ድለ

2024.05.08  Logo Viaggio Papa Papua Nuova Guinea, Indonesia, Timor del Est e Singapore 2024.05.08 Logo Viaggio Papa Papua Nuova Guinea, Indonesia, Timor del Est e Singapore 

ቃልሲ ንናጻነት ንካቶሊካዊ እምነት ኣብ ቲሞር-ለስተ ከም እትድልድል ገይርዎ ኣሎ

ካቶሊካዊ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ቲሞር-ለስተ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ፣ እቲ ጭርሖ ናይቲ ፍጻመ ኣብ መንጎ እቲ ሱር ዝሰደደ እምነት ካቶሊካዊ ህዝቢ ምብራቕ ቲሞርን ባህሎምን ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ሽግር ዝመልኦ ታሪኽን ዘሎ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘጕልሕ ምዃኑ ገለጸት።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ብዕለት 12 ጥቅምቲ 1989 ዓ.ም.  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ርሑቕ ምብራቕ ኣብ ዝገበረርዎ ሓዋርይዊ ዑደት ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዲሊ ንሓጺር እዋን ምብጻሕ ካብ ዘካይዱ፣ ናብ ቲሞር-ለስተ ዝኸዱ ዘለዉ ኻልኣይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክኾኑ ኢዮም

ምድላዋት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝጸንሓሉ እዋን ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ቤተክህነትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን መንእሰያትን ክራኸቡን ከምኡ ውን ኣብቲ ቕድሚ 35 ዓመት መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝዓረገሉ ኣብ ርእሰ ከተማ ዲሊ ዝርከብ ህንጻ ታዚ ቶሉ ጳጳሳዊ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክመርሑ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ካብ ስግር ቲሞር-ለስተ ከምኡውን ካብ ጐረባብቲ ኢንዶነዥያን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ልዕሊ 700,000 ዝዀኑ ምእመናን ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ትጽቢት ይግበረሎም ኣሎ።

ኣብታ ዝነኣሰት ሃገር እስያ (ድሕሪ እቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት እተኻየደ ቓልስን ግጭትን ብ2002 ናጽነታ ረኸበት ብ1999 ከኣ ብውድብ ሕብራት ሃገረአት ሪፈረንዱም ዝገብርት) 96% ካብ ሕዝባ ተኸታሊ ካቶሊካዊ እምነት ዝኾነት፣ ንተቕባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተካየዶ ዘላ ምቅርራባት መግለጺ ዘይርከቦ ኢዩ።

ከምቲ  በቶም ሃገራዊ መራሒ መራኸቢ ብዙሓንን ናይ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቲሞር ዝኾኑ ክቡር ኣባ ቤንቶ ፔሬራ ንኣገልግሎት ዜና ፊደስ ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ምድላው ስጋዊ ጥራይ ዘይኰነስ መንፈሳዊ እውን ኢዩ፣ ኣብ ኣብያተ-ክርስትናት ክድገም ዘለዎ ፍሉይ ጸሎት ከምኡውን ብዛዕባ ትምህርትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከምኡውን ብዛዕባ ቐንዲ ፍረ ነገር ማለት ናይቲ “እምነትኩም ባህልኹም ትኹን!” ዝብል ጭርሖ ናይ ዑደት ቅዱስነቶም ውን ትምህርታት ይካየድ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ካቶሊካዊ እምነት ቲሞርን ባህሎምን ታሪኾምን ዘሎ ምትእስሳር

ዓቃቤ መንበር ርእሰ ሰበኻታት ዲሊ ክብር ኣባ ፍራንዝ ግራስያኖ ሳንቶስ ባሮስ እዚ ጭርሖ እዚ ንካቶሊካውያን ቲሞር ምስ ባህላዊ ውርሻኦም ተሰማሚዖም እምነቶም ኪነብሩ ጻውዒት ከም ዝዀነ ንኣገልግሎት ዜና ፊደት ኣመልከቱ ። እዞም ካህን ኣብ መንጎ ካቶሊካዊ እምነቶምን ኣብ መንጎ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ናዕቢ ዝመልኦ ግዝኣት ኢንዶነዥያን ዘሎ ጥብቂ ምትእስሳር ዜዘኻኽር ምዃኑ ውን ገለጹ።

