ድለ

2024.07.31 Cardinal Malcolm Ranjith Sri Lanka 2024.07.31 Cardinal Malcolm Ranjith Sri Lanka 

ካርዲናል ስሪ ላንካ ነቲ መንግስቲ ኣብ ሓጋግ ሕጊ ዘለዎ ኣትኵሮ ይነቕፉ

ሊቀ-ጳጳሳት ሰበኻ ኮሎምቦ ብፁዕ ካርዲናል ማልከም ራንጂት ነቲ መንግስቲ ስሪ ላንካ ንቅዋሜ ሕጊ ዝህቦ ዘሎ ቐዳምነት ብፍላይ ከኣ ነቲ ንመውስቦ ሓደኣዊ ጾታ ዚድግፍ ወጻኢታት ኣብ ምትእትታው ዘተኰረ ምዃኑ ብግህዶ ነቐፋኦም ኣስምዑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ እተገብረ ሓጺር መግለጺ ብፁዕ ካርዲናል ማልከም ራንጂት መንግስቲ ነቲ ጐዳኢ ዝኾነ ናይ ሕጊ ለውጥታት ዝድግፍ ኣገዳሲ ድሌት ህዝቢ ዕሽሽ ብምባል ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቓሳት ተቓወሙ።

እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ብፍላይ ንኽልተ ግምታት ወጻኢታት ዕላማ ብምግባር፣ እቲ ሓደ ብመራሒ መንግስቲ ፕረምናታ ዶላዋታ ዘቕረቦ ንመውስቦ ሓደኣዊ ጾታ ዚድግፍ ኪኸውን ከሎ እቲ ኻልኣይ ከኣ ምስ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዚተሓሓዝ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንባህላዊ ህንጻታት ስድራ ቤት ኬዳኽም ከም ዚኽእል እዩ ዝእመን።

"እቲ ዶላዋታ ዘቕረበቶ ሕጋዊ እማመ እቲ መንግስቲ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዘውጽኦ ሕግን፣ ኣብ ስሪ ላንካ ኣዝዩ ሓደገኛ ዅነታት ንምፍጣር እተገብረ ጻዕሪ ዘቃልዕ ኢዩ። ንሓዳርን ንናብራ ስድራ ቤትን ንምብልሻው ዚግበር ጻዕሪ ውን ኢዩ። ካርዲናል ራንጂት ከምዚ ይብሉ - "እዚ ጌጋ ኢዩ ኢለ ኢየ ዝኣምን።”

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ሕብረት ኪቕጽል ከም ዘለዎ ብምግላጽ ብዛዕባ መርዓ ዘለዋ ኣቕዋም ውን ኣጉልሑ።

"ኣብ መንጎ ኽልተ ሰብኡት ወይ ክልተ ኣንስቲ መርዓ ክፍጽሙ ኣይከዓልን ኢዩ። ስድራ ቤት መሰረት ሕብረተሰብ ኢያ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ከኣ ነዚ ሓቂ ምዃኑ ኢዩ ዝኣምን ። መሰረት ስድራ ቤት ኪፈርስ እንተ ፈቒድና ነታ ሃገር ናብ ጥፍኣት ኢና እንመርሓ ዘሎና ። ነዚ ኽንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና" ድማ በሉ።

ካርዲናል ራንጂት መሰላት እቶም ናይ ሓደ ዓይነት ጾታ ዝንባለ ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃቡሉ፣ ንመውስቦ ሓደ ዓይነት ጾታ ሕጋዊ ምግባር ዘይግቡእ ስጕምቲ ምዃኑ ብምግላጽ ይቃወሙ።

"መሰላቶም ክንሕሉ ኢና። ከም ካልኦት ሰባት ኣብ ሕብረተሰብ ማዕረ ዕድላት ኪረኽቡ ኸም ዘለዎም ንኣምን ኢና ። እንተዀነ ግን ነዚ ኣብ ሕጊ ምእታውን ንዝዀነ ይኹን ውልቀ-ሰብ ናጻ ምርጫ ምግባርን ከም እምነትና ጌጋ ኢዩ" በሉ።

ብመሰረት እቲ ኒውስዊር ዝተሰምየ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ መግለጺ፣ ብፁዕ ካርዲናል ራንጂት ብዛዕባ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ ዚድግፍ እኳ እንተ ዀነ ንምንጻል ጥንሲ ዜፍቅድ መሰናድዎታት ግና ከም ዚጻረር ብምግላጽ ኣቕዋም ቤተ ክርስትያን ኣነጸሩ  ።

"ብዛዕባ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዋላ ሓንቲ ጕዳይ የብልናን። ንድግፎ ኢና ። ኣብ ትሕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ግና ከም ምንጻል ጥንሲ ዝኣመሰለ ነገራት ክንፈቅድ ኣይንኽእልን ኢና። ህይወት ነፍሲ ወከፍ ዕሼል ኣገዳሲት እዩ ። ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ውህበት ኣምላኽ ኢዩ፣ ብኣና እውን ተቐባልነት ክረክብ ኣለዎ" በሉ።

ካርዲናል ራንጂት እዚ ናይ ሓጋጊ ኣካል ተበግሶታት እዚ በቲ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘሎ ተመሳሳሊ ኣንፈት ብምሕብር ከምኡውን ወጻእተኛታት ዲፕሎማስን ፖለቲከኛታትን ነዚ ምኽንያታት እዚ ኣብ ምድጋፍ ዘለዎም ተሳትፎ ብምጕላሕ፣ ብዓለምለኻዊ ጸቕጥታት ክጽሎ ከም ዝኽእል ሓሳባቶም ኣቕረቡ ።

 

እዛ ዓንቀጽ ዜና እዚ ፈለማ ኣብ https://www.licas.news/ እዩ ተሓቲሙ ። ኵሉ መሰላት ዘጋቢ ድማ እተሓለወ እዩ ። ብሳልሳይ ኣካል ኣብ ዘይተፈቕደ ሕታመት ክወጽእ ኣይፍቀድን እዩ ።

02 August 2024, 08:49