2024.05.08 Mundiya Kepanga, Papua Nuova Guinea 2024.05.08 Mundiya Kepanga, Papua Nuova Guinea  (Vatican Media)

ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ህጻናት ንኽብሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 5 ደቒቕ ሙዚቃዊ ምርኢት ከቕርቡ ኢዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ናብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ምብጻሕ ከካይዱ ኢዮም፣ ኣባኡ ድማ ካብ ውጥን ንግስቲ ገነት ዝመጹ 70 ህጻናት ንተቕባል ቅዱስ ኣቦና ናይ 5 ደቒቕ ሙዚቃዊ ምርኢት ከቕርቡ ኢዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ውጥን ንግስቲ ገነት (QOP) ዝመጹ 70 ዝዀኑ ህጻናት ኣብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ ናብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝገብርዎ ምብጻሕ ሙዚቃዊ ምርኢት ከቕርቡ ተመዲቡ ኣሎ ።

ኣብ ማሕበር ሙዚቀይናታት ንግስተ ገነት ዝዓዪ ክቡር ኣባ ሚገል ደ ላ ካል ኣብ ዝሃቦ መገለጺ እዞም ህጻናት ብዕለት8 መስከረም ኣብ ቫኒሞ ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት ክጻወቱን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክዝምሩን ምዃኖም ኣመልኪቱ ።

ክቡር ኣብ ሚገል ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ ህትመት ከም ዘመልከትዎ “እዞም ህጻናት ካብ ማሕበር ውጥን ንግስተ ገነት ዝኾኑ ሙዚቀይናታት፣ ቅዱስ ኣቦና ብኣካል ተረኾቦም ክሰምዕሞም ምኹኖም ስለዝፈለቱ ብጣዕሚ ብሓጐስ ኢዮም ዝጽይዎም ዘለዉ” በሉ።

እዞም ህጻናት ኣብ መወዳእታ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቫኒሞ 13 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ጐዳና ዝገብርዎ ጕዕዞ ክጽበይዎም ኢዮም ቅዱስነቶም ድማ ኣባኡ ምስ በጽሑ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ክባርኹ ኢዮም።

ነዞም ጕጅለ ሙዚቀይናታት ዝመርሕ መምህር ኼሱስ ብሪቸንዮ ነቲ ናይ 5 ደቒቕ ሙዚቃዊ ምርኢት ከም ሓደ "ጽሩይ ወርቂ" ገይሩ ይገልጾ፣ ወሲኹ ድማ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳስት "ክልተ ዓይነታት ሙዚቃ" የዳልዉሉ ኸም ዘለዉ ውን ኣመልከተ።

ሊቀ-ጳጳሳት ናይ ሰበኻ ፖርት ሞረስቢ ብፁዕ ካርዲናል ጆን ሪባት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝገበርዎ ምብጻሕ ነታ ሃገርን ንሕዝባን "ቡራኬ" ከም ምዃኑ ውን ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጥራይ ዘይኰነስ ርእሲ መንግስቲ ሃገረ ቫቲካን እውን ከም ዝዀኑ ኣመልከቱ።

ብፁዕነቶም ኣስዒቦም "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጥዕናዊ ጸገማት ስለዘለዎም ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ኮይኖም ከም ዝመጹና ከመልክት እደሊ ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ወዲ 88 ዓመት ክኾኑ ኢዮም " ድማ በሉ ። "ኣብዚ ግዜ ዕቤቶምን ምስ ኵሉ እቲ ዘለዎም ጥዕናዊ ጸገማትን ክበጽሑና ወሲኖም ኣለዉ።" በሉ።

ብፁዕ ካርዲናል ንምእመናን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ከምዚ ኸማይን ከማኻትኩምን ሰብ" ምዃኖም ኣዘኻኸርዎም። ይኹን እምበር "ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣገዳሲ ዕዮ ኺፍጽሙ ካብ መረጾም ብግቡእ ክንዳሎን ክንቅበሎን ኣሎና" በሉ።

 

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ፈለማ ኣብ https://www.licas.news/ እያ ተሓቲማ ። ኵሉ መሰላት እተሓዝአ እዩ ። ብሳልሳይ ኣካል ዘይተፈቕደ ሕትመት ኪሕተም ኣይፍቀድን እዩ ።

24 August 2024, 09:18