ካቶሊካዊ ዋዕላ ሰላም፦ ካብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝዀነት ዓለም ክትህሉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
“ፓክስ ክሪስቲ” - ሰላም ክርስቶስ ኮርያዊ ማሕበር ምስ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ሰላም ክርስቶስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ከምኡውን ምስ ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ ካቶሊካውያን ተማሃሮ ብምትሕብባር ብዕለት 10 ነሓሰ ኣብ ጃፓን ናይ መጀመርታ ካቶሊካዊ መጋባእያ ሰላም ናጋሳኪ ኣዳለዉ።
እቶም ካብ ኮርያን ጃፓንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝመጹ 40 ዝዀኑ ተሳተፍቲ ዝኣንገደ ኣጋጣሚ መበል 79 ዓመት ዕንወት ኣቶሚካዊ ደብዳን ከምኡውን ቀዳይ ዓመት ምስረታ ናይቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘይብላ ዓለም ዝስመ ማሕበር ንምዝካር ዝዓለመ ኢዪ ዝነበረ ።
ገለ ኻብቶም ተኣከብቲ ዋዕላ እተረኽቡ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፒተር ሚቺያኪ ናካሙራ በዓል ናጋሳኪን ብፁዕ ኣቡነ ኣሌክሲስ ሚትሱሩ ሺራሃማ በዓል ሂሮሺማን ከምኡውን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፖል ኤቲየን በዓል ሲያትልን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጆን ወስተር በዓል ሳንታ ፈን ኢዮም ዝነበሩ።
ተሓባባሪ ኣቦ መንበር ማሕበር ፓክስ ክሪስቲ ኮርያ ዝዀነ ኣንሰልሞ ሊ ብዛዕባ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ መደረ ብምቕራብ ከምኡውን ካብ ዓመተ ኢዮቤል ኽሳዕ መዓልቲ መንእሰያት 2027 ዘሎ መርሓ ግብርታት ብምግላጽ ነቲ ዋዕላ ኸፈቶ።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ናካሙራ ሰላም ንምምጻእ ንዚግበር ሓባራዊ ጻዕርታትን ዝኽሪ ደብዳብ ኣቶሚካዊ ቦምብ ንምኽባር ዚግበር ጻዕሪ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሑ።
ኣብቲ ዋዕላ እቶም መደረታት ዘቕረቡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ እተገብረ ምንቅስቓሳት ንሰላምን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዚኽልክል ውዕል 2017 ንምድንፋዕ እተገብረ ውጥናት እተፈላለየ መግለጺታት ኣቕረቡ።
ኣብቲ ዘካየድዎ ዘተ ድማ ከምቲ ስዒቡ ኣብ ከተማ ሴኦል ዝካየድ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት 2027 ዝኣመሰለ ፍጻሜታት ብኸመይ ንሰላም ከደንፍዕ ከም ዝኽእል እውን ተዛተዩ ።
ኣብ መንጎ ካቶሊካውያን ማሕበራት ሰላምን ጕጅለታት መንእሰያትን ዝያዳ ምትሕብባር ክግበር ከምኡውን ነቲ ኑክልየሳዊ ውዕል ንምጽዳቕ ክድግፍ ጻውዒት ብምቕራብ ናይ ናጋሳኪ ይግባይ ንሰላም ውን ኣቕረቡ።
እዚ ሰነድ እዚ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ብወግዒ ተቐባልነት ኪረክብ፣ ኣብ መበል 100 ዓመት ዝኽሪ ፓክስ ሮማና ድማ ብዕለት 20 መስከረም ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክቕርብ ኢዩ።