2024.06.25 Il cardinale Pizzaballa a Gaza 2024.06.25 Il cardinale Pizzaballa a Gaza 

ካርዲናል ፒሳባላ ፦ ብዛዕባ ቃዛ ኽንሰማማዕ ቐሪብና እኳ እንተ ሃሎና ምጽራር ግና ይቕጽል ኣሎ

ብፁዕ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒሳባላ ፓትርያርክ ላቲያውያን የሩሳሌም ምስ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃል መሕትት ነቲ ኣብ ጋዛ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ መወዳእታ ዚገብረሉ ስምምዕ ኪህሉ ተስፋ ኸም ዘለዎም ገለጹ፣ እንተዀነ ግን ገና ብዙሕ ብድሆታት ከም ዘሎ ውን ኣጠንቀቑ።

ኣባ ተወልደ መብራትህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ናይ ላቲናውያን ፓትርያርክ የሩሳሌም ብፁዕ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒሳባላ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛን ምዕራባዊ ገምገምን ዘሎ ዅነታት ዘለዎም ተስፋን ሻቕሎትን ገለጹ ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ተዅሲ ንምቍራጽን ሃማስ ጅሆ ዝሓዞም እስራኤላውያን ናጻ ንምውጻእን ዝዓለመ ኣብ ዶሃ ኳታር ብመንጐይናነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ግብጺን ከምኡውን ኳታር ዝቐጸለ ዘተ ዘለዎም ሓሳባት ኣካፈሉ ። "ኣብ ሓደ ስምምዕ ንምብጻሕ እቲ ዝበለጸ ዅነታት ኢዩ” ቢሎም ከም ዝኣምኑ ውን ገለጹ፣ ይኹን እምበር "ዕንቅፋታት ስለ ዘይጐደሉ ወትሩ ዝጻረርዎ ክህልዉ ኢዮም" ብምባል ውን ኣጠንቀቑ። እቲ ግጭት እናገደደ ኸይከይድን ምስ ኢራንን ሊባኖስን ከተሓሕዝዎ ከም ዝኽእሉ ዘለዎም ስግኣታት ውን ገለጹ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነዚ ዅነታት እዚ ኣብ ምዕጻው ወሳኒ ግደ ኽትጻወት ድማ ተስፋ ይግበራላ ኣሎ በሉ።

ኣብ ጋዛ ዘጋጠመ ሰኣዊ ቅልውላውን ሓገዛትን

ብዛዕባ ዅነታት እቶም ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዞም ብቐጻሊ ብቦብታት እስራኤል  ዝድብደቡ ዘለዉ ህዝቢ ቃዛ እውን ተዛረቡ ። ብመሰረት ሃማስ ዝሃቦ ጸብጻብ ቍጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ካብ 40,000 ፍልስጥኤማውያን ከም ዝዛየደን፣ ሰብኣዊ ኩነት ከኣ ኣዝዩ ጽንኩር ምህላዉን ኣመልከቱ ። እቲ ኣብ ከተማ ቃዛ ዝርከብ ንእሽቶ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ህድእ ኢሉ ክነብርን ካብ ከም ፈረሰይናታት ማልታን ቤተ-ክርስትያን ሜኖኣውያንን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ማሕበራት ብዝረኸቦ ሓገዝ ንህዝቢ ክሕግዝን ከም ዝጽዕር ዘሎ ውን ገለጹ። ነቲ እዞም ጕጅለታት ረድኤት  ዘርኣይዎ ዘለዉ ቅርበትን ሓድነትን ውን ነኣዱ "ኣብ ውሽጢ እዚ ኣዝዩ ኸቢድን ዘሕዝንን ኵነታት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ብዙሕ ምትሕግጋዛት ከም ዘሎ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ" ድማ በሉ።

ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ዘሎ ወጥርን ዓመጻን

ናብቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዘሎ ኸቢድን ዘሰምብድን ኵነታት እውን ኣቓልቦ ብምሃብ፣ ኣብኡ ኸኣ "ኣብቲ ዞባታት ኣዝዩ ኸቢድ ኵነታት" ከም ዘሎ ኣመልከቱ ። ገለ ሰፈርቲ ኣንጻር ሓንቲ ፍልስጤማዊት  ቍሸት ዝገበርዎ ዓመጻ ውን ኰነንዎ፣ እዚ ድማ ናይ ሓደ ሰብ ሞትን ብዙሕ ጕድኣትን ኣስዒቡ ኣሎ፣ እዚ ድማ "ኣብዘን ኣዋርሕ እዚኣተን ኣብ ብምሉኡ ምዕራባዊ ገምግም ቀጻልን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎን ውጥረት ዝመልኦ ተኸታታሊ ፍጻመታት ዘጋጠመ ናይ መወዳእታ ፍጻመ ኢዩ" በሉ። ኣብ መንጎ ሰፈርትን ፍልስጥኤማውያንን ብተደጋጋሚ ግጭት ከም ዚለዓል መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ዕጡቓት ሰራዊት እስራኤል ስለ ዘለዉ ህይወት ህዝቢ ፍልስጥኤም ድማ እናተሓላለኸን እናኸበደ ይኸይድ ከም ዘሎን ገለጹ። ናይ ነተጕቲ ሓደጋ ኸም ዘሎን ኣብቲ ኸባቢ ስርዓትን ድሕንነትን ተራ ህይወትን ንምምላስ ኣበርቲዕካ ክስርሓሉ ኸም ዘድሊን ውን ኣመልከቱ።

ነቲ ገጽ ምቕያርን ከምኡውን ንሰላም ምዕያይ ኣድላዪ ምዃኑ

ኣብ መደምደምታ ኸኣ ነቲ ናብ ዓመጻ ዝመርሕ ጽልእን ሕርቃንን ንዕቀትን ክንሰግረሉ እንኽእል ግዜ ኸም ዝኣኸለ ገለጹ ። እቲ ግጭት ሃይማኖታዊ ስፍሓት ከም ዘለዎ ነቶም መናዓብትን ጥሩፋትን ንምፍላይ ከምኡውን ዝርርብን ሰላምን ንምድንፋዕ ኣብ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ደረጃታት ምዕያይ ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ። እዚ ተልእኾ ናይታ ኣብታ ቅድስቲ መሬት እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ምዃኑ ኸምኡውን ነዚ ዕላማ እዚ ጸሎት ክግበረሉ ኸም ዝተማሕጸኑ ውን ኣመልከቱ።

19 August 2024, 17:53