ጳጳሳት ቬነዝዌላ ኣብ ውጽኢት ምርጫ ግሉጽነት ክህሉ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሃገራዊ በዓል መዚ ምርጫ፡ ነቲ ሕጹይ ኮይኑ ዝቐረበ ኣብ ስልጣን ዘሎ ርእሰ ብሔር ኒኮላስ ማዱሮ፡ ተዓዋቲ እንክብል ብወግዒ ከም ዘፍለጠን እዚ ውሳኔ እዚ ማዱሮ ንሃገረ ቨነዝወላ ንሳልሳይ ግዜ ርእሰ ብሔር ኮይኑ ንኽመርሕ መሰል ዝህቦ ከም ዝኾነ ክንገር እንከሎ፡ ተቃወምትን ናጻ ኣካላትን ነቲ ውጽኢት ዘይእመን እዩ ከም ዝበሉን መራሕቲ ተቓወምትን ናይ ወጻኢ ተዓዘብትን ብማዕረ ኣብ ምቑጻር ድምጺ ግሉጽነት ክህሉ ከም ዝሓተቱን ሃገራዊ በዓል መዚ ምርጫ ዝሃቦ ውሳኔ መሰረት ማዱሮ ተዓዋቲ ርእሰ ብሔር ምዃኑ ንምዋጅ ድሕሪ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ኣብ ዝተፈጥረ ዕግርግር ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ካብ ቨነዝወላ ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ጳጳሳት ንፍጻመታት "ብቐረባ ይከታተሉ"
ኣብ ማእከል እዚ ናዕቢ እዚ ጉባኤ ጳጳሳት ቬንዙዌላ “ኩሎም ቬንዙዌላውያን ኣብ መስርሕ ምርጫ ዘርኣይዎ ተሳትፎ ንኢዶም እዚ እውን "ንዲሞክራሲ ዘለና ተወፋይነት ዘረጋግጽ እዩ” ቢሎም፡ "ከም ጓሶት ህዝቢ እግዚኣብሔር መጠን፡ ነቲ ዝግንፍል ዘሎ ፍጻመታት ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና፡ ኣብዚ ዘይርጉጽነት ዘለዎ እዋን ድማ ምትሕግጋዝናን ጓሳዊ ደገፍ ንምሃብ ድልውነትናን ክንገልጽ ንደሊ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ጳጳሳት ቨነዝወላ ግሉጽነት ክህሉ ዝብል ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ መሰረት ድማ ግሉጽነት ውጽኢት ምርጫ ክህሉ ኣብ ድምጺ እቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ዜጋታት ንሓብር ቢሎም፥ “ብተስፋ ጸኒዕና ደው ንበል” እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ምርጫን ዝተሓበረ ውጽኢት ምርጫን ኣብ ቬንዙዌላ ዝርከብ ናይ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዘመሓድሮ ማሕበራዊ ተግባርን ምርምርን ማእከል፡ "ዓመጽን ፖለቲካዊ ስደትን" ብምንጻግ፡ "ኩሎም ዜጋታት፡ ውድባት፡ ሓይሊ ጸጥታን ህዝባዊ ሰበስልጣንን" "ሕገ-መንግስቲ ከኽብሩ" ዝጠልብ መግለጺ ከም ዘውጸአ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ "ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምርጫ" ይብል መግለጺ እቲ ማእከል ኢየሱሳውያን፥ ድሕሪ ምርጫ ዓመጽን ወጥሪን ከይህሉ ግልጽነት ዝመልኦ ኣሰራርሓ ውሑስ ክኽውን ሓቲቱ፡ ውጽኢቱ ክሳብ ዘይተነጸረ፡ ነቲ ዝተኣወጀ ተዓዋቲ ኣፍልጦ ምሃብ ዘይፍትሓዊ እዩ” ከም ዝበለን፡ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምህዳው መንጎይና ኣብ ምዃን ክቕጽል ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ "መስርሕ ምርጫ ምስ ቅዋም ሃገር ዝሰማማዕን ብዛዕባ ውጽኢት ዝምልከት ዝቐርብ ዘሎ ጥርጣረታት ብቑዕ መልሲ ንምሃብ ናጻ ዝኾነ መርማሪ ኣካል ክቐውም ኣለዎ” ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።