ኣብ ጋልወይ፦ ጳጳሳት ብሰንኪ ኣብ ለዕሊ ሓደ ካህን እተፈጸመ ናይ ካራ መውጋእቲ ስምባዴኦም ገለጹ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እዚ ዝዀነ ዝሓለፈ ሓሙስ ሓደ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ንክቡር ኣባ ፖል ሙርፊ ኣብ ወጻኢ ኣብታ ኸተማ ኣብ ዝርከብ ናይ ሰራዊት ሬንሞር መዓስከት ኣብ ኣፍደገ ብተደጋጋሚ ብኻራ ከም ዝወግኦም ምስ ተፈልጠ ኢዩ ዝነብረ።
እቶም ወዲ 50 ዓመት ካህን ብሓገዝ ናይቶም ተረይናታት ናይቲ መዓስከር ዝነብሩ ቀዳማይ ረድኤት ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ መዓስከር ሃብዎም ብድሕሪኡ ኸኣ ከቢድ ግን ከኣ ንህይወቱ ዘስግእ ጕድኣት ስለ ዘጋጠሞ ናብቲ ናይቲ ኸባቢ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ተወስዱ ።
ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ተታሕዛ
እቲ መንእሰይ ብኡንብኡ ተታሕዘ፣ ኣኽበርቲ ጸጥታ ኣይርላንድ ከኣ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከውርድ ዝፈተነ ከይከውን መርመራታት ይገብሩሉ ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይርላንድ ሳይመን ሃሪስ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ "ዜሰምብድ" ክብል ገሊጽዎ ኣሎ፣ ንሓይልታት ምክልኻልን ኣኽበርቲ ጸጥታትን ከኣ ቅልጡፍ ስጕምቲ ብምውሳዶምን ምላሽ ብምሃቦምን ኣመስገንዎም።
ካቶሊካዉያን ጳጳሳት ኣይርላንድ ብኻራ መጥቃዕቲ ብምውራዱን ምስቶም ግዳይ ዝኾኑ ካህን ዘለዎም ቅርበትን ብምግላስ ጓሂኦም ገለጹ ።
ጳጳስ ሰበኻ ጋልወይ ብፁዕ ኣቡነ ማይክል ዱይጋን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እዚ ዜና እዚ "ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘበሳጩን" ምዃኑ ገለጹ። እዞም ጳጳስ ድማ "ምእንቲ እቲ እተጐድአ ካህን ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምሕረት ከውርደሉ እልምኖ " ድማ በሉ ። ምእንቲ ስድራ ቤቱ ምእንቲ መሳርሕቱን እቶም ዘገልግሎም ሰራዊትን ከምኡውን ምእንቲ እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ንጕድኣቱ ዚከናኸኑ ዘለዉ ሰብ ሞያ ሕክምና እውን እጽሊ ኣሎኹ" በሉ።
መጸዋዕታ ንጸሎትን ምሕረትን
ብፁዕ ኣቡነ ኣልፎንሰስ ካሊንያን ብዓል ዋተርፎርድን ሊዝሞርን ነቲ መጥቃዕቲ ኣትሪሮም እኳ እንተኾነንዎ ምሕረት ክግበር ብምግላጽ ኵሉ ሰብ ምእንቲ ኣባ ሙርፊ ጥራይ ዘይኰነስ ምእንቲ እቲ ነዚ ተግባር እዚ ተሓታቲ ዝዀነ ውልቀ-ሰብ እውን ኪጽሊ ኣተባብዑ።
"ነቲ እተጐድአ ኻህንና ንምድጋፍ ጥራይ ዘይኰነስ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት እንደገና ዘይፍጸመሉ ሃዋሁ ንምምሕያሽ እውን ክንሰምር ኣሎና " ውን በሉ ። "ኣተዓባብያኦም ወይ እምነቶም ብዘየገድስ ኣብ መንጎ ዅሎም ውልቀ-ሰባት ሰላምን ምርዳእን ኣኽብሮትን ብኸመይ ከም እነደንፍዕ ክንዘራረብ ኣሎ።"
"ኣብ ጸሎት ክንእከብ ከለና ምሕረት ምግባር ናብ ዕርቂ ኺመርሓና ዚኽእል ሓያል መሳርሒ ምዃኑ ንዘክር።"
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ገጻት ፌስቡክ ክብር ኣባ ሙርፊ ንደገፍቱ "ስለ ጸሎቶምን ፍቕሮምን ሓልዮቶምን" ኣመስገንዎም።