ፕሮፌሰር ቤካሊ ፦ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ንኵለንተናዊ ትምህርቲ ዝዓለመ ኢዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ኣመሓዳሪት ዝኾነት ፕሮፌሰር ኤለና ቤካሊ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 12 ነሓሰ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ዘካየደቶ ኣኼባ "ኣዝዩ ባህ ዜብልን ተስፋ ዚህብን" ከም ዝነበረ ኣመልከተት።
ቦርድ ኣመሓድርቲ ን4 ዓመት ከተመሓድር ድሕሪ ምምዛዛ ካብ ዕለት 1 ሓምለ ኣትሒዛ ኣብዚ ተልእኾ እዚ እተገልግል ዘላ ኢያ፣ እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ናይዚ መንበረ ጥበብ ናይ መጀመርታ ላእለወይቲ ኣመሓዳሪት ኮይና ተረኽበት።
እዛ ጓል 51 ዓመት ፕሮፌሰር ካብ ተቐም ሥነ ትምህርት ሚላን ብቍጠባን ንግድን እተመረቐት ኰይና ካብ 2014 ኣትሒዛ ርእሰ መምህር ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ባንክ ቁጠባን ኰይና ዘገልገለት ከምኡውን ናይ መድሕን ስነ-ፍልጠት ፋይናንሳዊ ማእከላይ ፕሮፌሰር ኰይና እተገልግል ዘላ ኢያ።
ኣብቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘካየደቶ ርክብ "ንመንእሰያት ብኣእምሮን ብልብን ብኣእዳውን ምምሃር" ኣድላዪ ምዃኑ ቅዱስነቶም ከም ዘስመሩሉ ኣመልከተት፣ ነቲ መምህራን ዘለዎም ኣገዳሲ ግደ ድማ ኣመልከቱላ፣ "ነቲ ዋዛ ብዛህርያታ" ከይተጥፍኦ ድማ ኣዘኻርዋ።
ሓደ ኻብቲ ኣብቲ ኣኼባ እተመያየጥናሉ እተፈላለየ ኣርእስትታት ጕዳይ ትምህርታዊ ህጹጽ ኵነታት ምዃኑ ውን ገለጸት ።
ፕሮፌሰር ቤካሊ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለቲ ነዚ መንበረ ጥበብ ብቐጻሊ ዝገብርዎ ደገፍ ኣመስገነቶም፣ ኣብ ርእሲ እዚውን እዚ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ኣብ ሚላን ብረሽያ ፒያሰንዛ ክሪሞና ከምኡውን ሮማ ኣብ ዝርከብ ሓሙሽተ ኣብያተ - ትምህርቲ ንምምዕባል ዝዓለመ ብዙሕ ውጥናት ከም ዘለዎ ገለጸትሎም ።
ፕሮፌሰር ቤካ ኣብቲ ድሕሪ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየደቶ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፦
ሕቶ - ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ዓለም ብቅልውላስ ክብርታት ዝልለን ከምኡውን ሓድሽ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ዕድላት ዝፈጥረሉ ዝለኦ ኣጋጣሚታትን ስነ ምግባራዊ ሕቶታት ዘቕርበሉን ዘሎ ሕብረተሰብ፣ እዚ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ እንታይ ኣበርክቶ ኽገብር ኢዩ ተስፋ ዝግበረሉ?
ፕሮፌሰር ቤካሊ ፦ ካቶሊካዊ ንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ብቐዳምነት ኣብ መንጎ እተፈላለየ ባህልታትን ስነ - ስርዓታትን ዚራኸበሉ ባይታ ኪኸውን እዩ ዝጽዕር ። ስለዚ ዘተ ክፍትነት ከምኡውን ኣብ መንጎ ስነ-ስርዓት ዝግበር ምትሕብባራትን ሓደ ኻብቲ ሎሚ ኣብዚ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዝርአ ዘሎ ስጕምትን ተልእኾን ዚገልጽ ቀንዲ ባህርያት እዩ።
ካልእ መዳይ ከኣ ነዚ መንበረ ጥበብ ዘቝሙ ዓሰርተው ክልተ ክፍልታት ሥነ-ትምህርቲ ዝህብዎ ዓይነት ትምህርትታት ጽኑዕን ብሉጽን ትምህርቲ ምሃብ ከምኡውን ተማሃሮ ብደረጃ ውልቀ - ሰብ ንኽዓብዩ ዝሕግዝን ኢዩ ።
ኩለንትናዊ ትምህርቲ ንዝዀነ ይኹን ስፍሓት እንተላይ ነቲ ንሕና ከም ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ መጠን ከነደንፍዖ እንጽዕረሉ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን ። ምሩቓት ነቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዘሕለፍዎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ናብ መዓልታዊ ህይወቶም ንኸልውጥዎ ዘኽእሎም ግልጽን ጽኑዕን ስለ ዝዀነ፣ እዚ ዘተ እዝን እንህቦ ኩለንትናዊ ትምህርቲ እዝን ንብሕታውን ሞያውን ዕቤት ኣዝዩ ጠቓሚ ክኸውን ከም ዝኽእል እኣምን ኢየ።
ሕቶ - ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ኣብያተ - ትምህርትን ስድራ ቤታትን ሕብረተሰብን እተተሓሓዘ ትምህርታዊ ህጹጽ ኵነታት ከም ህላዉ፣ እዚ መንበረጥበብ እንታይ መደባትን ትበግሶታትን ኢዩ ዘለዎ ?
