ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Allegro risoluto
መርሓ ግብሪ ፈነወ
Procession in honor of Saint Dominic de Guzman held in Managua Procession in honor of Saint Dominic de Guzman held in Managua  (ANSA)

ኒከራግዋ ሸውዓተ ካልኦት ኻህናት ካብ ሃገር ትሰጕግ

ድሕሪ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ተኸታታሊ ማእሰርትታት ካህናት መንግስቲ ኒከራግዋ 7 ኻህናት ናብ ሮማ ትሰጕግ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቶም ኣብ ኒከራግዋ ተኣሲሮም ዝጸንሑ እቶም ሸውዓተ ትማሊ ረቡዕ ዕለት 7 ነሓሰ ብምርኮ ናብ ሮሜ ተሰጒጎም፣ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ኣብ ሮማ በጽሑ ። እዞም ካህናት እዚኣቶም ኣባ ቪክቶር ጎዶይ፣ ኣባ ኻይሮ ፕራቪያ፣ ኣባ ሲልቪዮ ሮሜሮ፣ ኣባ ኤድጋር ሳካሳ፣ ኣባ ሃርቪን ቶረስ፣ ኣባ ኡሊሰስ ቬጋ ከምኡ ውን ኣባ ማርሎን ቬላስኬስ ኢዮም።

መንግስቲ ኒከራግዋ "ሸውዓተ ካህናት ኒከራግዋ ኻብ ሃገሮም ሃዲጎም ናብ ሮማ ኢጣልያ ተፋንዮም" ኣብ ዚብል ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ሓበሬታ በታ መዓልቲ እቲኣ ድሕሪ ቐትሪ ተረጋጊጹ ኣሎ ። እቶም ካህናት ኣባላት ሰበኻ ማታጋልፓን ኢስተሊን እዮም ዝነበሩ፣ ኣብቲ ኣብ ማናግዋ ዚርከብ ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ዝተሰምየ ዘርኣ ክህነት ከም ቤት ማእሰርቲ ካህናት ኮይኑ ዘሎ ኣባኡ ኣብ ማሕዩር ዝጸንሑ ኢዮም።

ብመራኸቢ ብዙሓን ኒከራግዋ ኣመሓዳሪ ሰበኻ ኢስተሊ እቶም ብዕለት 26 ሓምለ እተኣስቱ ኣባ ፍሩቶስ ቫለ ሓደ ኻብቶም ካብታ ሃገር እተሰጕጉ ኣይኮኑን ።

ኒከራግዋ ንጕጅለታት ካህናት ብምርኮ ካብታ ሃገር እትሰጐሉ ዘላ እዚ ንሓምሻይ ግዜ ኢዩ - ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ከምኡውን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2023 ሓያሎ ካህናት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰጒጋ ኢያ፣ ኣብ ውርሒ ጥቅምቲ 2023 ከምኡ ውን ኣብ ወርሒጥሪ 2024 ክልተ ኻልኦት ጕጅለ ኻህናትን ክልተ ጳጳሳት ማለት ብፁዕ ኣቡነ ሮላንዶ ኣልቫረዝን፣ ብፁዕ ኣቡነ ኢሲዶሮ ሞራን ናብ ሮሜ ኣፋንያ ኢያ ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ናይ ኒከራግዋ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ኣርቱሮ ማክፊልድስ ኢስካስ እቲ ብዳንኤል ኦርቴጋ ዚምራሕ መንግስቲ ነቲ ብራዚላዊ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ኒከራግዋ ብረኖ ደ ሶዛ ብራዚል ዲያስ ዳ ኮስታ ብዕለት 19 ሓምለ ኣብ እተገብረ መበል 45 ዓመት ሰውራ ሳንዲኒስታ ተዓዲሙ ክንሱ ብዘይምክፋሉ ካብ ሃገር ኺስጐጕ ከም ዝኣዘዘ ትማሊ ረቡዕ ተፈሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ብራዚል እውን እንተ ዀነ ዝሓለፈ ሓሙስ ንልኡከ መንግስቲ ኒካራገአ ፉልቭያ ካስትሮ ብምኽንያት እቲ ብሰበ ስልጣን ማናግዋ ዝተወስደ ስጉምቲ "ብወገንና" ክትሰጐ ወሲና ኣላ።

10 Aug 2024, 16:38
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031