"እምነትና ንነፍሲ ወከፍ ስጕምትና ብመከራን ብተስፋን ኣሰንያቶ ኢያ " ውን በሉ ። "ሎሚ ካብቲ ናጽነቶም ንምሕላው እተገብረ ሪፈረንደም 25 ዓመት ኣቑጺሮም ኣለዉ፣ ንዕዮ እቲ ኣብ ብዙሕ ወሳኒ እዋናት ንኣእምሮን ኣልባብን ሰባት ዘብርሀ ኣምላኽ ኣፍልጦ ብምሃብ ንታሪኽና ብናይ ዕርቂ መንፈስ ክንምርምሮ ንኽእል ኢና።" ውን ክብሉ መስከሩ።

ታሪኽ ናይዛ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ወንጌል እተበሰረት ግዝኣት ፖርቱጋል ነበር ምስታ ኣብቲ ን25 ዓመታት ርእሰ-ውሳነ ንምግባር እተገብረ ቓልሲ ዓብዪ ግደ ዝነበራ ቤተ-ክርስትያን ኣጸቢታ እተኣሳሰረት ኢያ። እዚ ኸኣ ምስቶም ስቓይ ዝወረዶም ህዝቢ ምብራቕ ቲሞር ብምቅርራብን ነቲ ሰራዊት ኢንዶነዥያ ንሰላምን ዕርቅን ክዓዪ ኸሎ ዝፈጸሞ ግፍዒ ብምዅናንን ኢያ ዝገለጸቶ።

ቤተ-ክርስትያን ቲሞር ኣብቲ ቃልሲ ንናጽነት ዚግበረቶ ኣብርክቶ

ስም ናይቶም ቀዳሞት ሓዋርያውያን መስተናብርት ዲሊ ዝነበሩ ጳጳሳት ኣቡነ ማርቲኖ ዳ ኮስታ ሎፐስ፡ ኣቡነ ኣልበርቶ ሪካርዶ ዳ ሲልቫ ከምኡ ውን ኣቡነ ካርሎስ ሺመኔስ ቤሎ ክሳብ ሎሚ ኣብ ተዘክሮታት ሕብዚ ቲሞር ተሓቲሙ ኣሎ። እዚ ተጸምዶኦም ንዓመጽ ዘይብሉ ቓልሲ ንምድጋፍ እተገብረ ቘራጽነት ነቲ ናይ 1996 ናይ ሰላም ሽልማት ኖበል ነቲ ምስ መራሒ ናጽነት ዝነበረ ደሓር ርእሰ ብሔር ዝነበረ ሆሴ ራሞስ ሆርታን ዘካፈልዎ ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ሺመኔስ ቤሎ ተሸለምዎ ።  ኣብቲ ግዜ እቲ ደናግል ካህናት መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ ከምኡ ውን ካልኦት ኣባልት ሰብ ውፉይ ሕይወት ምስቶም ዝሳቐዩ ዝነበሩ ሕዝቢ ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮም ብምግላጽ ወሳኒ ግደ ነይርዎም ኢዩ - "ወትሩ ጥቡቅ ርክብ ነበሮም ንመጻኢና እውን የካፈልዎ ነበሩ። "

95 ሚእታዊት ህዝቢ ቲሞር ካቶሊካውያን እዮም

እዚ ምቅርራብን ደገፍን እዚ ናብ ዓብዪ ምሳኽ ቍጽሪ ምእመናን ካብቶም 1400 ሚልዮን ዝኾኑ ሕዝቢ ቲሞር ሎሚ 95 ሚእታዊት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ክኾኑ ኣኽኢሉ ኣሎ።

እዚ ኸኣ "ኣብ ግዜ ጭቈና እምነት ነቲ ህዝቢ መሰረታዊ ዓንዲ እዩ ዝነበረ" በሉ። "እቶም ህዝቢ ምብራቕ ቲሞር ወንጌል እንኮ መገዲ እንኮ ድሕነት ምዃኑ ብኽፉት ልቢ ተረዲኦምን ኣሚኖምን ብውሽጦም ተቐበልዎ ፣ ናብ ጐይታ ጨዲሮም ኣብኡ ተወከሉ ፣ ጐይታ ድማ ጸሎቶም ሰምዐ " ንሱ "ኣይሓደጎምን ናብታ ተስፋ ዝገብሩላ ዝነበሩ ምድሪ እውን መርሕም ። "

02 August 2024, 16:38