ድለ

2024.07.30 Catholic Bishops’ Conference of Nigeria 2024.07.30 Catholic Bishops’ Conference of Nigeria 

ጳጳሳት ናይጀርያ ነቶም ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓውርያዊ ልኡኽ ተቐቢሎም

ሃገረ ናይጀርያ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ (ንስዮ) ንምቕባል ኣብ እትዳለወሉ ዘላ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ናይጀርያ ብፁዕ ሊቀ- ጳጳሳት ሉስየስ ኢወጁሩ ኡጎርጂ ነታ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣፍሪቃ ንቤተ-ክርስትያን ዘጋጥማ ዘሎ ጸጋታትን ብድሆታትን ይትንትኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲአካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዕለት 16 ሓምለ ንብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ማይክል ፍራንሲስ ክሮቲ ከም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓውርያዊ ልኡኽ ናብ ናይጀርያ መዘዝዎም፣ ብፁዕነቶም ውን ነቲ ዝተዋህቦም ተልእኾ ንምፍጻም ኣብ ምስንዳዋት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ንምጽንባል ሊቀ-ጳጳሳት ሰበኻ ኦወሪንን ኣቦ መንበር ቤትምኽሪ ካቶሊካውንያን ጳጳሳት ናይጀርያን ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሉስየስ ኢወጁሩ ኡጎርጂ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይጀርያ ንቤተ-ክርስትያን ዜጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ኣካየዱ፣ ኣወንታዊ ለውጢ ክመጽእ  ዘለዎም ተስፋ ድማ ገለጹ።

ሊቀ-ጳጳሳት ኡጎርጂ ኣብ መግለጺኦም "መሪሕነት ሊቀ-ጳጳሳት ክሮቲ ነቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኣብ ናይጀርያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ ማእሰር ሓድነት ንምድልዳልን ምትሕብባርን እዩ" ክብሉ ገለጹ።

ሊቀ-ጳጳሳት ክሮቲ ነቲ ቅድስቲ መንበር ምስ ፈደራላዊ ሪፓብሊክ ናይጀርያ እተካየዲ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ከምኡውን ቀዋሚ ተዓዛቢ ቝጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢኮዋስ) ኮይኖም ክዓዩ ኢዩም።

ሊቀ-ጳጳሳት ኡጎርጂ ኣስዒቦም ገም ዝገለጽዎ "ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ክሮቲ ኣይርላንዳዊ ከም ምዃኖም ኣብ ናይጀርያ ኸም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መበር ኮይኖም ምሳና ምህላዎም፣ ነቶም እተፈላለየ ኽፍልታት ሃገርና ወንጌል ዘበሰሩ ኣይርላንዳውያን ልኡካነ ወንጌል ከምኡውን ከም ጳጳሳት ካህናት ሰብ ውፉያት ህይወት  ከምኡ ውን ተራ ምእመናን ልኡካን ኰይኖም ምስ መጹ ብኸመይ ሕዝብና ሓንጐፋይ ኢሉ ከም እተቐበልዎም ዜዘኻኽር እዩ" በሉ።

ካብ መስከረም 2023 ኣትሒዙ ናይጀርያ ደድሕሪ እቲ ሊቀ-ጳጳሳት ኣንቶንዮ ጊዶ ፊሊፓዚ ናብ ፖላንድ እተቐየሩሉ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣይነበረናን።

ሊቀ-ጳጳሳት ኡጎርጂ ከም ዝገለጽዎ ናይ ናይጀርያ ጳጳሳት ነዞም ሓድሽ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበርውን ክተሓጋገዝዎም ኢዮም።

ናይ ጉስነትን መሪሕነትን ብድሆታት

እዞም ናይጀርያ ሊቀ-ጳጳሳት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም ነቲ ኣብ ናይጀርያ ንጕስነታዊ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስትያንን ንመሪሕነታን ከቢድ ብድሆታት ዘምጽእ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቍጠባውን ጸገማት ከም ዘሎ ውን ኣጕልሑ።

