ድለ

2023.04.23 ካርዲናል ማክኤልሮይ፡ ትካል ዘይጎነጻዊ ፓክስ ክርስቲ ናብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትናን ዝድርኽ እዩ 2023.04.23 ካርዲናል ማክኤልሮይ፡ ትካል ዘይጎነጻዊ ፓክስ ክርስቲ ናብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትናን ዝድርኽ እዩ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ካርዲናል ማክኤልሮይ፡ ትካል ዘይጎነጻዊ ፓክስ ክርስቲ ናብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትናን ዝድርኽ እዩ

ምንቅስቓስ ሰላመ ክርስቶስ ሓድሽ ንዘይጎነጻውነት ዘማእከለ ተቕዋም ንኸመርቕ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ ካርዲናል ሮበርት ማክኤልሮይ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ምስ ወንጌል ዝጻረር ምዃኑን፡ ክርስትያናት ኣብ ዝተወሰኑ ክፋላት ዓለም ንዝፍጠር ግርጭታት ዘለና ዑረት ክንስዕሮ ኣለና ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ኣብ መበል 4 ዘመን ንስነ - ምግባራዊ መሰረት ዘንበረሉ ግዜ ኣትሒዙ ክርስትያናት ምስቲ “ፍትሓዊ ውግእ” ዝብል ኣምር ብዙሕ ክቃለሱ ጸኒሖም እዮም።

ካርዲናል ሮበርት ማክኤልሮይ ሊቀ ጳጳሳት ሳንዲያጎ እቲ ክልሰ - ሓሳብ ፍትሓዊ ውግእ ምስ መልእኽቲ ወንጌል ፈጺሙ ከምዘይሰማማዕ ኣነጺሮም፡ እቲ ክልሰ - ሓሳብ ብግብራዊ መዳይ “ግብረ ገባዊ” ይኹን ብዘየገድስ ጸረ ወንጌል እዩ፡ ካርዲናል ሜክኤልሮይ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣስዒቦም፥ “ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን፣ ፍትሓዊ ክልሰ - ሓሳባት ውግእ ኣብ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካልኣዊ ባእታ እዩ፤ እቲ ቀዳማይ፡ ፈጺምና ኣብ ውግእ ክንጽመድ የብልናን” ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ብዙሕ ግዜ ሰባት ነቲ ፍትሓዊ ክልሰ-ሓሳብ ኲናትን ብድሕሪኡ ዘሎ ትውፊትን ከም መመኽነይታ ኲናት ተጠቒሞምሉ እዮም እዚ ብመሰረቱ “ዓቢ ጸገም እዩ” ኢሎም።

ዓመጽ ኩሉ ግዜ ምስ ወንጌል ዝጻረር እዩ

ሰላመ ክርስቶስ ኣተሰምየ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሰላም፡ ዕለት 29 መስከረም ኣብ ሮማ ሓድሽ ዘይጎነጻዊ  ካቶሊካዊ ትካል ከመርቕ እዩ፡ ኣብዚ መደብ ምረቓ ድማ ካርዲናል ማክኤልሮይ ክሳተፉ ከም ዝኾኑ ገሊጾም፥ ናብ ተልእኾ ናይቲ ሓድሽ ትካል እናጠመቱ፡ ዓመጽ ኣዝዩ ብልሓት ዝመልኦ ቃል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ምኽንያቱ ኣብ ዓለም ዝተፈላለየ ዓይነት ዓመጽ ኣሎ፡ እዚ ኩሉ ድማ “ምስ መንገዲ ወንጌል ዝጻረር እዩ። ትካል ዘይጎነጻውነት ኣብቲ ብዙሕ ግጭታት፡ ውግኣት ሓድሕድን ኣብ ዶባት ሰጊሩ ዝካየድ ውግኣትን ከተኩር ዘይጎነጻዊ ባህሊ ኣብ ምስፋሕ ክጽዕር ምዃኑ ገሊጾም፥

"ቤተክርስትያን ነዞም እናተፈናጀሩ ዝካየዱ ዘለዎ ግርጭታት ንምፍታሕ ኣማራጺ መገድታት ንምርካብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምስክር ክትከውን ኣገዳሲ'ዩ . . .  ህንጸት ሰላም ካብ ምዝዛም ግጭታት ኣዝዩ ዝሰፍሐ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ . . . ስለዚ ሰላም ውግእ ዘይምህላው ጥራይ ዘይኰነስ ዘይምህላዉ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ እዩ። ግጭት ምውጋድ ከኣ ምስ ባእታታት ወንጌል ዓብዪ ስኒት ከም ዚህልወካ ይገብር ንሰብኣዊ ስብእና ከም እትከናኸን ከምኡውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓድነት ከም ዚህልወካ ይገብር . . . እዚ ዝሰፍሐ ኣርእስትታት እዚ ከም ክፍሊ ህንጸት ሰላም ኣድላዪ ኢዩ እንተዀነ ግን ናብቲ መሰረት ዘንብር ማእከል ናይ ካቶሊክ ቲዮሎጊያ ዛዕባ ውግእን ሰላምን ዘይጎነጻዊ ምንቅስቓስ ዝመርሕ እዩ።

