ዓቀብቲ ርስቲ ቅድስቲ መሬት ብሓባር ንበዓለ ፍልሰታት ብምምልካት ምእንቲ ሰላም መደብ ጸሎት ጸዊዖም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ክቡር ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶን እቲ ዘቕረቦ ጻውዒት ምስሮም ብፁዕ ካርዲናል ፔርባቲስታ ፒዛባላ ፓትርያክ ላቲናውያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝኾኑ፣ ብዕለት 10 ነሓሰ ዘቕረብዎ ጻውዒት ተተሓሒዙ ኢዩ። ኵሉ ሰብ ንኽዕረቕን ሰላም ንኽገብርን ልባዊ ጸሎት ክጽሊ ጻውዒት ዘቕርብ መልእኽቲ ድማ ኢዩ።
እቶም ኣብ ኣባላት ማሕበር ኣኃው ፍረንቸስካውያን ዝኾኑ፣ ከም ዓቀብቲ ውርሻታት ኣብ ቅድስቲ መሬት ኮይኖም ዘገልግሎ ዘለው፣ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ቅዱስ ቦታታት ዘገልግሎን ዝሕልዉን እንክኾኑ፣ ንምእመና እቲ ከባቢ ድማ መፈሳዊ ኣገልግሎትን ሓዋርያዊ ጉስነትን ዘወፍዩ ዘለዉን ኢዩም። እቲ ንኣስታት ሸሞንተ ዘመናት ዝቐጸለ ኣገልግሎቶም ካብቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣብ መጀመርታ መበል 13 ክፍለ ዘመን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ምብጻሕ ካብ ዘካየደሉ እዋን ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ።
ተስፋ ዝህብ ምልክት
"ሰላም ንምርካብ ምጽላይ፣ ብፍላይ ከአ ኣብዚ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ኣዝዩ ጽንኩር እዋን ኢና እንነብር ዘሎና" በሉ። ክቡር ኣባ ፓቶን እቶም ኣብቲ ጕዳይ እቱዋት ዝዀኑ ጕጅለታት ነቲ ኣብ ቃዛ እተገብረ ውግእ ደው ንምባል፣ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ሓራ ንምውጻእ ከምኡ ውን ፖለቲካውያን እሱራት ናጻ ንምግባር ዘተ ክቕጽሉ ከም እተሰማምዑ ዝሕብር "ተስፋ ዘለዎ ምልክት" ከም እተሰምአ ብምሕባር መልእኽቶም ክጽሕፉ ይጅመሩ። እቶም ዓቀብቲ ውርሻታት ቅድስቲ መሬት ከም ዝገለጽዎ እዚ ዝርርባት እዚ "ኣብታ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብስጋን ነፍስን ናብ ሰማይ ዝፈለሰትሉ መዓልቲ ክካየድ ብምውሳኖም ምልክት ናይ ርግጽነት ተስፋን ምጽንናዕን እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ነጋድያን" ምዃኑ የጕልሑ።
ጽዑቕ ጸሎት
ነዚ ኣገዳሲ ህሞት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ክቡር ኣባ ፍራንዝ ፓቶን ነቶም ኣኃው ፍራንቸስካውያን ንበዓለ ፍልሰታ ምእንቲ ሰላም ብምውፋይ ንዝዓርግ ጸሎት ብፍሉይ መገዲ ከካይድዎ ጻውዒት ኣቕረቡሎም ። ካብ መጽሓፍ ራእይ ዮሓንስ ብምጥቃስ ድማ ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ - "ምልክት እታ ኽትወልድ ቀሪባ ዘላ ሰበይቲ ኣብ ሰማይ ምስ ተራእየ እቲ ገበል ኣብ ልዕሊ ደቃ ድማ ተላዕለ (ራእይ 12 1 ff.) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብፍላይ እዛ መዓልቲ እዚኣ፣ በቲ ብፁዕ ካርዲናል ፔርባቲስታ ፒሳባላ ናይ ላቲናውያን ፓትርያርክ የሩሳሌም ዘጽደቕዎ ናይ ጸሎት መደብ ተቐቢልና ጽዑቕ ጸሎት ክትጽለ ኣድላዪ ኢዩ ።” ክብሉ ኣመልከቱ።
ጸሎት "ምእንቲ ሰላም ናብታ ናብ ሰማይ ዝፈለሰት እኖና ድንግል ማርያም"
ኦ ካብ ልዕሊ መዘምራን መላእኽቲ ልዕል ዝበልኪ ኣዝያ ኽብርቲ ኣደ ኣምላኽ፣
ምስ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽትን ምስ ኵሎም መላእኽቲ ሰማይን ምስ ኵሎም ቅዱሳንን ኮይንኪ፣ ናብቲ ቅዱስን ፍቑርን ወድኺ ጐይታናን መድሓኒናን ጸልዪልና።
ነዛ ቅድስቲ ምድሬት እዚኣን ንዅሎም ደቁብ ከምኡውን
ንዅሎም ደቅሰባትን ውህበት ዕርቅን ሰላምን ኣማልድልና ።
ትንቢትኪ መታን ክፍጸም፦
ዕቡያት ሓሳባት ልቦም ፋሕ ኢልዎም ኣሎ፣
እቶም ሓያላት ድማ ካብ ዝፋናቶም ተገልቢቶም ኣለዉ፣
ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቶም ትሑታት ክብ ኢሎም ኣለዉ፣
ጥሙያት ብሰናይ ዘበለ ይመልኡ ፣
እቶም ገብርቲ ሰላም ከም ደቂ ኣምላኽ ይፈለጡ፣
ከምኡ ውን እቶም ትሑታት ንምድሪ ኸም ምርስቲ ይውረስዋ።
እቲ ሎሚ ኣብ ልዕሊ መዘምራን መላእኽቲ ልዕል ዘበለኪ፣
ኣብ ዝፋን ዘለኣለማዊ ኽብሪ ዘውዲ ዝደፍኣልክን ኢየሱስ ክርስቶስ፤
ንዘለዓለም ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ኣሜን ።