ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Requiem, Op. 48 per soli, coro, orchestra e organo
መርሓ ግብሪ ፈነወ
2024.08.07 philippines social communications convention 2024 2024.08.07 philippines social communications convention 2024 

ቤተ-ክርስትያን ዘለዋ ናይ ሓቂ ጽልዋ ደድሕቲ 'እምነዮ' ምስዓብ ዘይኰነስ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ምክፋል

ኣብዛ ግጉይ ሓበሬታን "ናይ ሓሶት ዜናን" ኣስፋሕፊሑላ ዘሎ ዓለም፣ ሓደ ካቶሊካዊ ጳጳስ ከም ዝገለጽዎ ሓቀይና ጽልዋ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ንሓቂ ምሕረትን ድንጋጽን ሕያውነትን ኣምላኽ ኣብ ምክፋል ከም ዝምርኰስ ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሰበኻ ኢሊጋን ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ ሆሴ ራፓዳስ ነቶም ኣብ ኣገልግሎቶም ነዚ ጽቡቕ ባህርያት እዚ ዜንጸባርቑ ካቶሊካውያን ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን፣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዓለም ከም እትግለጽን ከም እትምስገንን ኢዮም ዝገብሩ ክብሉ መስከሩ።

"ኣብ ቤተ-ክርስትያን ውጽኢታውን ሓቅነቱ እተረጋገጸን ጽልዋ ንምግባር... ብዛዕባ ምሕረትን ድንጋጽን ኣምላኽ ክንምስክር ኣሎና " በሉ።

ወሲኾም ድማ "ነዚ ምስ እንምስክር መንግስቲ ኣምላኽ ብሕያውነትና ክትምስገን እያ" በሉ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "እዚ ኣገዳሲ ዕዮ ማሕበራዊ ርክንባትና እዩ" ክብሉ መዓዱ።

እዞም ጳጳስ ኣብቲ ብዕለት 6 ነሓሰ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ካልአይ መዓልቲ ናይቲ ኣብ  ከተማ ሊፓ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ነዚ ሓሳብ እዚ ኣካፈሉ ።

ልዕሊ 300 ዝዀኑ ሰራሕተኛታት ንኣገልግሎት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዀነ ወለንተኛታት ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ኣለዉ እዚ ድማ ክሳዕ ሎሚ 8 ነሓሰ ዝቕጸለ ዋዕላ ኢዩ ።

ብፁዕነቶም ኣብቲ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ኣገልግሎት ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎን ሰዓብቲ ንምርካብ ዘይኰነስ ነቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘንጸባርቕ ሓቅን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ንምክፋል ምዃኑ ኣነጸሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ራፓዳስ ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ምስ ኢየሱስ ብትብዓት ክንራኸብን ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ ናይ ምሕዳስ ሓይሊ ክንምስክርን ተጸዊዕና ኢና። ወሲኾም ድማ "ምስክርነት ማራኺ እዩ" በሉ።

እቲ ብኮሚሽን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ጉባኤ ጳጳሳት ፍልፒንስ እተወደበ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዋዕላ ብዛዕባ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ዘሎ ኣገባብ ስብከተ ወንጌልን ዘለዎ ግደ ንምምይያጥ ዝዓለመ ኢዩ ዝነበረ።

እቶም ሰበኻ ኖቫሊሸስ ጳጳስ ነቲ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ዝነብሩ ብፁዕ ኣቡነ ሮበርቶ ጋኣ ውን ብወገኖም እዚ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዜኽእል ሓያል መሳርሒ እኳ እንተ ዀነ ሓባራዊ ጥቕሚ ንምድንፋዕ ዜድሊ ሰብኣዊ ጥበብ ከም ዘይብሉ ውን ገለጹ ።

ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ንዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምጥቃስ ንጥበብ ልቢ ወድሰብ ክትክኦ ከም ዘይክእል ኣጕልሑ።

"ካብቲ ምስካልእ ልቢ ክቃዲ ዝኽእል ልቢ ዚመጽእ ኣይኰነን። ንሕና ሰባት ግና ከማኡ ኢና" በሉ ኣቡነ ጋኣ።

"በዚ ኸምዚ ኸኣ ዚሰምዕ ልቢ ተመክሮ ዘለዎ ልቢ ከምኡውን ዜካፍል ልቢ ኺህልወና ተስፋ ንገብር" በሉ።

08 Aug 2024, 18:04
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031