ድለ

2024.08.30 India catholic Delhi lawyers forum 2024.08.30 India catholic Delhi lawyers forum 

ህንዲ ካቶሊካውያን ጠበቓታት ሓድሽ ሕግታት ኣብቶም እተገለሉ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ዜሕድሮ ጽልዋ ኣጠንቀቑ

ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ዝዀኑ ጕጅለ ጠበቓታት ካቶሊካውይን ኣብ ከተማ ደልሂ ኣብ ዝርከብ ትካል ማሕበራዊ ጕዳያት ህንዲ ናይ ሓደ መዓልቲ ሰሚናር ኣካዪዶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት እቲ ካቶሊክ ኮኔክ ዘውጽኦ ጸብጻብ፣ እቲ ኣብ ከተማ ደልሂ ዚርከብ መጋባእያ ጠበቓታት ንካህናትን ንመራሕቲ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ዝወጸ ገበናዊ ሕግታት ንምምሃር ከምኡውን ነቶም ውሑዳን ማሕበረሰብ፣ ንዳሊት ንኣዲቫሲስ ከምኡውን ንኻልኦት እተገለሉ ጕጅለታት ንምዕቋብ ዜድሊ ሕጋዊ ፍልጠት ንኼዕጥቖም ዕላማ ዝገበረ ኢዩ ።

እቲ ብዕለት 26 ነሓሰ እተገብረን ነቶም ኣብ መላእ ከተማ ደልሂ ኣብ ዝርከብ እተፈላለየ ኣብያተ - ፍርዲ እንተላይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ህንዲ ዘገልግሉ ኣባላት ዝሓቘፈን ዋዕላ ምስ ሃገራዊ መጋባእያ ጠበቓታት ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን እተተሓሓዘ ኢዩ ።

ኣብ መላእ ሃገረ ህንዲ ካብ እተፈላለየ ሰበኻታትን ገዳማውያን ማሕበራትን ዝመጹ ልዕሊ 100 ዚዀኑ ካቶሊካዉና ጠበቓታት ዓሌቶምን እምነቶምን ወይ ሃይማኖቶምን ብዘየገድስ ንድኻታትን ንእተገለሉን ክፍልታት ሕብረተሰብ ሕጋዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ውን ኢዮም።

እቲ ሰሚናር ብቐዳምነት ኣብ ሳዕቤን ናይቲ ሓድሽ እተኣታተወ ባራትያ ናያያ ሳንሂታ (BNS) 2023 ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ።

እዚ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2024 ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ሕግታት ኣንጻር ውሑዳንን መሳኪን ጕጅለታት ብዘይግቡእ ኪጥቀሙሉ ኸም ዚኽእሉ ብምግላጽ ሰፊሕ ምይይጥ ኣለዓዒሉ እዩ።

እቶም ኣብቲ ሰሚናር እተሳተፉ እዚ ሓድሽ ሕግታት ብየማናይ ኣተሓሳስባ ዝኽተል ሰልፊ ዝቖመ ኮይኑ፣ ጕጅለታት ኣጽዋር ብምሓዝ ነቶም እተገለሉ ማሕበረሰባት ተወሳኺ ጭቈና ኸውርደሎም ከም ዝኽእል ከም ዘሻቐሎም ገለጹ።

ገሊኡ ኽፋላት እቲ ሓድሽ ሕግታት ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዓናቕጽ እኳ እንተ ዘይተቐየረ "ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ኣረጊት ወይኒ" ከም ምዃኑ ብዝወሃብ ዘሎ ነቐፌታ ግን ኣገዳሲ ምትዕርራያት ተገይሩ እዩ።

ገለ ኻብዚ ኸኣ መርትዖታት ንምእካብ ዘመናዊ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታት ምትእትታው ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ማሕበረሰብ ዝገበሮ ለውጥታት ዜንጸባርቕ ሓድሽ ትርጕማት ከምኡውን ንኸም እኒ ጉጅለኣዊ ሽፍትነትን ግብረ-ሽበራን ዝኣመሰለ ገበናት ከቢድ መቕጻዕቲ ምሃብ ክጥቀስ ይከኣል።

ኣብቲ ሰሚናር ጐሊሑ ዝነበረ ቐንዲ ዘተሓሳስብ ጕዳይ ኣብ ትሕቲ እዚ ሓድሽ ሕግታት እዚ ስልጣን ናይ ኣኽብርቲ ጸጥታ ምስፋሕ ኢዩ ።

እቶም ተሳተፍቲ ዝያዳ ምስትውዓል ዝመልኦ ስልጣን ፍርዳዊ ምቍጽጻር ምንካይ ከምኡውን ኣቐዲምካ ናይ ምእሳርን ብዘይ ምኽንያት ናይ ምምርማርን ምድላዋት ነቶም ድሮ ንስርዓታዊ ኣድልዎ እተቓልዑ ንኡሳንን ዉሑዳንን ድኹማትን  ንኣማኢታት ኣሽሓት ብኸመይ ክጸልዎም ከም ዝኽእል ገለጹ ።

እዚ ዅሉ ዜተሓሳስብ እኳ እንተ ዀነ እቲ ሰሚናር ከም ግዜኡ ዝሓለፎ ሕጊ መናዓብቲ ምውጋድን ንሓድሽ ዓይነት ገበናት መቕጻዕቲ ምትእትታውን ዝኣመሰለ ኣወንታዊ ለውጥታት ከም እተገብረ ኣፍልጦ ሃቡሉ።

እዚ መደብ ድማ በቲ ንካህናትን ንመራሕቲ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ብዛዕባ እዚ ሕጋዊ ለውጥታት ዘለዎም ርድኢት ኬዕምቝዎ ዚምሕጸኖም ናይ ኣቕዋም መግለጺ ተዛዘመ ።

እዚ ዓንቀጽ እዚ ፈለማ ኣብ https://www.licas.news/ እዩ ተሓቲሙ ። ኵሉ መሰላት እተሓዝአ እዩ ። ብሳልሳይ ኣካል ዘይተፈቕደ ሕትመት ኪሕተም ኣይፍቀድን እዩ ።

31 August 2024, 16:56