ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እቶም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ግብረ ሰናይ ዘወፍይ ዘለዉ ሰባት ጸልዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዕለት 19 ነሓሰ መዓልቲ ግብረ - ሰናይ ዓለም (WHD) ተባሂሉ ክዝከር ኣብ ዝወሰነሉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ ዅሎም እቶም ኣብ ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሠናይ ኣገልግሎታት ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ሰብ ሞያ ጸሎት ኣዕሪጐም። ብፍላይ ከኣ ነቶም ብውግእን ዕንወትን እተጐድኡ ሰባት ክሕግዙ ኸለዉ ዝሞቱ ወይ ዝቘሰሉ ዘለዉ ሰባት ኢዩም ጸልዮም ። ካብ 2008 ኣትሒዙ ኣብ መላእ ዓለም ንዅሎም እቶም ኣብ መላእ ዓለም ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ንምሃብ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ወለንተኛታት ክብሪ ንምሃብ ከምኡውን ነቶም ዝሞቱ ንምዝካር ወይ ንሰብኣዊ ምኽንያታትን ድሌታትን ክዓዩ ኸለዉ ዝቘሰሉ ንምዝካር ኣብ መላእ ዓለም ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣገልግሎት ግብረ ሠናይ ውድብ ሕቡራት ሃገር ይዝከር ኣሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብቲ @Pontifex እተሰምየ ኣብ X ማሕበራዊ መራከቢ ብዙሓን ዝርከብ ገጻቶም ዝፈነውዎ ጽሑፍ ከምዚ በሉ - "ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ንኻልኦት ብምክንኻን 'ኩላትና ኣሕዋት' ክንከውን ከም እንኽእል የርእዩና ኢዮም።" በሉ።
2024፦ ንኣገልገልቲ ግብረ ሠናይ ዝቐተለት ዓመት
ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዕጥቃዊ ግጭታት እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰራሕተኛታት ናይ ግብረ-ሰናይ ኣገልግሎታት ብዘሕዝን መገዲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
2024 ንኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ሃገሮም ዘገልግሉ ዘለዉ ሰባት እታ እታ ብዙሓት እተቐትሉላ ዓመት ክትከውን ትኽእል እያ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ 192 ናይ ግብረ - ሰናይ ሰራሕተኛታት ተቐቲሎም ኢዮም፣ ካብዚኣቶም 119 ኣብቲ ዝነብሩሉ ኣከባቢ ሰራሕተኛታት ዝነበሩ ኢዮም ።
ኣብ ቃዛ ዝተመዝገበ ቅትለት ኣገልገልቲ ግብረ ሰናይ
ከምቲ ብኣህጉራዊ ማሕበር ካሪታስ እተሰምየ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲአያን ማሕበር ሰብኣዊ ተራድኦ ዝተገልጸ፣ ኣብ ዝሃለፈ 10 ኣዋርሕ ኣብ ቃዛ ጥራይ እተቐትሉ ኣገልገልቲ ሰብኣዊ ተራድኦ 274 ከም ዝበጽሐን ብዘሕዝን ኩነት ይውስኽ ከም ዘሎን ኣመልኪቱ።
ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ ኣብ ገማግም ቃዛ ጥራይ ዝሞቱ ኣገልገልቲ ግብረ - ሰናይ ካብቲ ካብ 2021 ክሳዕ 2022 ኣብ ዘሎ ኽልተ ዓመታት ኣብ መላእ ዓለም ዝሞቱ ናይ ግብረ - ሰናይ ሰራሕተኛታት ዝዛይድ ኢዩ ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እስራኤላውያን ኣብ ቃዛ ኣብ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ፖርፊሮስ ኣብ ዘውረድዎ መጥቃዕቲ ሓንቲ ክኢላ ቤተ-ምርምር ምስ ሰብኣያን ሕጻን ጓላን ተቐትለት፣ ኢሳም ኣቢድራቦ ዝተሰምየ ወዲ 35 ዓመት ወለንተይና ክኢላ ቤተመድሓኒትን ኣቦን ዝነብረ ድማ ምስ ክልተ ደቁ ተቐትለ፣ ንሓንቲ ጓሉ ድማ ዘኽታም ገዲፉ ሓለፈ ።
ናይ ሃገረ በልጅዩም ካሪታስ ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ሰብኣዊ ዳይረክተርን ዣን-ኢቭ ተርሊንደን ሓይልታት እስራኤል ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዞም ኣብ ቃዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ሰብኣዊ ረድኤትን ህንጻታትን እንተ ወሓደ ሸሞንተ ሳዕ ከም ዝደብደቡ ብምዝካር እዚ ሞት እዚ ብሃንደበት ዝመጸ ኣይኰነን ክብል የመላኽት።
