ድለ

2024.07.31 Father Mika Sueliman 2024.07.31 Father Mika Sueliman 

ንኽልተ ሰሙን ተጨውዮም ዝነበሩ ካህን ናይጀርያ ናብ ኣገልግሎት ተመልሱ

ኣብዚ ቐረባ እዋን ካብ ጭውያ ሸፋቱ እተፈትሑ ናይጀርያዊ ካህን ኣባ ሚካ ሱሌማን ብዛዕባ ኩነታት ጥዕናኦምን ናብ ኣገልግሎት ምምላሶምን ኣብ ቍምስናኦም ተመሊሶም መስከሩ ።

ኣባ ተውለደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ናይጀርያ ጭውያ ዜጋታትን ካህናትን ወሲኹ አሎ።

ሓደ ኻብቶም እተጨውዩ ብዙሓት ካህናት ክቡር ኣባ ያኩቡ ሚካ ሱሌማን እዮም ዝነበሩ ። ንኽልተ ሰሙን ዚኣክል በቶም ሸፋቱ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 7 ሓምለ ድማ ነጻ ወጺኦም ።

ክቡር ኣባ ሱሌማን ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ምስ ተፈትሑ ዝተገብረሎም ሕክምናን ስነ-ኣእምሮኣዊ ክንክንን እንደገና ጥዕና ንኽረኽቡን ንኽሓውዩን ከም ዘኽኣሎም ኣረጋገጹ።

"ናብ ክህነታዊ ኣገልግሎተይ ተመሊሰ እየ!" ብምባል ድማ ነቶም ጨወይቶም ይቕረ ኸም ዝበሉሎም ገለጹ።

"ነቶም ዝጨወዩኒ ሸፋቱ ይቕረ ኢለሎም ኣለኹ፣ እዞም ወዲ 35 ዓመት ዝኾኑ ክቡር ኣባ ሱሌማን ኣብ መግለጺኦም “ይቕረ ምባል ከም ክርስትያን ልዕሊ ኩሉ ድማ ከም ካህን መጠን አገዳሲ ምኹኑ ያኣምን እየ" በሉ። "ኣብ ትሕቲ ምርኮ ኸለኹ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ከይቕተል ዝነበረኒ ፍርሂ ዜሰምብድ እዩ ነይሩ። እቲ ዅነታት መነባብሮ ዜስካሕክሕን ዜበሳጩን እዩ ። ምሉእ ለይቲ እድቅስ ስለዘይነበርኩ ነቲ ዘጋጠመኒ ጸበባ ኽርድኦ ኣይክኣልን እየ ነይረ።"

ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ናይጀርያ ብተደጋጋሚ ብሸፋቱ መጥቃዕቲ ዝፍኖ ከም ምኹኑ፣ ንካህናት ምዕቋብ ኣጸጋሚ ኢዩ ክብሉ ውን ገለጹ፣ ከመይሲ እቶም ሓበሬታ ዝህቡ ሰባት ኣብ መንጎና ኢዮም ዝነብሩ ።

ይኹን እምበር ኣባ ሱሌማን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ "ነቲ ኣብ ናይጀርያ ዚግበር ንጥፈታት ዓመሳ ንምቍጽጻርን ንምክልኻልን" ሓይሊ ኸም ዘለዎም ዘለዎም እምነት ገለጹ ።

ወሲኾም ድማ "እዚ ብሕታዊ ተመክሮ እዚ ኣብ ኣምላኽ ዘሎኒ ተኣማንነት ፈጺሙ ኸም ዘየቋርጽ እንደገና ኣረጋጊጹለይን ኣበራቢሩንን እዩ " በሉ ።

ክቡር ኣባ ሱሊማን ነቶም ንኺፍትሑ ዝጸለዩሎም ብዙሓት ሰባት ዘለዎ ምስጋና ውን ገለጹ ። "ክሳዕ ዝፍታሕ ስለቲ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ዝጸለየቶ ጸሎት አመስግን ኢየ" በሉ።

እንተዀነ ግን እዞም ናይጀርያዊ ካህን ከም ዘመልከትዎ "ኣብ ህይወተይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ክረክብ ዝያዳ መንፈሳዊ ደገፍ" ከም ዘድልዮም ውን ኣገንዘቡ።

"ኣብ መንፈሳዊ ጕዕዞይ በታ ናይ ናይጀርያ ቤተ-ክርስትያን ጳጳሳትን ካህናትን ከምኡውን ምእመናን ዝሃብኒ ኣወንታዊ ምላሽ እጸናናዕ ኢየ" በሉ።

02 August 2024, 08:54