ቤተ መዘክር ካርዲናል ሃይመ ሲን ኣብ ማእከላይ ፊሊፒንስ ኪኽፈት ኢዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብመሰረት እቲ መንግስቲ ኒው ዋሽንግተንን ሰበ-ስልጣን ካሊቦን ኣብ ማእከላይ ፊሊፒንስ ዝኣወጅዎ ቤተ-መዘክር ካርዲናል ሃይመ ሲን ብዕለት 1 መስከረም 2024 ኪኽፈት እዩ።
እዚ ኣብ ምዕራባዊ ቪሳያስ ዝርከብ ናይ መጀመርታ ቤተ - መዘክር ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ንህይወትን ውርሻን ናይቲ ብ1986 ኣብ ሰውራ ሓይሊ ኤድሳ ኣገዳሲ ግደ ዝነበሮ ካርዲናል ሲን ከርኢ ኢዩ ።
ኣብ ኒው ዋሽንግተን እትነብር ከንቲባ ጀሲካ ፓናምቦ "ድሮ እኳ ንቤት ካርዲናል ሲን ቤተ-መዘክር ስለ ዝገበርና ንማሕበር ሰርቪያምን ሰበ-ስልጣን ካሊቦን ነመስግኖም ኣሎና" በለት።
እቲ ናይቲ ከባቢ ቀንዲ ኣማሓዳርን ኣካያዲ ስራሕ መንግስትን ነቲ ቤተ-መዘክር ንህዝቢ ብፍላይ ከኣ ነቶም መንእሰያት "ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ካርዲናል ጽቡቕ ነገራት ምእንቲ ኽመሃሩ" ክኸፍተሎም ከም ዝተመደበ ገለጸ።
እቲ ኣብ ቪሳያስ ዚርከብ ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ነቶም ሰራሕተኛታት ቤተ-መዘክር ካብ ወርሒ ሰነ ኣትሒዙ ነቲ መኽፈቲ ንኺዳለዉ ከሰልጥናኦም ጸኒሑ ኣሎ ። እቲ ምርኢት ንብሕታዊ ንብረት ናይቲ ብማሕበር ሰርቪያም ተዓቂቡሉ ዘሎ መንበሪ ገዛ ካርዲናል ሲን ዘጠቓልል ኢዩ ።
ናይ ብሕቲ ጸሓፊ ካርዲናል ሲን ዝነበሩ ኣብዚ እዋን እዚ ኣመሓዳሪ ናይቲ ኣብ ኲያፖ ዝርከብ ንእሽቶ ቤተ - ትምህርትን ሃገራዊ ቤተ - መቕደስ ኢየሱስ ናዝሬውን ዝኾኑ ክቡር ኣባ ሩፊኖ ሰሰኮን ነቲ ቤተ - መዘክር ንብረቱ ዘለዎም ተዘክሮታትን ተለጹ ።
እቲ ናይ መኽፈቲ ሥነ-ስርዓት ብዕለት 30 ነሓሰ ኣብ ማእከል ማሕበረሰብ ኒው ዋሽንግተን ባህላዊ ፍጻመ ክካየድ ኢዩ፣ ስዒቡ ድማ ብዕለት 31 ነሓሰ ናይ ካርዲናል ሲን መበል 96 ዓመት ዕለተ ልደቶም ውን ስለዝኾነ ብፍሉይ ክኽበር ኢዩ።
ኣቦ መንበር ታሪኻዊ ቤት ምኽሪ ምርምርን ባህልን ፕሮጀክትታትን ዝዀነ ክቡር ኣባ ጀስቲን ሞር ነቲ ብ2026 መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ዓመተ ኢዮቤል ሰበኻ ካሊቦ ንምብዓል ይሰናዶ ከም ዘሎ ኣብቲ ኣብ ናይ ፊሊፒንስ ጉባኤ ጳጳስት መደረ ከም ዝቐረቡ ገለጹ።
ሰበኻ ካሊቦ ነቲ ናይ ካርዲናል ተዘክሮታት ንምዕቃብን ንምርኣይን ምስ ማሕበር ሰርቪያም ስምምዕ ድሕሪ ምግባሮም ካብ ሓምለ 2023 ኣትሒዞም ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ክዳለዉ ጸኒሖም ኣለዉ።
እቲ መበል 30 ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሊቀ - ጳጳሳት ማኒላን ሳልሳይ ካርዲናል ፊሊፒንስን ዝኾነ ካርዲናል ሲን ኣብቲ ብ1986 እተገብረ ሰውራ ሓይሊ ህዝቢ ኤድሳ ድሙቕ ቦታ ኢዩ ዝነብሮም ። ካብ ቻይናን-ፊሊፒናውያን ስድራቤት ስለ እተወልደ ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ሃገራዊ ታሪኽን ዓብዪ ውርሻ ሓዲጉ ኢዩ።
ብዕለት 31 ነሓሰ 1928 ኣብ ኒው ዋሽንግተን ተወልደ ። ብ21 ሰነ 2005 ብዝነበሮም ሕዱር ሕማም ሽኮርያ ድኽመት ኵላሊት ስለዘጋጠሞም ናብ ሰማያዊ ቤት ኣቡኦም ተሳገሩ።
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ፈለማ ኣብ https://www.licas.news/ እዩ ተሓቲሙ ። ኵሉ መሰላት እተሓዝአ እዩ ። ብሳልሳይ ኣካል ዘይተፈቕደ ሕትመት ኪሕተም ኣይፍቀድን እዩ ።