PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

ኣብያተ ክርስቲያን ቅድስቲ መሬት መራሕቲ ፖለቲካ ሰላም ንምርካብ ክሰማምዑ ይጽውዓ

እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝርከቡ ፓትርያርክታትን መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያንን ዘውጽእዎ መግለጺ ነቲ ዞባ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ውግእ ንኸየእትዎ ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ዘሎ ውጥረት ዘለዎም ስክፍታ ብምግላጽ ውዕላት ሰላም ንኽግበር ዝልምንን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን የሩሳሌም ናብ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ ናይቲ "ዝቕጽል ዘሎ ኣዕናዊ ውግእ" ከምኡውን ምስቲ ኢራን እትድግፎ ጕጅለ ህዝቡላ ኣብ ሊባኖስ ዓሪዱ ዘሎ ናይቲ ከባቢ ዞባኣዊ ውጥረት እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ "ምሉእ ዞባዊ ውግእ" ንኸይክሰት ብምፍርራህ ነቲ ኣጋጠሙ ዘሎ ግጭት ፍታሕ ንምርካብ ውዕላት ክግበር ካልእ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ፓትርያርክታትን ላዕለዎት መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያንን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ሓባር መግለጺ ብዛዕባ እቲ ውግእ ዘስዕቦ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ዘለዎም ሻቕሎት "እንደገና" ክገልጹ ከም ዘለዎም ኣመልከቱ።

"ዓመጽ ካብ ገዛእ ርእስናን ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ክውገድ ብተደጋጋሚ ጻውዒት እኳ እንተ ተገብረ እቲ ኣብታ ፍቕርቲ ቅድስቲ ምድርና ዘሎ ዅነታት ግን እናገደደ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ" ብምባል መግለጺኦም ይጅምሩ።

"ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ስደተይናታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣባይቶም ዑና ወይ ኪጽገን ዘይክእል ኰይኑ ኣሎ። ብኣማኢት ዚቝጸሩ ንጹሓት ሰባት ብዘይ ኣፈላላይ ብዚፍኖ መጥቃዕቲ ኣብ ሰሰሙን ይቕተሉ ወይ ከቢድ ጕድኣት ይወርዶም ኣሎ ። ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ድማ ብጥሜትን ጽምእን ብተመሓላላፊ ሕማማትን ይሳቐዩ ኣለዉ ። ገለ ኻብዚኣቶም እቶም ብዅሉ ሸነኽ ኣብ ትሕቲ ምርኮ ዝተጨቆኑ ኣብ ርእሲ እዚውን ካብቶም ዝማረኽዎም ዝወፍዶም ዘሎ ግፍዒ መግለጺ የብሉን። ገሊኣቶም ከኣ ካብ ዓውደ ውግእ ወላ እኳ እንተረሓቑ ርሒቖም ኣብ ኣቝሻቶምን መገሃጫኦምን ሕርሻኦምን እዚ ዘይበሃል መጥቃዕቲ ይወርዶም ኣሎ።

እቶም ኣብዛ ምልእኽቲ ክታሞም ዘንበሩ ከም ዝገለጽዎ  ኣብ ብምሉኡ እቲ ዅሉ  ውግእ ደው ንምባል ዝግበር ዝነበረ ውዕላት ነዊሕ ግዜ ይወስድ ከም ዘሎ ኣስመሩሉ ። "መራሕቲ እቶም ተዋጋእቲ ሰልፍታት ንሞትን ጥፍኣትን ካብ ምጥፋእ ንላዕሊ ብፖለቲካዊ ጕዳያት ዝጭነቑ ኢዮም ዝመስሉ" ክብሉ ውን ጸሓፉ።

እዞ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ኣስዕብ ኣቢሎ እዚ "ተደጋጋሚ ምድንጓያትን ካልእ ዘቘጥዕ ተግባራትን ነቲ ወጥሪ ክሳዕ እቲ ምሉእ ብምሉእ ዕንወት ዝኸውን ዞባኣዊ ውግእ ከዕብ ክሳዕ ዘኽእል ጥራይ ከም ዘገልገልግል ዘሎ" ውን ኣመልክቱ።

ጥርዓን

ስለዚ ንመራሕቲ እቶም ተዋጋእቲ ጕጅለታት ነቲ ውግእ ዘብቅዕ ተኹሲ ናይ ምቝራስ ውዕል ክገብሩን፣ ንኵሎም ምሩኻት ሓራ ንምውጻእን፣ ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ንምምላስን ንሕሙማትን ቍሱላትን ንምሕካም፣  ነቶም ዚጠምዩን ዚጸምኡን ንምሕጋዝ ከምኡውን ነቲ ዝዓነወ ዅሉ ናይ መንግስትን ናይ ውልቀ-ሰባትን ሲቪላዊ ህንጻታት ዳግም ምህናጽ ቅልጡፍ ስምምዕ ንምግባር ጻውዒትናን ጻውዒት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ክትቅበልዎ" ንልምነኩም ኣሎና ክብሉ ጸሓፉ።

መፍትሔ ኣቕዋም ክልተ መንግስትታት

እዞም ፓትርያርክታትን መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያንን ንፖለቲካውያን መራሕቲ "ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብሓባር ኰይኖም ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምጕርምራም ንምፍታሕ ውዓል ሕደር ከይበሉ ዲፕሎማስያዊ ምይይጥ ክግበር ጻውዒት ኣቕረቡ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣህጉራዊ ሕጋዊ ዝኾነ ናይ ክልተ መንግስታት መፍትሒ ብምርካብ ኣብ ዞባና ቅኑዕን ነባርን ሰላም ከም ዝህሉ ዝገብር ጭቡጥ ስጕምትታት ክኸውን ንምሕጸን።"

ሻቕሎት ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ

እዞም ፓትርያርክታትን መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያናትን ኣብቲ ግጭት ዝበዝሖ ዞባ ንዝርከቡ ክርስትያን ምእመናን ፍሉይ ሓልዮት ንምግላጽ ዕሽሽ ኣይበልዎን - "ነቶም ኣብ ቃዛ ኣብ ደብረ ቅዱስ ፖርፊሮስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያንን፣ ደብረ ቅድስቲ ስድራ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን እተዓቑቡ ከምኡውን ነቶም ኣብ ሆስፒታል ኣል-ኣሊ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝርከቡ ተባዓት ሰራሕተይናታትን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ሕሙማትን ዘጠቓልል ኢዩ።"

"ሕጅን ኣብ መደምደምታ እቲ ውግእን ነቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ክርስትያናዊ ህላወ ዳግም ንምህናጽን ንምድልዳልን ብሓባር ኣብ እንዓየሉ እዋን ከምኡውን ኣብ ብምልእታ እታ ቅድስቲ መሬት ቀጻሊ ጸሎትን ደገፍን ከም እንህብ ቃል ንኣቱ " ክብሉ ውን ጸሓፉ።

እቶም ገበርቲ ሰላም ብፁዓን ኢያቶም

ኣብ መወዳእታ "ንክርስትያን ምእመናንን ንዅሎም እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣምላኽ ዝሰመረሎም ሰባት፣ ኣብቲ ብውግእ ዝዓነወ ዞባና ብዛዕባ ህይወትን ሰላምን ዝገልጽ ራእይ ክዝክሩ ነቲ ክርስቶስ እተዛረቦ ቓላት ብምዝካሮም “ገበርቲ ሰላም ብፁዓን ኢያቶም፣ ከመይሲ ውሉዳት ኣምላኽ ክበሃሉ ኢዮም" (ማቴዎስ 5 9) ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

28 August 2024, 09:38