ ምስ ጐዳኢ መጥቃዕቲ ብምንጽጻር እዩ ዝነበረ ።

ሰባት ብዛዕባ እቶም ሰረቕቲ ዝኾኑ ሃካያት ከም ዝፈልጡ ገለጸ - "እቶም ጸሊም ቆብዕ ዘለዎም ሃካያት ሰረቕቲ ከምዘለዉ ከምኡ ውን ኵነታት ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ጻዕዳ ቆብዕ ዘለዎም ተሓጋገዝቲ ውን ኣለዉ ። "

"ሎሚ ሲኖዳውነት ብምልምማድን ንእተሸገሩ ብምስማዕን ዝሓሸ ሕብረተሰብ ንምርካብ ጻዕዳ ቆብዕ ንገብር ኣሎና" ድማ በሉ።

እቲ ጽዑቕ ናይቲ "ዋዕላ" ደረጃታት ውድድር ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ኢዩ ተኻይዱ፣ ተማሃሮ ድማ በቲ ንጕያ ንኽዳለዉ ዝሓገዝዎም ባጎኒታት እናተሓገዙ ኣከባቢኦም ንምጽራይ ሸሞንተ ሰዓት ወፈዩ።

እቲ ዋዕላ ድማ ተመሃሮ ኣብ ፕሮጀክትታቶም ኪጥሕሉ ኸለዉ ረኣዩ ። ጕጅለታት ድማ ነቲ ጕዕዞኦም ንምጽራይ ባጎኒታት ሒዞም ይዓዩ ነበሩ ።

ሓንቲ ኡቦን ራቻታኒ እትበሃል ካብ 13 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሚኦም ቈልዓ ዝሓቘፈት ጕጅለ ቤት ትምህርቲ ቅድቲ ኤሚሊ ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ናይቲ ዋዕላ ንመንእሰያት ብዛዕባ ጥንሲ ጥንሲ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዘመልክት ድማራማ ገበረት።

እታ ጕጅለ ኸምዚ በለት - "ኣብ ከባቢና ዘሎ ጸገማት ኣብ ከባቢ ኣዕሩኽና ከምኡውን ክንፈትሖ እንደሊ ጸገም ናይ ትሕቲ ዕድመ ጥንሲ ኢዩ።

ሶንግሃላ እትበሃል ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንግቶንግ ቪታያ እትሰርሕ ኣብል ጕጅለ ነቶም እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ብከላ ኣየር ብምትኳር፣ እናወሰኸ ኽነሱ ኽቡር ናይ ኣየር መጻረዪን ናይ ሆስፒታል ወጻኢታትን ክዕድጉ ዘይክእሉ ሰባት ንምሕጋዝ ንዘርኢ ዕፉን ናብ መጻረዪ ኣየር ኬሚካል ክቕየር ዘኽእል ሓሳብ ኣቕረበት ።

እቲ ኣጋጣሚ ኣብቲ ኣርባዕተ መደባት ውጥናቶም ንምፍጻም ገንዘብ ዝተረኸቡሉ ናይ መወዳእታ መደብ ተዛዘመ ።

እቶም ኣዳለውቲ እዚ ወፈያ እዚ ድምጾም ከም እተሰምዐ ኣፍልጦ ብምሃብ ጾርን ሓላፍነትን ከም ዘመልክት ኣጕልሑ ።

እቶም ኣዳለውቲ ኸም ዝገለጽዎ እዚ ዋዕላ ንተመሃሮ ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ትርጕም ብዘለዎ መገዲ ኣበርክቶ ኽገብሩ ኸም ዝኽእሉ ንኸርእዩ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብግብራዊ መገድታት እውን ምትሕብባር ንኽገብሩ መሰረት ኰይንዎም ኢዩ።

ገለ ኻብቶም ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እተረኽቡ ናይ ክብሪ ዕዱማት ኣጋይሽ ሊቀ-ጳጳሳት ኣንቶኒ ዌራደት ቻይዘሪ ናይ ታ ራይ ሊቀ-ጳጳሳት፣ እናቴ ፐንሲ ሆሬ ኣውራጃዊ ሓለቓ ማሕበር ደናግል ኦርሰሊነ ታይላንድ ከምኡ ውን ነበር ርእሰ-መምህራን ቤት ትምህርቲ ኣደ ኣምልኽ ዝነበረት ሱሚትራ ፎንግሳቶርን ይርከብዎም ነበሩ።

 

እዚ ዓንቀጽ እዚ ፈለማ ኣብ https://www.licas.news/ እዩ ተሓቲሙ ። ኵሉ መሰላት እተሓዝአ እዩ ። ብሳልሳይ ሰብ ዘይተፈቕደ ሕትመት ክዝርጋሕን ኣይፍቀድን እዩ ።

17 July 2024, 13:32