2024.08.23 Miteeng Rimini card Zuppi 2024.08.23 Miteeng Rimini card Zuppi 

ካርዲናል ጹፒ፦ ይቕረታን ፍትሕን ናብ ሰላም ዚመርሕ መገዲ እዩ

ጐኒ ጐኒ እቲ ኣብ ሪሚኒ እተገብረ ዋዕላ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳስት ኢጣልያ ብፁዕ ካርዲናል ማትዮ ጹፒ ዕርቂ፣ ሕውነት ዳግም ክርከበሉ ዝከአል እንኮ መገዲ ምዃኑ ብምጕላሕ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ኣካዪዶም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱይ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ማትዮ ጹፒ ኣብቲ ኣብ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሪሚኒ ኣብ እተገብረ ዋዕላ ዕርክነት ማሕበረሰብ እተተኽለ ስቱድዮ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ይቕረታን ፍትሕን ናብ ሰላም ዚመርሕ መገዲ ምዃኑ ኣጕልሑ ።

ሊቀ-ጳጳሳት ሰበኻ ቦሎኝናን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣልያ ዝኾኑ ካርዲናል ጹፒ ንብጻይና ኽንረኽበሉን ናይ ሓባር ዓለም ክንሃንጸሉን እንኸደሉ እንኮ መገዲ ዕርቂ ምዃኑ ኣስፊሖም ገለጹ።

ብፁዕነቶም ሃይማኖታት ንጽልእን ዓመጻን ኣብ ምቅላስ ዘለወን መሰረታዊ ግደ ብምምልካት፣ ሰላም ንምርካብ ኣብ ኣብ ዘተን ምይይጥን ሓቀይና ሓቂ ትብዓት ከም ዘድሊ ድማ ኣጕልሑ ።

ሥርዓተ ትምህርቲ ዓለም ለኻዊ ብደረጃ ክህልዎ

 ብመሰረት እቲ ካርዲናል ዝሃብዎ መግለጺ ክርስትያን ምእመናን ነቲ ናብ ውግእን ግጭታትን ጽልእን ቂምን በቐልን ከምኡውን ሕነ ምፍዳይ ዘምርሕ ሕማቕ ትምህርቲ ኣብ ምቅላስ ብዙሕ ኣበርክቶ ኽገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።

ብይቕረታን ፍትሕን ኣቢልካ ንሓድሕድና ከም ኣሕዋት ኣፍልጦ ብምሃብ ናብ ሰላም ክትምህረሉ እትኽእል እንኮ መገዲ ዕርቂ እዩ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ድማ ትምህርቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።

"ነቲ ኣምላኽ ብስምዒት ከይንምራሕ ዝመኸረና ምኽሪ በዚ መገዲ እዚ ኢና እነኽብሮ" በሉ።

ንኽትለማለም ዘኽእል ትብዓት

ኣብቲ ዘካየድዎ ቃል-መሕትት ብፁዕ ካርዲናል ጹፒ ትብዓት ኣብ ዘተ እተመርኰሰ ምዃኑ ብምግላጽ ምልምላም ከዓ ፍረ ትብዓት ምዃኑ ገለጹ።

"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሓቀይና ትብዓት ብኸመይ ከም እትዛተ ምፍላጥ ምዃኑ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ ኢዩ" በሉ። ሓቀይና ትብዓት ኣብ መጻኢ ብኸመይ ከም እትመርጽ ብኸመይ ከም እትርድኦ ከምኡውን ብኸመይ ከም እትደራደር ምፍላጥ ማለት እዩ" በሉ።

28 August 2024, 09:36