ድለ

KENYA-POLITICS-PROTEST KENYA-POLITICS-PROTEST  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ኬንያ፦ መንእሰያት ሃገርና እምንቶ ይግብኦም ኢዩ

ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን መንእሰያት ኬንያ ዝገበርዎ ፖለቲካዊ ናዕቢ ጵጳሳት እታ ሃገር ኵሎም ሰባት ንኣብያተ-ክርስትያን ከም ቅዱስ ቦታታት ገይሮም ክዕቅብዎም ብምሕታት፣ ሕዝቢ ኣብቶም መንእሰያት ክተኣማመን ከም ዝግብኦም ኣመልከቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኬንያ ካቶሊክ ብፁዓን ጳጳስት እቲ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ህዝቢ ናይታ ሃገር ዝዀነ መንእሰይ ወለዶ ኣብ መወዳእትኡ ንመጻኢ ኬንያ ክሃንጽ ትውክልቲ ክግበረሉ ከም ዝግባእ ኣዘኻኸሩ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ቫቲካን ዚርከብ ፊድስ ዝተሰምየ ትካል ኣገልግሎት ዜና ዘውጽኦ መግለጺ ኣብዚ ቐረባ ሰሙናት መንእሰያት ኬንያ ነቲ ክፍሊት ግብሪ ኻብ ምቅዋም ሓሊፎም ፖለቲካዊ መርኣያታት ንምግባር ኣብ ጐደናታት ስለ ዝወጹ ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣመሓላለፉ ።

ሊቀ-ጳጳሳት ናይሮቢ፡ 'ኣብ ሓደ ሓባራዊ ረብሓ ሓድነት ኣሎና'

ሊቀ-ጳጳሳት ናይሮቢ ብፁዕ ኣቡነ ፊሊፕ ኣርኖልድ ኣንዮሎ ኣብ ዕለተ ሳባ ሳባ ፍሉይ መዓልቲ ዝኽሪ ተቓውሞ ዕለት 7 ሓምለ 1990 ኣብ ዝኸብረሉ ዝነበረ፣ ብፁዕነቶም ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ  ንመንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ንኬንያውያን መንእሰያት ንኹሉ ዓሌታውን ናይ ሰልፍታትን ምልፍፋላት ሓሊፎም ብምስጋሮም ነኣድዎም።

"እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ቓልሲ በቲ ሓባራዊ ሰናይ ሰብኣዊ ሓድነታን ከምኡውን በቲ ከም ዜጋታት ኬንያ መጠን ዘሎና ሓባራዊ መንነት ከም ዘሕብረና የዘኻኽረና ኢዩ" በሉ።

ወሲኾም ድማ "ኵላትና ንኬንያውያን ኻብ ቀቢላውነትን ብሕታዊ መደባትናን ንላዕሊ ሃገር ኣገዳሲት ከም ዝዀነት ጌርና ኽንርእያ ጥራይ ኢዩ ዘድልየና " በሉ ፣ ወሲኾም ድማ " ጥቕሚ ርእስና ኽንስውእ ንኻልኦት ከም ገዛእ ርእስና ጌርና ኽንርእዮም ካብቲ ዚፈላልየና ብዙሕ ዶባትን መዓርጋትን ክንሓልፍ እዮም ዚሓትቱና ዘለዉ" በሉ ።

ናይ ሰበኻ ኞንግ ጳጳስ፦ ቅኑዕ ሕቶታት ኢዮም ዘልዓሉ

እቲ ኻብ 2 ሚልዮን ተቐማጦ ኣስታት 250,000 ምእመናን ዘለዉዎም ጳጳስ ሰበኻ ኞንግ ብፁዕ ኣቡነ ጆን ኦባላ ኦዋ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት እታ ሃገር ተቓውሞታት ካብ ዚለዓል ንነጀው ኣብ ሓምሸይ ሰሙን ከም ዘለው ንፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣመልከቱ፣ እንተዀነ ግን "ሕጂ ዅነታት ናብ ንቡር ዚምለስ ዘሎ እዩ ዚመስል" ውን በሉ።