"እዚ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ናይ ግብረ - ሰናይ ትካላት ዝወረደ ሰበ - ስልጣን እስራኤል ዕቝባ ክህብዎም ብምርግጋጽ እኳ እተ ተኻየደ ኣብ ልዕሊኦም እተፈጸም መጥቃዕቲ ኢዩ ዝነብረ" ክብል ውን ይምስክር ።
ብመሰረት ካሪታስ ዝሃቦ መግለጺ እዚ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሞት ናይ ኣገልገልቲ ግብረ - ሰናይ "በቲ ብፖለቲካዊ ቐዳምነት ዝወሃቦ ነገራት እናተጸልወ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ግብረ - ሰናይ ስርዓት ተጋዲዱ ኢዩ ዘሎ ። "
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ንእስራኤል ቀጻሊ ወተሃደራዊ ደገፍ ከም ዝህባ ዝሕብር ኢዩ፣ ኮይኑ ግና "ነቲ ብቝጽሪ ሞት ሰላማውያን ሰባትን ሰብኣውያን ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልገልትን ምኽንያት ዝኾነ ኣጽዋራትን ከምኡውን ካልእ ዓይነታዊ ደገፋትን ዘጠቓልል ኢዩ ። "
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኵሎም ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ንኣባላት ሃገራት ኣጽዋር ናብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ምስዳድ ቁጽጽር ከካይዳን ከምኡውን ሃገራት ነቲ ዘሎ ገደብ ኣጽዋር ከይሰግራ ወይ ኣብ መዓላ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጐድእ ነገራት ከይጥቀማሉ ውዕል ው. ሕ. ሃ. እኳ እንተፈረማ ምንም ለውጢ ክርአ ኣይተካእለን።
ዝሓለፈ ሰኑይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከም ዘረጋገጾ ገለ ኻብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ዓበይቲ ሰደድቲ ኣጽዋር ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣጽዋር ብምምሕልላፍ ነዚ ውዕላት ብጋህዲ ዕሽሽ ይብልዎ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ቃዛ እውን ሓዊስካ ኣብ ዞባታት ግጭታት ዕንወት ኣስዒቡ ኣሎ።
ካሪታስ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ኽድግፉ ተማሕጸንን
ስለዚ መርበብ ማሕበራት ግብረ - ሰናይ ካቶሊክ ንእተወሰኑ ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ወተሃደራዊ ደገፍ ክቑጠቡን ነቶም ነዚ ውዕላት ዝጥሕስዎ ተዋሳእቲ ብምርሓቕ "ከም ስርዓታውያን ተዋሳእቲ ግብረ - ሰናይ መጠን ዘለዎም ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት ከኽብሩን ኣብ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ኸይተሓላለኹን" ተማሕጸኖም ።
ካሪታስ ኣስዕብ ኣቢሉ ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ናይ እሽጢ ሃገር ግብረ - ሰናይ ሰራሕተኛታት ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ትዝክር ። ብ2024 ዝወጸ ጸብጻብ ሰብኣዊ ረድኤትን ዓለም ለኻዊ ማሕበር ምትሕብባርን ናይ ጸጥታ ፎረም ከም ዚሕብሮ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመት ቍጽሪ እቶም ብሃገራውን ከባቢኣውን ውድባት ዝሞቱ ሰባት ብቐጻሊ እና ወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ብ2022 ከኣ ካብ ኣህጉራውያን ውድባት ቁጽሪ ዝሞቱ ዛዪዱ ይርከብ ኣሎ።
ንሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ኣገልገልቲ ንምዕቋብ ውጽኢታዊ ስጕምትታት ምውሳድ ኣድላዪ ኢዩ
ይኹን እምበር ሞት ናይቶም ብቐጥታ ኣብ ኣህጉራውያን ወለንተይናታት ውድባት ብቐጥታ ዝሰርሑ ወይ ሃገራዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ኣገልግሎታ ዝዓዩ ካብ ናይ ኣህጉራውያን ሰራሕተኛታት ግብረ - ሰናይ ኣጸቢቖም ዝውሕዱ ኢዮም ።
