ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Messa di Requiem per soli, coro e orchestra [ Scritto per la morte di Bellini; prima esec. Bergamo 1870 ]
መርሓ ግብሪ ፈነወ
2024.08.07 Singapore preparations Pope Francis 2024.08.07 Singapore preparations Pope Francis 

ኣብ ሲንጋፖር ንምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምድላዋት ይካየድ ኣሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ሲንጋፖር ዝበጽሑሉ መዓልታ ኣብ ዝቃረበሉ ዘሎ ካብ እተፈላለያ ኮሚተታት ዝመጹ ወለንተኛታት ሓደ ኻብቲ ኣብታ ኸተማ እተራእየ ዝዓበየ ሃይማኖታዊ ፍጻመታት ንምስንዳው ይዳለዉ ስለ ዘለዉ ርእሰ ሰበኻታት እታ ሃገር ነቲ ምብጻሕ ሰፊሕ ምድላዋት ተካይድ ኣላ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ወግዓዊ መርበብ ሓበሬት ዜና ሲንጋፖር ከም ዝገለጾ ካቶሊካዊ ርእሰ ሰበኻታት ሲንጋፖር ነቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ ሲንጋፖር 2024 መዘከርታታት ናይ ዝኸውን ንጥፈታት ጸብጻብ ኣውጽአ ።

እዚ ድማ ካምቻታት ጽላል ቆብዕ ብራሾ ማይ. . . ወዘተ ከምኡውን እተወሰነ ነቲ ምብጽሕ ዘገልግል ጸሎታት ዝሓዘ ሕታም ንኡስ መጽሕፍ ጸልት እዩ። እዚ ኣቕሑ እዚ ብኢንተርነትን ኣብ ሰለስተ እተፈላለዩ ድኳናትን ተዘርጊሑ ይርከብ ኣሎ።

እቶም ካብ ቍምስናታትን ካቶሊካውያን ኣብያተ-ትምህርቲ  ዝመጹ 1,600 ዘመርቲ ዝሓቘፈ ጉጅለ መዛሙራን ጳጳሳዊ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዕለት 5 ሓምለ ልምምድ ከካይድ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ እተፈላለየ ክፍልታት እታ ሃገር ካብ ዚውክላ ሽዱሽተ ቁምስናታት ውን ልምምዳት የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዚግበር ናይ መወዳእታ ልምምድ ድማ እዞም 1,800 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ መዘምራንን ሙዚቀይናታትን ብሕብረት ልምምዳት ከካይዱ ኢዩም።

እቲ ኮሚተ ሃገራዊ ናይ ስፖርት ሜዳታት ነቲ ሃገራዊ ናይ ስፖርት ሜዳ ንጳጳሳዊ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምስንዳው ብዕለት 21 ሓምለ ኣኼባ ከም ዘካየደ ውን ተፍሊቱ ኣሎ ። እቲ ኣኼባ እቲ ኣኼባ ብዘይ ጸገም ምእንቲ ኺካየድ ኣኽበርቲ ጸጥታን ቍጽጽር ትራፊክን ከምኡውን ጕጅለታት ሕክምና ኣብ ምውዳብ ዘተኰረ ኢዩ ዝነብረ ።

ኮሚተ መራኸቢ ብዙሓንን ካብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ሓበሬታ ክዝርግሕ ይርከብ ኣሎ።

እዛ ጕጅለ እዚኣ ንህዝቢ ምእንቲ ከተሓባብሩን ነቲ ምድላዋት ምእንቲ ክዝግቡን ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መራኸቢታት ዝሰርሑ ጸሓፍትን ኣዳለውቲ ቪድዮን ኣሰናዳእቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓንን ዝሓቘፈት ኢያ ።

ኮሚተ ትኬት ንጕዳያት ምዝገባ ዘሳልጡን ንሥርዓት ምስረታ ጉጅለ ኣኽበርቲ ጸጥታ ዘተሃባብሩን ኢዮም።

ካብ ዕለት 22-26 ሓምለ ኣትሒዛ እዛ ጕጅለ ናብ ሓሙሽተ ቁምስናታት ምብጽሕ ብምክያድ ምእመናን  ኣብና በቲ ካቶሊካዊ ካርድ ምዝገባኦም ኣቦሞም ኣብቲ መደብ ንምዝስታፍ ከተሓባብሩ ይርከቡ ኣለዉ።

08 Aug 2024, 18:06
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031