ጳጳሳት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፦ ውዕል ተዅሲ ምቍራስ ክኽበር ጻውዒት ኣቕረቡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምብራቓዊ ዞባታታ ንሓያሎ ዓመታት ግጭት ከጋጥም ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ዕጡቓት ምሊሻን ካብ ወጻኢ እታ ሃገር ዝመጹ ዕጡቓት ጉጅለ ሸፋቱን ዚፍጸም ዘሎ ዓመጻ ናብ ምምዝባልን ዘይምርግጋእን የብጽሕ ኣሎ።
ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ካብ ኪንሻሳ ዝሃቦ ጸብጻብ፣ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ (CENCO) ነቲ ብዕለት 30 ሓምለ ኣብ ሉዋንዳ ኣንጎላ እተፈረመ ተኽኩሲ ናይ ምቍራጽን ሰላም ንምግባርን እተገብረ ወዕል ክኸብር ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ውዕል ምቍራስ ተዅሲ
እቲ ብመንግስትታት ኮንጎን ሩዋንድን እተፈረመ ስምምዕ ብዕለት 4 ነሓሰ ፍርቂ ለይቲ ነቲ ውግእ ደው ከብልዎ ዝእዝዝ ኢዩ ዝነበረ ።
ይኹን እምበር እዞም ካቶሊካውያን ጳጳሳት እዚ ሓድሽ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ዘተኸብረ ከይከውን ከም ዘተሓሳሰቦም ገለጹ ። "ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ እተገብረ ውዕላት ብዘይ ጻዕሪ ተጣሒሱ ኢዩ፣ እቲ ብዛዕባ እዚ እተዋህበ እተፈላለየ ጸብጻባት ከኣ ናብ ዝዀነ ይኹን ስጉምታት ኣይመርሐን" በሉ።
ዝተጣሕሰ ስምምዕ
እዞም ሰራዊት ሰውራ ኮንጎ ተባሂሎም ዝጽውዑ ጥሩፋት ጉጅለታት ተቓውሞ 23 መጋቢት (M23) ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝሃለፈ ረቡዕ ናብ ዞባታት ኒያሚላን ኢሻሻን ገጾም ክግዕዙ ከም እተራእዩ ጸብጻባት ይሕብሩ፣ እዚ ድማ ካብቲ ውዕስል ምቍራስ ተኹሲ ዝተኻየደሉ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ዘጋጥም ዘሎ ኢዩ።
ብፍላይ እታ ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ሩዋንዳ እትርከብ ብማዕድናት ሃብታም ዝዀነት ዞባ ሰሜን ኪቩ እዞም ጥሩፋት ጉጅለታት ኤም23 ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ መሬት ንምቍጽጻር ስለ ዝቐጸሉ ኸቢድ ግጭትን ውግኣትን አጋጢሙ እዩ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ ብመንግስቲ እተላእኩ ዳርጋ 4,000 ዝዀኑ ወተሃደራት ሩዋንዳ ኣብ ጐድኒ ኤም23 ከም ዝዓዩ ጸብጻብ ሂቡ ኢዩ፣ እዚ ኸዓ ነቲ ግዝኣተ ልዑላውነት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኢዩ።
ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው
በዚ ምኽንያት እዚ እዞም ካቶሊካውያን ጳጳስት ድምጾም ብምልዓል ክልቲኦም እዞም ወገናት ነቲ ውዕል ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ብምግላጽን ጣልቃ ኺኣትዉ ተደሪኾም እዮም።
ጉባኤ ጳጳስት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እዚ ኩነታ ናይዚ ዞባ እዚ ኣሁጉራዊ ኣፍልጥ ክወሃቦ ዘለዎ ንኣገዳስነት ብምግላጽ፣ ምስቲ ውግእ ሩሶን ዩክረይን ብምንጽጻር ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ዞባ እዚ ዘሎ ግጭት ዓለምለኻዊ መጠንቀቕታ ከም ዘድልዮ ውን ኣጕልሑ።
ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዚ ምስቲ ምምዝባል ናይ 1.7 ሚልዮን ሕዝብታት ሓዊስካ ኣብቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት ዜምጽኦ ኸቢድ ሳዕቤን ዚጋጮ እዩ ፣ እዚ ኸኣ ቍጽሪ እቶም ኣብ ኮንጎ ኣብ ውሽጢ ሃገር እተመዛበሉ ሰባት ናብ ልዕሊ 7 ሚልዮን በጺሑ ምህላው ኢዩ ።
ተወካሊ ዩኒሴፍ ግራንት ሊቲ ብኣማኢታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ቘልዑ ኣብ ኣብያተ - ትምህርቲ ከይወፍሩ ኸም እተኸልከሉን ብሰንኪ እቲ ዓመጻ ኻብ ኣባይቶም ክሃድሙ ኸም ዝግደዱን ገሊጹ ።