2024.08.05 Ordinazione Diaconale dalla Eparchia di Keren 2024.08.05 Ordinazione Diaconale dalla Eparchia di Keren 

መዓርገ ዲቁና ኣብ ኤጳርቅና ከረን

ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 3 ነሓሰ 2024 ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብተ ቅዱስ ሚካኤል ከረን ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ሰለስተ ተመሃርቲ ዓቢይ ገዳም ዘርኣ ክህነት ኣስመራ መዓርገ ዲቁና ተቀቢሎም።

ኣባ ፍስሃ ተኪኤ - ኤጳርቅና ከረን

እዞም ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ መዓርገ ዲቁና እተቐበሉ፦

1.     ዲ. ፍረእግዚእ ግንቦት ካብ ደበረ ቅዱስ ጊዮርጊስ ፈርሔን

2.     ዲ. ኣርበድ ዓድላን ካብ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ኣሽራ

3.     ዲ. ሳሙኤል በረኸት ካብ ቤተጸሎት ቅ/ሥላሴ ጀምበረቕ (ቍምስና ደብረ ማርያም ቁስቋም ሽዕብ) እንክኾኑ።

መዓርገ ዲቁና 2024 ኤጳእቅና ከረን
መዓርገ ዲቁና 2024 ኤጳእቅና ከረን

እዞም ዲያቆናት እዚኣቶም ብትምህርቲ ፍልስፍናን ሥነ መልኮትን ኣብ ደብረ መድኃኔ ዓለም ዓቢይ ገዳም ዘርኣክህነት ኣሥመራ ክህነታዊ ሥነ መዕበያ ዝርኸቡ ኮይኖም፣ ኣብቲ ወለዲን፡ ቤተሰብን፡ ካህናትን ደናግልን፣ ካብ ዝተፈላለዩ ቍምስናታት ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን ዝመጹ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብኣሕሉቖም ተሰንዮም መዓርገ ዲቑና ተቀቢሎም፡፡

መዓርገ ዲቁና 2024 ኤጳእቅና ከረን
መዓርገ ዲቁና 2024 ኤጳእቅና ከረን

ብፁዕ ኣቡነ ኪዳንነ ጳጳሳ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለቱ ስብከት ቃል ኣምላኽ፡ “ጸዋዕታ ዲቁናን ክህነትን ተልእኾ ኮይኑ ንዝተለኣኽካዮ ምብጻሕ ጥራይ ዘይኮነ እናተመሃርካ ትነብሮ፡ እናነበርካ እትምህሮ ጉዕዞ ቅድስና ኢዩ፣” በሉ።

መዓርገ ዲቁና 2024 ኤጳእቅና ከረን
መዓርገ ዲቁና 2024 ኤጳእቅና ከረን

ዓለም ንምሁራትን ሃብታማትን፣ ነቶም ኣብ ቅድሚ ሰብ ምርኡያት ንዝኾኑ ሰባት ኢያ ትመርጽ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ነቶም ትሑታትን ኣብ ዘመኖም ምርኡያት ዘይነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ገሊላውያን ኢዩ መሪጹ ሓዋርያት ዝገበሮም፡ ስለዚ ጸዋዕታ ኣብ ክእለትን ዓቅምን ደቂሰባት ዘይኮነ ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ተኣሚንካ ትነብሮ ህይወት ብምዃኑ ተቀበልቲ ቀረጽ ከም በዓል ለዊ (ማር 2፡13-17) ድማ ብምሕረት ኣምላኽ ተሓርዮም።

መዓርገ ዲቁና 2024 ኤጳእቅና ከረን
መዓርገ ዲቁና 2024 ኤጳእቅና ከረን

ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ከም ዘየድልይዎ ዝጠቀሰ እዚ ቅዱስ ቃል እዚ፡ ጻድቃናት ዘይኮኑ ሓጥኣን ኢዮም ብጸጋ ኣምላኽ ተማሒሮም ንምሕረት ኣምላኽ ብተልእኾ ዘበስሩ እሞ፣ ነቲ ንድኻምነትናን ሓጢኣትናን ከይቆጸረ ጸጋ ዲቁናን ክህነትን ዝሃበና ኣምላኽ ነመስግን።

ንወለዲን ንዝኾስኮስዎም መምሃራንን ኣብ ሰነ-መዕበያ ዘሰነይዎም ካህናትን፣ ገበርቲ ሠናይን ሰብ ድማዖምን እውን ነመስግን ክብሉ ስብከቶም ዛዚሞም።

መዓርገ ዲቁና 2024 ኤጳእቅና ከረን
መዓርገ ዲቁና 2024 ኤጳእቅና ከረን
05 August 2024, 17:57