ናይ ጳጳሳት ኢጣልያ ተልእኾ ድሕንነት ስደተይናታት 'ልጓም ስቕታ' ይፈትሑ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 23 ነሓሰ ድሕሪ ቐትሪ እቲ ኣብ ኢጣልያ ዝርከብ ናይ በርገሳዊ ማሕበረሰብ መድረኽ፣ ኣድሕን ሰባት ማእከላይ ባሕሪ ንስደተኛታት ናይ ምድላይን ናይ ምድሓንን ተልእኾ ጀመረ ። ንመጀመርታ ግዜ ብናይ ኢጣልያ ጳጳሳት ማሕበር ተራድኦ ስደተኛታት ዚምወልን ዝተደገፈን ጃልባ ዝተሰነየ ኢዩ ።
ዕላማ ናይዚ ተልእኾ ግን እንታይ እዩ ? እንታይ ክትዓምም እዩ ድማ ተስፋ ዝግበረሉ ዘሎን ብኸመይን ?
ምንዳይን ድሕነትን
ሓላፊ ናይዚ ተልእኾ ተራድኦ ስተደተይናታት ማእከላይ ባሕሪ ዝዀነ በፐ ካቺያ ዓመታዊ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ኺበጽሑ ኸም ዚፍትኑ ገለጸ።
እኹል ምግብን ማይን ነዳድን ጃኬት ህይወት ኣድሕንን ኣብ ዘይብለን ኣዝየን ሓደገይናታት ዝኾና ጃላቡ እዮም ከኣ ዝጕዓዙ።
ኣህጉራዊ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ኢጣልያ ማልታ ሊብያ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸኣ ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ዝርከብ 'ዞባታት ምንዳይን ምድሓን' ኣንቂሉ ኣሎ።
ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ መብዛሕትአን እዘን ጃላቡ እዚኣተን "ናይ ዝጨነቖም" ጌርካ ስለ ዚረኣያ፣ ሓላፍነት እቲ ነቶም ተጕዓዝቲ ንምድሓንን ናብ ወደብ ድሕነት ንምብጻሕን እተረከበ ናይ "ዞባ ሳር" መንግስቲ እዩ።
ይኹን እምበር ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ ካቺያ ብቐንዱ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንስደተኛታት ምንካይ ኵሉ ሳዕ ከምኡ ክኸውን የብሉን ይብል ። ብዙሓት ጃላቡ ስደተይናታት ኻብ ዝዀነ ይኹን ሃገር ሓገዝ ኣይረኽባን ኢየን መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ዜሕዝን ፍጻሜ እዩ ዘለወን።
ብዘይመንግስታውያን ትካላት ዝወሰድ ስጕምቲ
በዚ ምኽንያት እዚ ከም ማሕበራት መዲተራነያንን ዶብ ሰገር ዶክተራትን ከምኡውን ሲ-ዎች ዝኣመሰላ ሓያሎ ዘይመንግሳታውያን ውድባት ኣብቲ ኸባቢ ናይ ባዕለን ናይ ምንዳይን ናይ ድሕነትን ዕዮ ይፍጽማ እየን ዘለዋ ።
ካብ ትራፓኒ ምዕራባዊ ሲቺልያ ብሸነኽ ደቡብ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ገጾም ብምኻድ ነተን ኣብ ጭንቂ ዘለዋ መራኽብ ስደተኛታት ይዕዘብወን ኣለዉ ።
ማሕበር መዲተራነያን ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ጭንቂ ዘላ መርከብ ሓበሬታ ክትረክበሉ እትኽእል ልሙድ መገዲ፣ በቲ 24 ሰዓት ዝሰርሕ መስመር ህጹጽ ኵነታት ዝኾነ ናይ ስልኪ መስመር ኣቢልሎም ኢዮም፣ እዛ ናይ ስልኪ መስመር እዚኣ እቶም ስደተኛታት ብናይ ሳተላይት ተሌፎን ገይሮም ብዛዕባ ዘለውዎ ኣንፈት ሃበሬታ ክሰዱሎም ውን ዝከኣል ኢዪ።
ሓድሓደ ግዜ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ወይ ነፈርቲ ነተን ጃላቡ ረኺቦም ናብ ማሕበር መዲተራነያን ሓበሬታ የመሓላልፉ ኢዮም፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ እቶም ባሕረኛታት ነታ ጃልባ ብናይ ርሕቀት መንጽር ገይሮም ይዕዘብዋ እዮም።
ሓንቲ ኣብ ጭንቂ ዘላ ጃልባ ምስ ተራእየት፣ ነቶም ተሳፈርታ ናብ ናይ ምድሓን መርከብ ማሬ ጆንዮ ናይ ምትሕልላፍ መስርሕ ይጅመር ።
እቶም ስደተኛታት ናብታ መርከብ ምስ ተሳገሩ ምግብን ማይን ክዳውንትን ይወሃቦም ፣ ድሕሪኡ ናብቲ መንግስቲ ዝሓበሮም ወደብ ኢጣልያ የምጽእዎም ኣለዉ ።
ነዚ ተልእኾ እዚ ፍልይ ዘብሎ ነገር ማሬ ጆንዮ ብናይ ጳጳሳት ኢጣልያ ማሕበር ስደተኛታት እትምወል ደገፍ እትህብን መርከብ ብምዃና ኢዩ።
ነቶም ስደተኛታት ናብ ማሬ ጆንዮ ንምቕባል ዝቐለለ ዚገብሮ ተወሳኺ ወለንተኛታትን ሰራሕተኛታት ሕክምናን ከምኡውን ኣብ መንጎ ባህልታን ዝዓዩ ሰብ ሞያን ሒዛ ምህላዋ ኢዩ ።
እዛ ደገፍ እትህብ መርከብ ነቲ ብዙሓት ተጣበቕቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ቀጻሊ ዝዀነ ሞት ዝገልጽ "ልጓም ስቕታ" ኢሎም ዝጽውዕዎ ንምፍታሕ፣ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ዝሓዘት ንእሽቶ ጕጅለ ውን ተማሊኣ ምህላዋ ኢዩ።
መዓይይቲ ፍቕሪ ኣምላኽ
ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ኣብዛ ናይ ረድኤት መርከብ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ክቡር ኣባ ማትያ ሓጺር መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣካየዱ ።
መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዚጕዓዙ ዘለዉ ስደተይናታት ብህይወት ንምንባርን ብደሓን ናብ ኤውሮጳ ንኽበጽሑ ውን ጸሎት ኣዕሪጎም ።
ክቡር ኣባ ማቲያ ነቶም ብ1993 እተቐትሉ ኣባ ፒኖ ፑግሊሲ ዝተሰምዩ ካህን ሲቺልያ፣ ብምኽንያት እቲ ኣንጻር ማፍያ ዘቕረብዎ ነቐፌታ ብምጥቃስ ከምዚ በሉ - "ኣምላኽ ወትሩ ብሓደ ሰብ ኣቢሉ ኢዩ ፍቕሩ ዝገልጸልና። ኣብዚ መዳይ እዚ ኣምላኽ ብተግባራት ማሕበር መዲተራነያን ኣቢሉ ንስደተኛታት ዘለዎ ፍቕርን ከም ዝገልጽን፣ ንጸሎቶም ዚምልስን ከም ዝነበረ” ድማ ኣመልከቱ ።