ድለ

Pope Francis on his three-day Apostolic visit to Hungary Pope Francis on his three-day Apostolic visit to Hungary  (ANSA)

ካርዲናል ፔተር ኤርዶ፦ እምነት ኣብ ህይወት ኣገዳሲት ከም ዝዀነት

ሊቀ-ጳጳሳት ኢስተርጎም-ቡዳፐስት ብፁዕ ካርዲናል ፔተር ኤርዶ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ሰፊሕ ቃለ-መሕትት፣ ነቲ ስዒቡ ኣብ ሃንጋሪ ዝኸብር ክልተ ዓበይቲ ክብረ በዓላት፣ በዓለ ፍልሰታ ለማርያምን በዓለ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሃንጋሪን ምኽንያት ብምግባር ብዛዕባ እቲ ሕዝባዊ መንፈሳውነትን ከም’ኡ ውን ኣብ ትሕቲ ሥርዓት ዴሳውነት ዝተሞከርዎ ናይ እምነት ጕዕዞ ከምኡውን ብዛዕባ እቶም ኣርኣያ ዚዀኑ ናይ እምነት መሰኻኽር ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ-ጳጳሳት ሰበኻ ኢስተርጎም-ቡዳፐስትን ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሃንጋሪን ብፁዕ ካርዲናል ፔተር ኤርዶ ኣብዚ ቐረባ እዋን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት ብዛዕባ ኣገዳስነት እምነት እምነትን ሕዝባዊ መንፈሳውነትን ኣብ ከበድቲ ኣጋጣሚታት ህይወት እንታይ ከም ዝመስል ኣስፊሖም ገለጹ።

ኣገዳስነት እምነት

ካርዲናል ኤርዶ እምነት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት መዳይ ህይወት ምዃና ብምጕላሕ ኢዮም መልስታቶም ዝጀመርዎ ። ከምዚ ድማ በሉ - "እምነት ኣብ ህይወት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ኢያ ስለዚ ንእምነት ካልኦት ምግልጋል፣ እምነት ምምሕልላፍ፣ እምነት ምምሃር፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምግልጋል ኣብ ህይወት እቲ ዝዓበየ ነገር ኢዩ።" እዚ እምነት እዚ እቲ ናብ ክህነታዊ ጸዋዕታ ዝደረኾምን ንኣገልግሎቶም ዘነቓቕሖን ከም ምንባሩ ኢዮም ዝገልጹ ። ነቲ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ካቶሊክ ኣገዳሲ ፍጻመታት ዝዀነ በዓለ ፍልሰታ ለማርያምን ከምኡ ውን ነቲ ኣብ ሃንጋሪ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ዝኸብር ክብረ በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ ዓል ሃንጋሪን ንምኽባር ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበዮ ዘለው ውን ገለጹ።

ታሪኻውን ባህላውን ኣገዳስነት ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሃንጋሪ

ካርዲናል ኤርዶ ብዛዕባ ታሪኻውን ባህላውን ኣገዳስነት ናይቲ ኣብ ሃንጋሪ ናይ መጀመርታ ክርስትያን ንጉስ ዝነበረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሃንጋሪ ኣዕሚቖም ገለጹ ። ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብ ክርስትና ሃንጋሪ ወሳኒ ግደ ነበሮ ብካቶሊካውያን ጥራይ ዘይኰነስ ብዅሎም ሃንጋርያውያን እውን ኣኽብሮት ዘለዎ ቅዱስ ኢዩ ። ሓድነት ሃንጋሪን ክርስትያናዊ ውርሻኣን ድማ ኢዩ ዘመልክት ። ክብረ በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘሃንጋሪ ዓብዪን እተፈላለየ መዳያትን ዘለዎን እዩ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ወተሃደራዊ ማሕላ ዝግበረሉ፣ ፖለቲካዊ መደባት ዝካየደሉ፣ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ እስጢፋኖስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝዓርገሉ፣ ቅርያቱ ድማ ብመንፈሳዊ ዓጀባ ዝዓውደሉ ከምኡውን መስተንክር ዝኾነ ስነጥባብዊ ናይ ርችት መደባት ዝካየደሉ እዩ። እዚ ፍጻመታት እዚ ነቲ ሱር ዝሰደደ ልምድታትን ሓባራዊ ተዘክሮታትን ህዝቢ ሃንጋሪ ዘንጸባርቕ ኢዩ።

