ኒከራግዋ፦ ካልኦት ክልተ ኻህናት ናብ ሮማ ትሰጉግ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም ብዕለት 10ን 11ን ነሓሰ ኣብ ኒከራግዋ እተኣስሩ ክልተ ካህናት ክቡር ኣብ ልዮነል ባልማቸዳን ክቡር ኣባ ደኒስ ማርቲኔዝ ብመንግስቲ እታ ሃገር ተሰጒጎም ኣብ ሮማ ተዓቊቦም ይከቡ ኣለዉ ።
ክብር ኣባ ባልማቸዳ ኣብቲ ኣብ ከተማ ላ ትሪኒዳድ ዚርከብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ኢየሱስ ዘፍቅር ቆሞስ ዝነብሩ ካብ ሰበኻ ኢስተሊ ዝመጹ ኢዮም።
ክቡር ኣባ ማርቲነዝ ድማ ኣብቲ ኣብ ማናግዋ ዚርከብ ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ማታጋልፓ ሓለቓ ተመሃሮ ዝነብሩ ኢዮም።
እዞም ክልተ ሰበኻታት ድማ በቶም ካብ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዞም ኣብ ሮማ ተዓቊቦም ዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ሮላንዶ ኣልቫረዝ እዮም ዝምርሑ ዝነብሩ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ ውን ከም ላ ፕረንሳ 100% ኖቲስያስን ዝኣመሰላ ናይ ግሊ መርበብ ሓበሬታታት ብዙሓት ሰባት ከም እተሰጕጉ ጸብጻባት ይህባ ኣለዋ።
ብተወሳኺውን እቶም ኣብ ማታጋልፓ ዝነበሩ ካህን ቆሞስ ደብረ ቅዱስ ቅዱስ ዮሓንስ ክቡር ኣባ ዳኒ ጋርሲያ ብኣኽበርቲ ጸጥታ እታ ሃገር ኸም እተኣስሩ ድሕሪ ምስምዑ "ተፈቲሖም" ብምባል ካብ ኒከራግዋ ኸም ዝተሰጉ ጸብጻባት ዜና ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ብመሰረት ሓደ ኣብ ስደት ዝርከብ ተመራማሪ ዜጋ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ካብቲ ብ2018 ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ቕልውላው ኣትሒዙ ከምኡ ውን በታ ኖቲስያስ እተሰምየት መርበብ ሓበሬታ እተዋህበ ጸብጻብ 245 ሰብ ውፉይ ሕይወት ካብታ ሃገር ተሰጒጐም ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ።
ገለ ኻብዚኣቶም ከአ እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኒካራጓ ዝነበሩ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ዋልደማር ሶመርታግን ካልኦት ሰለስተ ጳጳስትን፣ ከምኡ ውን 136 ካህናት ካብ እተፈላለያ ሰበኻታትን ሰለስተ ዲያቆናትን ዓሰርተው ሓደ ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ከምኡውን 91 ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣወዳትን ኣዋልድን ክጥቀሱ ዝከኣል ኢዩ።
እዚ ሰነድ እዚ ብተወሳኺ ንብፁዕ ኣቡነ ኣልቫረ ከምኡ ውን ካብ ሃገሮም እተሰጉ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቪዮ ባየዝን ካልኦት 14 ካህናት ሓዊስካ፣ 19 ኣባላት ማሕበር ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣወዳትን ኣዋልድን "ሃገሮም ዝኸድዑ" ተባሂሎም ከም እተኣወጁን ዜግነቶም ከም እተሓድጉን ውን ይገልጽ።