ድለ

2024.08.22 India Training program Jubilee 2025 2024.08.22 India Training program Jubilee 2025 

ኣብ ሃገረ ህንዲ ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ዚኸውን መደብ ስልጠና ተጀመረ

ኣብ ሃገረ ህንዲ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ንምስልሳል ንናይ ሰበኻዊ ንጥፈታት መራኸቢ ኣካላት ዝኾኑ ሰባት ንምድላው መደብ ስልጠና ተኻዪዱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 19-20 ነሓሰ ኣብቲ ኣብ ጃላንድሃር ፑንጃብ ዝርከብ ሓድሽ ማእከል ሓወርያዊ ጕስነት ጃኖዳያ ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ዝምልከት ስልጠና ብምውህሃድ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲን (ሲሲቢ)፣ ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ጳጳሳውያን ማሕበራት ተልእኾ ወንጌልን ከምኡውን ኮሙዩኒዮ ዝተሰምየ ማሕበርን ተኻዪዱ።

እቶም ምክትል ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ጳጳሳት ህንዲ ከምኡ ውን ሃገራዊ ጕጅለ ምስልሳ ውርናት ዝኾኑ ክቡር ኣባ ስተፈን ኣላታራ እዚ ስልጠናንት እዚ ነኦትም ተሳተፍቲ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ዘድሊ ፍልጠት መደባትን ውጥናትን ኣብ ምድላው ዘተኰረ ምንባሩ ገሊጾም ።

ብመሰረት እቲ ካቶሊካዊ ሕብረት ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ስልጠና ንመንፈሳዊ ኣገዳስነት ዓመተ ኢዮቤልን ኸምኡውን ሜላታት መደብምውጻእን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥን ንጥፈታት ዚምልከት እዩ ነይሩ።

እቶም ተሳተፍቲ ንኣገዳስነት ዓመት ኢዮቤል ኣብ ዚገልጽ ኣኼባታት ተኻፊሎም፣ ነታ ዓመት ዘድሊ ትምህርታትን ጸሎታትን ኣተኣታተዉ ከምኡውን ካብ እተፈላለየ ሰበኻታት ውጽኢታዊ ልምድታት ኪካፈሉ ውን ኣተባብዑ።

ብዛዕባ እቲ ብጉባኤ ጳጳሳት ሃገረ ህንዲ እተዳለወ ሰነድ ንጸሎታት ታስዕቲ ዚምልከት ኣርእስትታት ከምኡውን ዓውደ-ኣዋርሕ ዓመተ ኢዮቤል 2025 ዚገልጽ ተወሳኺ ምይይጥ ውን ኣካየዱ። ኣብቲ ምድላዋት ንምሕጋዝ ተባሂሉ እውን አገደደስቲ ደነዳትን ቤተ-መጻሕፍትን መሳርሒታትን ውን ኣዳለዉ።

ካብ ሰበኻ ቫሳይ ዝመጹ ክቡር ኣባ ሮበርት ጆሴፍ ጎንሳልቭስ ድማ ከምዚ በሉ - "እዚ መደብ እዚ ንዓመተ ኢዮቤል 2025 ንምድላው መሳርሒታት ኣዕጢቑና ኢዩ።"

ካብ ሰበኻ ሲምላ-ቻንዲጋር ዝመጸ ኣቶ ሳሚር ላክራ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ናይ ወፍሪ ጻዕርታት እተረኽበ መንፈስ ውን ኣጕልሐ።

እቲ ኣጋጣሚ በቶም ብፁዕ ኣቡን ኣግኔሎ ግራስያስ ዚበሃል ሓውርያዊ ኣመሓዳሪ ሰበኻ ጃላንድሃር ዘቕረብዎ መደረ ውን ተዛዘመ ።

እቲ ስልጠና በቲ ምክትል ዋና ጸሓፊ ዞባ ሰሜናዊ ህንዲ ዝዀኑ ክቡር ኣባ ኣንቶኒ ቱሩቲል እዩ ዝምራሕ ዝነበረ።

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ፈለማ ኣብ https://www.licas.news/ እያ ተሓቲማ ። ኵሉ መሰላት እተሓዝአ እዩ ። ብሳልሳይ ኣካል ዘይተፈቕደ ሕትመት ኪሕተም ኣይፍቀድን እዩ ።

24 August 2024, 09:20