ድለ

FILE PHOTO - Displaced people from minority Yazidi sect, fleeing violence from forces loyal to Islamic State in Sinjar town, walk towards Syrian border, on outskirts of Sinjar mountain FILE PHOTO - Displaced people from minority Yazidi sect, fleeing violence from forces loyal to Islamic State in Sinjar town, walk towards Syrian border, on outskirts of Sinjar mountain 

ካርዲናል ሳኮ፦ ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ እቲ ብ2014 ኣብ ዒራቕ ዘጋጠመ ዜሕዝን ፍጻመ ይዝክሩ

ናይ ባቅዳድ ፓትርያርክ ለለዳውያን ኣብ መበል 10 ዓመት ናይቲ እሳላማዊ መንግስቲ ንዒራቕ እተቘጻጸረሉ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ናብ ምእመናን ንክርስትናን እስልምናንን ኣይሁድን መራሕቲ ሃይማኖትን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ፣ ኣባኡ ድማ ኣንጻር ጥሩፍነትን ጽልእን እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምኽንያት ቀጻሊ ውግኣት ዝኸውን ዘሎ ድምጾም ኣልዒሎም ብሕብረት ክቃለስዎ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዒራቕ መበል 10 ዓመት ናይቲ ብጕጅለ እስላም ዝበሃል ጃምላዊ ቕትለት ያዚዲ ከምኡውን እቲ ስዒቡ ዝመጸ ዘሕዝን ክርስትያናት ካብ ዒራቕ ክወጹ ኸለዉ ኣብ ባግዳድ ዝነብር ካርዲናል ሉዊ ራፋኤል ሳኮ ንመራሕቲ ክርስትናን እስላምን ኣይሁድን ኣንጻር እቶም ንብምሉኡ ማእከላይ ምብራቕ ዘስግኡ "ጽልእን ጥሩፍነትን" ዘጐሃህሩ ሰባት "ሓቢሮም ደው ክብሉ" ተማሕጺንዎም ኢዩ።

እቲ ናይ ከልዳውያን ፓትርያርክ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ "ድምጾም ዓው ከብሉ ኣለዎም" በለ።

እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፈጸሞ ስደትን ሕልቂትን

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ 2014 እቲ ንገዛእ ርእሱ እሳላምዊ መንግስቲ ክብል ዝሰየመ መንግስቲ ዒራቕን ሶርያን ኣብ ክልቲአን ሃገራት ንውሑዳን ሃይማኖት ዓሌታዊን ቀቢላውን ምጽራይ ንምግባር ጃምላዊ ቅትለት ኣበገሰ።

ወተሃደራት እዚ እስላማዊ መንግስቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ማእከል ሲንጃር ያዚዲ መጥቃዕቲ ድሕቲ ምፍናዎም ሰብኡት ብምቕታል ንኣንስትን ቈልዑን ጨውዮም ባሮት ገበርዎም ከምኡውን ኣባይትን ንግድን ኣዕነዉ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ቀተሉ ።

ልዕሊ 3,000 ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ያዚዲ ውን ብጃምላዊ ቅትለት ተቐትሉ ፣ እንተ ወሓደ 6,800 ዚዀኑ ኸኣ መብዛሕትኦም ኣንስትን ቈልዑን ተጨውዮም ንባርነት ተወስዱ ።

ብድሕርዚ ብዕለት 6 ነሓሰ ምሸት እዚ እስላማዊ መንግስቲ ደድሕሪ ዒራቓውያን ክርስትያናት ብምኻድ 120,000 ሰባት ካብ ሞሱልን ጐላጕል ነነዌን ክስደዱ ኣገደደ ።

ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰባት ብፍርህን ተስፋ ምቝራጽን ይሳቐዩ ምህላዎም

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ሳኮ "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ክሳዕ ሕጂ ብፍርህን ተስፋ ምቝራጽን ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ" በሉ።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝነብሩሉ ኣባይትን መሰረታዊ መዋቕርን ዘዕኑ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ገለ ነገር እንተ ዘይገብረ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ሰባት "ኣብ ሓደገኛ ዅነታት" ክወድቁ ምዃኖም ኣጠንቀቝ።

"ኵሉ ሰብ ኣንጻር ውግእ ከም ዝዀኑ እዩ ዝዛረብ፣ ግናኸ ኣጽዋር ይዕጠቑን ይዋግኡን እዮም ዘለዉ።"

ኣብ ውግእ ኵሉ ሰብ ኢዩ ዝሰዓር

ብመሰረት እዞም ናይ ከልዳውያን ፓትርያርክ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "ሎሚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ዘሕዝን ፍጻመታት እንደገና ንኽፍጸም ምእንቲ ኸይንፈቅድ ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ትምህርቲ ኽንመሃር የድልየና ኢዩ፣" ምኽንያቱ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዝብልዎ ዘለዉ “ውግእ ብፍጹም መፍትሔ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ!” ብሓቂ ድማ ኣብ ውግዕ “ኩሉ ሰብኣውነት ኢዩ ዝሰዓር!” በሉ።

"ንእከይ ብሰናይ ብምስናፍ ሰላምን ርግኣትን ንምርካብ ክንሰርሕ ኣሎና፣ ንውግእ ድማ ብዝርርብን ምርዳእን ክንስዕሮ ኣሎና፣ እዚ ድማ ንመሰላት ሰባት ንምኽባር ርእሰ-ውሳነ ምግባርን ከምኡውን ንዓለምለኻዊ ሕጊ ምኽባር ዝሓትት ኢዩ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

"ሰባት ኣብ ፍርህን ተስፋ ቝርጸትን ይጥሕሉ ኣለዉ። ኣምላኽ ብህይወት ክንነብር ደኣ እምበር ብኸምዚ ዓይነት ጸበባ ክንመውት ኣይኮነን ፈጢሩና፣ ብሰላምን ብፍቕርን ብሓጐስን ብሓባር ክንነብር ኣሎና።"

መራሕቲ ክርስትናን እስልምናን ኣይሁዳውያንን ብሓባር ደው በሉ

ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ኣይሁድን ኵሎም መራሕቲ ሃይማኖታት እውን እንተ ዀኑ ምስቶም ውግእ ዜለዓዕል ጽልእን ጥሩፍነትን ዜለዓዕሉ ሰባት ብሕብረት ክቃለሱ ኣለዎም።

ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ሳኮ ኣብ መደምደምታ ንዅለን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ቅድሚ ቀቅድምሚ እዛ እትመጽእ ዘላ ዓመተ ኢዮቤል 2025 መሰኻኽር ተስፋ ክኾኑ ጻውዒት ብምቕራብ፣ እቲ ናይዛ ዓመት ኢዮቤል ቀንዲ ፈረ ነገር ተስፋ ምኹኑ ኣጉልሑ።

ንመራሕቲ ሃይምኖት ክርስትናን እስልማናን ናይ ሰላም መሳጊድን ኣብያተ - ክርስትያንን ብምምዳብ ፍሉይ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ከካይዱ እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

12 August 2024, 17:17