እዞም ጳጳስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ - "ኣብ ኣተሓሳስባኦም ዝኣምኑን ቅኑዕ ሕቶታት ዘበግሱን መንእሰያት ኢዮም። ነቲ ናይ ሓቂ ጸገማት ሕብረተሰብና ከም ናህሪ ዋጋ ዕዳጋታትን፡ መጠን ክብሪ ግብሪ፡ ብልሽውና፡ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ናይ ክኢላታት ከምኡ ውን ንዓመታት ድሕሪ ምጽናዕን ትምህርትን ኣብ ቤቶም ብዘይ ስራሕ ዓዲ ውዒል ኮይኖም ዝለዉ መንእሰያት እውን ከይተረፈ ከም ሕቶ ዘቕርብ ኢዩ።"

እዞ ጳጳስ ወሲኾም "መብዛሕትኦም ኣብ ህይወቶም ዝለዓለ ዋጋ ኸፊሎም ወይ ተጐዲኦም እዮም " በሉ።

ብ8 ነሓሰ ዓብዪ መርኣያ ክግበር ድማ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።

'ዘተ ብብዙሓ ዓውድታት ምኳድ'

ምርኡያት ኣባላት ናይ ኣቅላሲያውያን ማሕበራት ምስቶም ተጸምዶታቶም ብብዙሓት ከም ዘርኢ ፍትሕን ሕብረተሰብኣዊ ሰላም ተባሂሎም ዝጽውዑ ዘለዉ መንእሰያት ሓድነትን ምትሕብባርን  ኣርእዮም ኢዮም ።

ብፁዕ ኣቡነ ኦባላ ኦዋ ከም ዘመልከትዎ "ንኬንያ ዝሓሸት ሃገር ክገብራ ዝምነ ዓቢ ሓድነት ኢዩ ዘሎ" ድማ በሉ።

"ኣዚና ኣኽቢርና እንርእዮ ክብር ሓሳብ ኢዩ" ብምባል እንክገልጹ "ኣብ ብዙሓ ዓውድታት ዝግበር ዘተታት ኣድላዪ ኢዩ" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።

ኣብያተ-ክርስትያን ወትሩ ቕዱስ ቦታ ዀይነን ኪቕጽላ ኣለወን

"ልክዕ ከምቲ ዕጋበት ኣብ ዘይብላ ስድራቤት፣ እቲ ዝበለጸ መፍትሔ ምዝርራብን ምስምማዕን ኢዩ" በሉ። "ምስቶም መንእሰያት ጥቡቕ ርክብ ኣሎና፣ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን መራሕትን ከኣ ናይ ምዝርራብ መስርሕ ጀሚርና ኣሎና።"

ኣብተን ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ መንእሰያት እቶም ዝበዝሑ ክፍሊ ሕብረተሰብ እዮም፣ ዳርጋ 80 ሚእታዊት ህዝቢ ኣፍሪቃ ኸኣ እዮም ዘቁሙ።

"ኣብያተ-ክርስትያናትና ንመንእሰያት ኽፉታት ምዃነን ኣርኢናዮም ኢና፣ መጺኦም ጸገማቶም ክነግሩና ንዕድሞም ውን ኣሎና" ብምባል ኣረጋገጸሎም፣ ፖለቲከኛታት ከይዕደሙ ኸምኡውን ኣብያተ-ክርስትያን ቅዱሳት ኰይነን ክቕጽላ ከምኡውን መሳርሒ ከይኮና ክቕጽላ ከም ዝሓተቱ ድማ መስከሩ።

እዞም ጳጳስ ኣብ መደምደምታ "እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ዘምጽእዎ ሓደ ነገር ዓቢ ሳዕቤን ከም ዘለዎን ናይ ሓቂ ለውጥታት ከም ዘምጽእን ርግጸኛታት ኢና" ድማ በሉ።

02 August 2024, 16:37