ብድሆታትን ኣጋጣሚታትን እምነት ኣብ ትሕቲ ሥርዓት ዴስነት

ካርዲናል ኤርዶ ብግዜ ሥርዓት ዴስነት ብዛዕባ ዘጋጠሞ ብሕታዊ ተመክሮን ብድሆታትን እውን ሓሳባቶም ኣካፊሎም ኢዮም ። እታ ኣብ ስድራቤቶም ዝረኸብዋ ዘይትነቓነቕ እምነት ኣብ ጽንኩር እዋናት ንኽጸንዑ ብኸመይ ከም ዝሓገዘቶም እውን ኣዘንተዉ። እዞም ካርዲናል ንኣገዳስነት ናይቲ ሕዝባዊ ይኹን ግላዊ መግለጺ እምነት ኣጕልሑ ። ምልክት እምነት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ንህይወት ትርጕምን ዋጋን ዚህብ ልዕል ዝኾነ ኣድማስ ከም ዜዘኻኽር ውን ገለጹ ። እዚ ምልክታት እዚ ኣብ ሕብረተሰብ መንፈሳውን ስነ - ምግባራውን መምርሒ ንምዕቃብ ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣመልከቱ ።

እምነት ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዘሎ ሕብረተሰብ ዘለዋ ግደ

እቲ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት ነቲ እምነት ኣብዚ ግዜናን ሕብረተሰብናን ብዛዕባ ዘለዎ ዝሰፍሐ ትርጕም እውን ኣስፊሖም ገለጹ። ካርዲናል ኤርዶ ቤተ-ክርስትያን ንዘመናዊ ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ ዘለዋ ግደን ንመንፈሳዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምምራሕ ሓድሽ ቈራጽነት ከም ዝገበረት ውን ገለጹ። እምነት ናይ ብሕቲ ጕዳይ ጥራይ ዘይኰነትስ ንሰባት ዘተኣሳስርን ዘቀራርብን ዕላማን ስምዒት ዘተሕድር ሓባራዊ ጕዳይ ምዃኑ ውን ኣመልከቱ ። ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ምእመናን ኣብ ትምህርትታት ቤተ-ክርስትያን ዓሚቝ ተሳትፎ ኽገብሩን ከምኡ ውን ኣብ ሊጡርጊያዊ ህይወት ቤተክርስቲያን ብዝያዳ ንጡፍ ተሳትፎ ክህልዎምን ጻውዒት ኣቕረቡ።

ሃገረ ሃንጋሪ ንበዓለ ፍልሰታ ለማርያምን ንክብረ በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስን ንምክባር ኣብ እትዳለወሉ ዘላ ብፁዕነቶም ዘስተንተንዎ ሓሳባት ነቲ ነባሪ ሓይሊ እምነት ዘዘኻኽር ኢዩ ዝነበረ ። እቲ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ከኣ ምስቲ ግዜ ዘይሓልፎ መልእኽቲ ተስፋን ተጻዋርነትን መንፈሳዊ ተወፋይነት ናይ ምሕዳስ ተኽእሎን ዚሰማማዕ እዩ። እቲ ዝመጽእ ዘሎ በዓላት ነቲ ሃንጋሪ ዘለዋ ሃብታም ሃይማኖታዊ ውርሻ መረጋገጺ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምእመናን ነቲ ንመንነት ሃገሮም ዝቐረጸ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዘለዎም ቈራጽነት ንኸሐድሱ እውን ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ኣሎ ክብሉ ቃለ መሕትቶም ዛዘሙ።

14 August 2024, 14:35