ፓትርያርክ ፒሳባላ 'ሎሚ ሰላም ኣጸጋሚ ኢዩ እቲ ውግእ ብህጹጽ ደው ክብል ኣለዎ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ ሰላም ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።" ብምባል ብፁዕ ካርዲናል ፔርባቲስታ ፒሳባላ ናይ ላቲናውያን ፓትርያርክ የሩሳሌም፣ ነቲ ኣብታ ቅድስቲ መሬት ዘጋጠመ ዅነታት ምስቲ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ንልዕሊ 10 ወርሒ ዝቐጸለ ግጭት ንጹር መብራህርሂ ኣቕሪቦም ። እዞም ፓትርያርክ "ህልውና ምስ ሰላም" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሪሚኒ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ቅድሚ ምጅማሩ ንመራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን መግለጺ እንክህቡ "ነቲ ውግእ ደው ንምባልን፣ ንዅሉ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ደው ንምቍራጽን፣ ናይ ምሕዋይ መስርሕ ንምጅማርን ኣብ ንሓድሕዶም ምትእምማን ምምዕባል" ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሑ ።
"እዞም ተውልደ ኢጣልያ ዝኾኑ ካርዲናል ዘመልከትዎ መገዲ (ንሰላም) ኣሎ፣ እንተዀነ ግን ብማሕበራዊ ደረጃ ኽስዕቦ ኣይደልን ኢዩ። ኣብ ቅልውላው ዘሎ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን መሪሕነት ዝሓትት ኢዩ። ኣብዚ ትግባሬ እዚ ንምጣፍ ካብ ታሕቲ ኣትሒዝካ እውን ዝከኣለካ ዅሉ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ ።
"ንኣሽቱ ተስፋታት"
ተስፋ ኣብዚ እዋን እዚ ኣገዳሲት ቃል እኳ እንተ ዀነት ከምቲ ብፁዕ ካርዲናል ፒሳባላ ዝበልዎ ግን ንትርጕም ናይዛ ቃል ከነደናግሮ የብልናን በሉ ። ከምዚ ድማ በሉ - "ተስፋ ክበሃል ከሎ ነገራት ክውዳእ ቀሪቡ ማለት ኣይኰነን - እቶም ዝሕሰቡ ዘለዉ ኣብ ሓጺር እዋን ጽቡቕ ክመስሉ ኣይክእሉን ይኾኑ ። ተስፋ ነቲ ኣዒንቲ ሰብ ኪርእያኦ ዘይክእላ ነገር ብዓይኒ መንፈስ ክንርኢ ዜኽእለና ውሽጣዊ ጠመተ እዩ።"
እወ ነታ ኣብ ቃዛን ምዕራባዊ ገማግም እተጸምደት "ንእሽቶ ተስፋ" ነታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ህያው ጌርዋ ኣሎ፣ ነቶም 600 ዝዀኑ ምእመናን ነቲ ንእሽቶ ማሕበረሰብ መግቢ ኣብ ምዕዳል ደገፎም እጃሞም ይገብሩ ኣላዉ ። እዞም ናይ ላቲናውያን ፓትርያርክ የሩሳሌም ማእከላት ጥዕና ንምኽፋት፣ ንሓደ ዓመት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ቤት ትምህርቲ እንደገና ንምኽፋት ከምኡውን ነቲ "ንቡር" ርክባት እንደገና ንምጅማር ዝኣተውዎ መብጽዓ ዘከረኡ፣ እዚ ኸኣ "ዋላ እውን ዘይከዐል እተመሰለ ካብ ዕጽዋ ናይ ዓምጻ ንምምላጥ ዕድላት ናይ ስራሕ ንምፍጣር ኢዩ" በሉ።
ሰላም ባህሊ እዩ
ካርዲናል ፒሳባላ ኣብ መደምደምታ ቃለ መሕትቶም፣ ኵሉ ሰብ ሰላም ንምስፋን ገለ ነገር ክገብር ከም ዝኽእል ውን ኣዘኻኸሩ ። "ሰላም ባህሊ ኢዩ፣ ሓደ ሰብ ክገብሮ ዘለዎ ነገር ኣይኰነን፣ ሰላም ፖለቲካ ኢዩ፣ ትምህርቲ ኢዩ፣ ተጸምዶ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ውን ኢዩ፣ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወት ኣብታ ዋላ ሓደ ደሴት ዘይኮነላ ዓውለማዊት ዓለም ኩሉ ኢዩ ክዓየላ ዘለዎ። ስለዚ ሰላም ባህሊ እዩ" በሉ።
ኣብዚ እዋን እዚ ዚግበር ዘሎ ድርድር እቲ ናይ መወዳእታ ባቡር እዩ
ብፁዕ ካርዲናል ፒሳባላ ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ እተገብረ ናይ መኽፈቲ መደብ ምስ ኣቦ መንበር ማሕበር ዋዕላ ሪሚኒ በርናርት ሾልዝ ኰይኖም፣ ብፁዕነቶም ነቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሕለፍዎ 35 ዓመታትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ዘተታት ዘሕለፍዎ ተመክሮን ኣዘንተዉ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተራእየ ምዕባለታት ኣመልኪቶም እዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ዘተን ውዕላትን እዋናት "ወሳንን ኣገዳስን ህሞት" ምዃኑ ኣረጋገጹ። "እቲ ውግእ ክውዳእ ኢዩ፣ እቲ ዘተ ንገሊኡ ጸገማት ክፈትሖ ድማ ተስፋ እገብር - ምጥርጣራት ኣሎኒ፣ እዛ ባቡር እዚኣ ግን እታ ናይ መወዳእታ ዕድና ኢያ" በሉ።
እዞም ፓትርያርክ የሩሳሌም ነቲ ውግእ ዘስዕቦ ሓደጋ "እናገደደ" ይኸይድ ከም ዘሎ ኣይነጸግዎን - ኣስዒቦም ድማ "እቲ ሓባራዊ ምንጻግ ዝብል ቋንቋ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዕለታዊ ዛዕባ ኮይኑ ኣሎ ብሓቂ ድማ ዘስደምም ኢዩ ።”
"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብፍላይ ኣንጻር እቲ ኸም ጽልእን ዘይምትእምማንን ከምኡውን ዓሚቝ ንዕቀትን ዝኣመሰለ ኣረኣእያታት ንምቅዋም ክንጽሊ ከም ዘሎና" ኣመልከቱ። ንጽባሕ ኣብ ምህናጽ ተጸምዶ ናይ ኩሉ ሰብ ኣድላዪ ኢዩ ።
እዞም ፓትርያርክ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ኣብዚ እዋን እዚ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኣስመሩሉ። "እዚ ዅነታት እዚ ምክፍፋል ፈጢሩ ኢዩ ። ህዝባዊ ኣኼባታት የልቦን ኣብ ደረጃ ትካላት ድማ ንሓድሕድና ንምዝርራብ ንቃለስ ኣሎና ። ክንራኸብ ኣይንኽእልን ኢና" ድማ በሉ።
ኣብ መደምደምታ ብፁዕ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ መንጎ እቶም ላዕለዎት ካላት ዘይኰነስ ኣብ መንጎ እቶም ማሕበረሰባት ዝርርብ ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ ። መራሕቲ ሃይማኖት ንገዛእ ርእሶም ዘይዓጽዉ ግን ከኣ ቍሊሕ ክብሉ ዝኽእሉ ማሕበረሰብ ናይ ምፍጣር ዓብዪ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ውን ኣመልከቱ።