ስለዚ ካሪታስ ኢንተርናሽናልስ ንድሕንነቶም ንምርግጋጽ ውጽኢታዊ ስጕምትታት ክውሰድ ከምኡውን ዝያዳ ገንዘባዊ ሓገዝ ኽወሃቦም ነቶም ኣብ ዕዮኦም ዝቕተሉ ዘልዉ ተሓታትነት ክግበረሎም ከምኡውን "ንዅነታት ናይ ውሽጢ ዓዲ ሰራሕተኛታት ግብረ - ሰናይ ዝያዳ መራኸቢ ብዙሓንን ፖለቲካዊ ኣቓልቦን ክግበረሎም" ጻውዒት ኣቕረቡ ።
"በዚ ኸምዚ ነቶም ህይወቶም ወፍዮም ኣብ ማሕበረሰቦም ዘገልግሉ ዘለዉ ንምሕጋዝ ተዋፊሮም ዘለዉ ክንጣበቐሎም ንኽእል ኢና" ዝብል መደምደምታ በጽሑ።
ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ
ገለ ኻብቲ ሰብኣዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ኣገልግሎት ኣብዚ ዓመት እዚ ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፈሉሉ ወሳኒ መዳያት እተን ብውግእ ዝዓነዋ ምብራቓዊ ኣውራጃታት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኢየን፣ ኣባኡ ድማ ሽዱሽተ ናይ ግብረ-ሰናይ ሰራሕተኛታት ተቐቲሎም፣ ካብ ወርሒ ጥሪ ኽሳዕ ወርሒ ሰነ ናይዛ ዓመት እዚኣ ድማ 11 ሰባት ጨውዮም ልዕሊ 200 ዝዀኑ ድማ ብቐጥታ ኣብ ወፍሪ ግብረ-ሰናይ እንከለዉ መጥቃዕቲ ወሪድዎም ይርከብ ኣሎ።
ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብሩኖ ለማርኲስ ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ኣገልግሎታት ትማሊ ሰኑይ ነዛ ዕለት ንምዝካር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ "እዚ ቕትለትን መከራን እዚ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ብዘየገድስ ዓለም ኣብዚ ዕንወት ዝመልኦ ዅነታት እኹል ቍጥዓ ኣየርኣየትን " ብምባል ጓሂኡ ገለጸ ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ኣህጉራውን ውድባትን ነቶም በዚ ቕልውላው እዚ እተጐድኡ ሰባት ኣድላዪ ረድኤት ንምሃብ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ተበግሶ ይገብራ እኳ እንተ ሃለዋ እቲ ን2024 እተገብረ መደብ ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሰናይ ምላሽ ግን ክሳዕ ሎሚ 35 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ዚምወል ዘሎ ፣ እዚ ኸኣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዚቝጸሩ መሳኪን ሰባት ይተርፉ ኸም ዘለዉን ዝያዳ ወፈያ ኺግበረሎም ከም ዚሓትትን ዚሕብር እዩ ።
ስጕምቲ ኺውሰዱ ጻውዒት ምቕራብ
ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሰናይ መዓልቲ (WHD) ካብቲ ኣብ ባቅዳድ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ካናል እተፈጸመ ቦምብዊ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ዓመት ጸኒሑ ኢዩ ተኣዊጁ፣ ኣብቲ ሆቴል ብ2003 22 ሰራሕተኛታት ግብረ-ሰናይ ተቐትሉ ካብዚኣቶም ከኣ እቲ ፍሉይ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዋና ጸሓፊ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዒራቕን ዝነበረ ሰርጆ ቪያራ ደ ሜሎን ኢዮም ዝርከብዎም ዝንበሩ።
ፍረ ነገር ናይዚ ሎም ዓመት ዝዝከር ዘሎ ዕለት እዚ "ሰብኣዊ ተግባር" ዝብል ኰይኑ ስጕምቲ ንኽውሰድ ጻውዒት ዘቕርብ ኢዩ።
"ሰላማውያን ሰባትን ሰራሕተኛታት ግብረ-ሰናይን ካብ ዓመጻ ንምዕቋብ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና፣ ነቶም ገበነኛታት ኣብ ልዕሊ ናይ ግብረ - ሰናይ ሰራሕተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ዓመጽ ዝፈጸሙ ኣብ ምቕጻዕ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና " በሉ ። "ንሰላማውያን ሰባትን ኣገልገልቲ ሰብኣዊ ናይ ግበረ ሰናይ ኣገልግሎታትን እንተ ዘየዕቊብና መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣይንድግፍን ኢና፣ ነቶም ኣብ ጭንቂ ዘለዉ ሰባት ከኣ እንህቦም ተስፋ የብልና ማለት ኢዩ።"