ድለ

Cookie Policy
The portal Vatican News uses technical or similar cookies to make navigation easier and guarantee the use of the services. Furthermore, technical and analysis cookies from third parties may be used. If you want to know more click here. By closing this banner you consent to the use of cookies.
I AGREE
Requiem in Re minore, per coro maschile e orchestra
መርሓ ግብሪ ፈነወ
NICARAGUA-CHURCH/BISHOP NICARAGUA-CHURCH/BISHOP 

ሓለቓ ናይቲ ኣብ ኒከራግዋ ዝርከብ ዘርኣ ክህነት ማታጋልፓ ተኣሲሮም

ሰበ-ስልጣን ሃገረ ኒከራግዋ ነቶም ቆሞስ ናይ ደብረ ማርያም ጓዳሉፐን ሓለቓ ዘርኣ ክህነት ማታጋልፓን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእትዮም ይርከቡ። ብመሰረት እቲ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ውድባትን እተረኽበ ሓበሬታ፣ ክቡር ኣባ ያርቪን ቶረዝ ካብ ዕለት 5 ነሓሰ ጀሚሮም ኣብ ቤት ማእስርቲ ይርከቡ ኣለዉ፣ ከምኡ ውን ካብ ምእመናን ኣገልጋሊት ቤተክርስቲያን ካብ ቍምስና ሴባኮ ዝኾነት ለስብያ ራዮ ባልማሴዳ ከም እተኣስተረት ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሰበ ስልጣን ኒከራግዋ ብዕለት 5 ነሓሰ ካልእ ካህን ካብ ሰበኻ ማታጋልፓ ኣሲሮም ይርከቡ። እቲ ኣብ ኣውራጃ ጓኑካ ማታጋልፓ ናይ ዘርኣ ክህነት ቅዱስ ሉዊስ ጎንዛጋ ሓለቓን ቆመስ ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐን ዝኾኑ ክቡር ኣባ ያርቪን ቶረዝ ብመሰረት እቲ ምእመናንን ንመራኸቢ ብዙሓንን ዝሃብዎ ጸብጻብ ከም ዝተኣስሩ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብታ "ላ ፕረንሳ " ዝተሰምየት ሃገራዊት ዕለታዊት ጋዜጣ ከም እተጠቕሰ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ውድባትን ነዚ ማእስርቲ ናይዞም ኻህን ኰነንዎ ። ኣብ ቁምስና ሴባኮውን ሓንቲ ለስሊ ሬዮ ባልማሴዳ እትበሃል ካብ ምእመናን ከም እተኣስረት ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ኒከራግዋ ድሮ 13 ኣቕሽሽቲ ኣብ ሓደ ሰሙን ተኣሲሮም ኣለዉ ። መብዛሕትኦም ካብሰበ - ስልጣን ማታጋልፓ ኢዮም፣ ብፁዕ ኣቡን ሮላንዶ ኣልቫረዝ ድማ ብዕለት 14 ጥሪ ኣብ ተሓዪር ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2023 ሪፓብሊዊት ሃገረ ኒከራግዋ ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣብታ ሃገር ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ኣብያተ - ጽሕፈታቶም ክዓጽውዎ መሕትት ኣቕረበት እንተዀነ ግን ርክባቶም ምሉእ ብምሉእ ኣየቋረጹን ።

07 Aug 2024, 18:10
Prev
April 2025
SuMoTuWeThFrSa
  12345
6789101112
13141516171819
20212223242526
27282930   
Next
May 2025
SuMoTuWeThFrSa
    123
45678910
11121314151617
18192021222324
25262728293031