እዚ መንበረ ጥበብ ዝኣተዎ መብጽዓ ድልዱልን ክልተ ዕጽፊ ዘለዎን ኢዩ ። በቲ ሓደ ሸነኽ ነቶም ብሰንኪ ቝጠባዊ ምኽንያታት ካብ መንበረ ጥበብ ርሒቖም ዘለዉ መንእሰያት ሓንጐፋይ ኢልና ብምቕባል ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና ።
እዚ ክፉትነት እዚ ብናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምሃብ ኣቢልካ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሕድጋት ዘለዉ ሰባት ክትበጽሖም ምኽኣል ኢዩ። ንኣብነት ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢጣልያ ኻብ ወጻእተኛታት ወለዲ እተወልዱ እሞ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ኺኣትዉ ዘይክእሉ እንተላይ ኣብ ኣገዳሲ መደባት እንተላይ ኣብ ቍጠባዊ መደባት ክንድግፎም እንደሊ መንእሰያት ውን ንሓስብ ኢና ።
እዚ መንበረ ጥበብ ኽገብሮ ዝኽእል ካልኣይ ኣበርክቶ ንመምህራንን ንሰብ ሞያ ቤት ትምህርትን ካብ ስርዓተ - ትምህርቲ ከይወጹ ንምስልጣን ኢዩ ። ካብ እተፈላለየ ዓይነት ስነ-ኣእምሮ ስነ-ፍልጠት ትምህርቲ ከምኡውን ካብቲ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ዝማዕበለ ሰብኣዊ ፍልጠት ነዚ ጸገማት እዚ ፈውሲ ክዀነና ዝኽእል መሳርሒታት ስለ ዘሎና እዚ መሰረታዊ ኣበርክቶና ኢዩ።
ሕቶ - ዋላ ሓደ ሰብ በይኑ ኣይድሕንን ኢዩ ፣ ብሓንሳእ ጥራይ ኢና ኽንድሕን እንኽእል ። ኣህጉራዊ ውጥናው ውን ኣብተን ድኻታት ሃገራት ተካይዱ ኢኹም ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ማእከላይ ባሕርን ኣፍሪቃን ኣብ ዘሎ ሽርክነት ድማ ተተኵሩ ኢኹም ። እንታይ ሸቶታት ክትቀቕዑ ኢኹም ዘሎኩም መደባት ?
እዚ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ንመላእ ዓለም ክፉት ዝዀነ ዩኒቨርሲቲ ክኸውን ኣለዎ ። ነዚ ዓለምለኻዊ ምዕባለ መንበረ ጥበብና ኽንትርጕመሉ እንኽእል እተፈላለየ መገድታት ድማ ኣሎ ።
ንኣብነት ተማሃሮና ምስ ናይ ወጻኢ ትካላት ድርብ ዲግሪ ንኽረኽቡን ካብ ካልኦት ሃገራት ንዝመጹ ተማሃሮ ናብ መዓስከር ስደተኛታትና ንኽቕበሉን ዘኽእሎም ስምምዓትን ሽርክነትን ናይ ምኽፋት ልምድታትና ውን ሓደ ካብኡ ኢዩ።
እቲ ኻልኣይ ከኣ ብፍላይ ኣኽቢረ ዝርእዮ ናብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዝደኸየ ቦታታት ብፍላይ ከኣ ናብ ኣፍሪቃ ምኻድ ኢዩ ። ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎና መደባት ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ብዙሕ መንገድታት ኢና እንምርምር ዘለና ።
ድሮ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዓውድታት ጥዕናን ቍጠባዊ ትምህርትን ብዙሕ ተበግሶታት ንገብር እኳ እንተ እንተ ሃሎና፣ እቲ ኣገዳሲ ዀይኑ ዝስምዓኒ ግን ኣብ መንጎ እዚ ተበግሶታት እዚ ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ሰብኣዊ ምዕብልና ኣበርክቶ ምግባር ኢዩ።
እቲ እነማዕብሎ ሥነ ፍልጠት ዝሰፍሐ እንተ ዀይኑን ነዚ መዳያት እዚ ንምጥቃም እንተ ተሓባቢርናን ዝያዳ ጽልዋ ኽንገብር ንኽእል ኢና ። ሎሚ ሳላ ተክኖሎጂ ናይ ርሕቀት ምምሃር ዝቐለለ ኮይኑ ኢዩ ዘሎ።
እተፈላለየ ዓይነታት ሥርዓተ ትምህርትታት ብምምዕባል ኣብቲ ብዙሕ እንመሃሮ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ድኻታት ቦታታት ኣወንታዊ ጽልዋ ኽንገብር ስለ እንኽእል፣ ሓደ ኻብቲ እተዋህበኒ ሸቶታት ድማ እዚ እዩ።