"ናይጀርያ ኣብዚ እዋን እዚ ኣንጸላልይዋ ዝለኦ ሕማቕ ምምሕዳር፡ ሻቕሎት ብልሽውና፡ ሕማቕ ሳዕቤን ለውጢ ዅነታት ኣየር፡ ቀቢላዊ-ሃይማኖታዊ ውጥረት፡ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቝጠባ፡ ልዑል ደረጃ ሽቕለት-ኣልቦነት መንእሰያት፡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቍጠባዊ ቕልውላውን ከምኡውን ሕጽረት መግብን ዝኣመሰለ ማእለያ ዘይብሉ ብድሆታት የጋጥማ ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኣስፋሕፊሑ ኣሎ" በሉ።

ተሳትፎ እተፈላለየ ባህልታት ናይጀርያ ንምቕባል ዘሎ ባህጊ

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ሊቀ-ጳጳሳት ኡጎርጂ ነቲ ናይጀርያ ኻብ ኣምላኽ እትረኽቦ ዘላ ጸጋ በረኸት ቢሎም  ብምጽዋዕ እተፈላለየ ባህሊ ዘለዎም ሕብረተሰብ ኸም ዘለውዋ ውን ኣጕልሑ።

"ኣብ እተፈላለየ ባህሊ ዘለዎ ሕዝቢ ኣገልግሎት ምሃብ ሓድሓደ ግዜ ብድሆታት ዘምጽእ እኳ እንተዀነ ኣብ ናይጀርያ ዘሎ እተፈላለየ ባህሊ ግን ዝያዳ ሃብትን በረኸትን ኢዩ ዘምጽእ" በሉ። "እዚ ድማ ነቲ ደረት ኣልቦ ዝኾነ ፈጣርን ከምኡ ውን ነቲ እተፈጥሩሉ ምስልን ኣርኣያን ናይቶም ሕዝብታት እታ ሃገርና ዘለዉ እተፈላለዩ ሰባት ገጽ ኣምላኽ ፈጣሪኦም ዘንጸባርቕሉ ኢዩ።"

እቲ ቤተ-ክርስትያን እትገብሮ ናይ ሓውርያዊ ጉስነት መደባት እምነት ብምህናጽን ብምዅስኳስን ከም እትመሓላለፍን ከም እትቕበልን ንምርግጋጽ እትጽዕር ዝጽዕር ውን ገለጹ፣ እዚ ድማ ንካቶሊካውያን ህይወቶም ብምሕዳስ ምስ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ወንጌል ተሰማሚዖም ንኽነብሩ ብምትብባዕ ኣብ ዝሰፍሐ ሕብረተሰብ ቀለስቲ ለውጢ ክዀኑ የተባብዖም ኢዩ።” ክብሉ ውን ገለጹ።

ነቲ ዝዓበየ ተልእኾ ሓባራዊ ሓላፍነት

ሊቀ-ጳጳሳት ኡጎርጂ ኣብ መደምደምታ "ናይጀርያ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ካቶሊካዊ ዓለም ብቕልጡፍ ዝዓብያ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያን ኢያ" በሉ። ሰበኻታትናን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ብብዝሒ ጸዋዕታ እተባረኹ እዮም፣ ምሉእ ብምሉእ ንጡፋት ቁምስናታት እውን ኣለዉና" በሉ።

ሊቀ-ጳጳሳት ኡጎርጂ ኣብታ ሃገር ንቤተ-ክርስትያን ቀጻሊ ዕቤትን ኵስኰሳን ክግበረላ ከም ዝደሊ ብምግላጽ ዳማ መግለጺኦም ዛዘሙ።

"ኣብ ናይጀርያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ብብሉጽነትን ብዝሕን እናዓበየት ክትከይድ ከምኡውን ማሕበረሰብ ናይጀርያ ብመንፈስ ክርስቶስ ንምቕያር ውጽኢታዊ መባዅዕቲ ክትከውን ጸሎተይን ተስፋይን ኢዩ" በሉ።

02 August 2024, 08:40