ኣብ ኒዃራ ሰበ-ስልጣን ንኽልተ ሊቃነ ካህናት ሰበኻ ማታጋልፓ ኣሰርዎም
ሰበ-ስልጣን ኒከራግዋ ኣብቲ ኣብ ማታጋልፓ ዝካየድ ዝነብረ ክብረ በዓል ቅዱስ ዶሚንጎ ዘ ጉዝማን ንክልተ ካህናት ኣሲሮም።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
መራኸቢ ብዙሓን ኒከራግዋ ክልተ ተወሰኽቲ ካህናት ማለት ሊቃነ ካህናት ሰበኻ ማታጋልፓ ኸም እተኣስሩ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ።
እቲ እተኣስረሉ ምኽንያትን እተኣስረሉ ቦታን ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ።
ብፁዕ ኣቡን ሮላንዶ ኣልቫረዝ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ ጸኒሖም ኣብ ወርሒ ጥሪ 2024 እተሰጉን ዝፍለት ኢዩ።
ተኸታታሊ ፍጻመታት
እቶም ምንጭታት ከም ዝገለጽዎ እዞ ካህናት ብዕለት 1 ነሓሰ ኣብ ክብረ በዓል ቅዱስ ዶሚንጎ ዘ ጉዝማን ጠበቓ ማናግዋ ኣብ ዝኽበረሉ ዝንበረ ጽምብል ኢዮም እተኣስሩ።
የኔታ ኡሊዝቬጋ ቆሞስ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ራሞን ክኾኑ እንከለው የኔታ ኤድጋር ሳካሳ ኸኣ ቆሞስ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ኢሲድሮ እዮም።
ብ26 ነሓሰ እቶም ኣመሓዳሪ ሰበኻ ኢስተሊ የኔታ ፍሩቶስ ቫለ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ብምእታዎም ናብቲ ኣብ ማናግዋ ዚርከብ ሃገራዊ ዘርኣክህነት ተውስዱ፣ እዚ ገዳም ዘርኣ ክህነት እዚ ብስልጣን እታ ሃገር ተወሪሱ ቤት ማእሰርኪ ናይ ኣባላት ቤተክህነት ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ኢዪ።
ካብ 2018 ንነጀው እንተ ወሓደ 140 ካህናትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ካብታ ሃገር ኪወጹ ኸም እተገደዱ ይፍለጥ ።
ኣብ ርእሲ እዚ ብዙሓት ማሕበራት ቤተ-ክርስትያን ተዘሚተን ወይ ሕጋዊ ፍቓደን ተሓዲገን ኢየርን ዝርከባ ዘለዋ።
03 August 2024, 18:27