ኪኖ ካቶሊካዊ እምነት

ውጽኢት ዘይጎነጽ ንጹርን ብዕምቆት ዝተጽንዐን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብንጡፍ ዘይጎነጻውነት ዝምስረት ሰላም ካብቲ ኣብ ግጭት “ብዓወት” ዝረጋገጽ ዝኾነ ይኹን ነገር ኣዝዩ ዝያዳ ድልዱል ምዃኑ ገሊጾም። “ዘይጎነጻዊ” ዝብል ቃል ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣዝዩ ዝሓልፍ ኮይኑ፡ ብእንግሊዝይና ብማሃትማ ጋንዲ ዝተማህዘ ኮይኑ፡ ንሱ ነታ ን5000 ዓመት ዝገበረት ናይ ጽሑፋት ቃል ኣሂምሳ (ትርጉሙ ድማ "ዘይጎድእ" "ዘይጎነጽ" " ከምኡ’ውን “ጉድኣት ምፍጻም ብምእባዩ ዝፍኖ ሓይሊ ዝብል ዩ”)። ክልቲኦም ካቶሊካውያን ዘይኮኑ ጋንዲን ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንየር፡ ንዘይጎነጻዊ ድፍኢት ፈለምቲ እዮም ነይሮም።

ካርዲናል ማክኤልሮይ ኣብ መላእ ዓለም ዘይጎነጻዊ ኣምርን ተግባርን ንምዝርጋሕ “ካብ ካቶሊካዊ ዓለም ኣዝዩ ርሒቑ ኣብ ዝተፈላለየ ትካላትውን ባህላውን መዳያት እውን ምድላዋት ዝግበረሉን ድሮ ዝፍጸም ዘሎ ዘተን እዩ” ኢሎም። ግን፡ “ኣህጉራዊ ስርዓታት ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ምእንቲ ክስዕብን ክሕብሕብን፡ ከመይ ጌርና ኢና ብጭቡጥ ነቲ ዘተ ዝያዳ ከነስፍሖ እንኽእል?”

ንዓለም ዝኸውን ኢንስቲትዩት

ሰላመ ክርስቶስ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ዘይጎነጻዊ ትካል ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ወከልቲ ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ኣባላቱ ካብ ከም ደቡብ ሱዳንን ፍልስጤምን ዝኣመሰላ ብግጭት ዝተሃስያ ሃገራት ክሳብ ከም ኣመሪካ ዝኣመሰላ “ዓበይቲ ሓያላት” ዝበሃላ ሃገራት ዝመጹ እዮም።

ካርዲናል ማክኤልሮይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኣብ ጎኒ ካርዲናል ደቡብ ሱዳን ኮፍ ኢሎም ከምዝነበሩ ይዝክሩ።

“እዚ ብዙሕ ዓመጽ ዘለዎ ኣዝዩ ዘሕዝን እዋን እናሓሰቡ፥ እቲ እንኮ መገዲ ሓቀይና ሰላም ንምህናጽን ነቲ ሕብረተሰብ ካብ ጸገማት ንምውጻእን ንምሕጋዝን፡ ነቲ ዑደት ዓመጽ ካብ ምምጋብ ምውጋድ ምዃኑ ኣብ ዕላላትና ንጹር ይመስል። ኣብ ዕላል ጥራሕ ንኸይተርፍ ባህሊ ኮይኑ ክሰፍሕ መታን ናይ ኩላትና ጻዕሪ ይሓትት።

ኣብነታት ዓመጽን ውግኣትን ፈጺሞም ኣይሰኣኑን እዮም ዝበሉ ካርዲናል ማክኤልሮይ ኣስዒቦም፡ ኣብ ገለ ክፋል ደቡባዊ ዓለም ዝፍጸም ውሽጣዊ ግጭታት ኣናሓሰቡ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ዝርከቡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኮነ ኢሎም ዕሽሽ ድማ ይብልዎ እዚ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ።

"እቲ ትካል ዘይጎነጻዊ ምትእስሳር፡ ዘካይዶ ዘተን ምብጻሕን ኣዝዩ ሰፊሕ ብምዃኑ፡ ክንየው ኩነታትና ከነብል ዝድርኸና ክኸውን እዩ . . . ሓደ ማዕቅን ናይቲ ሓድሽ ትካል ብልክዕ ኣብ ዓለም እንታይ ይፍጸም ከምዘሎ ምርዳእ ዝብል እዩ፣ ምእንቲ ዝተፈላለዩ ግጭታትን ውጥረታት ንፍታሕ ሜላታት ንምምዕባል ዝድግፍ እዩ። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ቤተ ክርስቲያን ሓልዮታን ኣቓልቦኣን ናብ ወሰናስን ክትዝርግሕ ኣለዋ ዝብልዎ።

“ናይ ምስክርነት ሓይሊ’ዩ፣ ንሰባት ናብ ምትሕግጋዝ ንምጽዋዕን በዚ ድማ ንዓመጽ ናይ ምስዓርን ሓይሊ’ዩ” ይብሉ ካርዲናል ማክኤልሮይ። “ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ኩሉ ግዜ ሰላም ዘብጽሕ እኳ እንተዘይኮነ፡ ከም ካቶሊካውያን፡ ከም ሰባትን ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስን ኣብ ልብን ነፍስን እንገብሮ ክኸውን ይግባእ።”

ዘይምግዳስና ክውዳእ ኣለዎ

ኣስዒቦም ነቲ ካቶሊካዊ ትካል ዘይጎነጻዊ ምትእስሳር ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝደረስዎን ዝለገስዎ ኩላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ መሰረት ብምግባር ክብጻሕ ተስፋ ዝተነብሮ ሓድሽ ኣድማስ ብምኽኻር፥

“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓድሽ ኣገላልጻ ክንሓስብ ኣለና” እንክብሉ ከም ዝመዓድዎ፥ ንሱ ድማ “ብዛዕባ ወሰናስን ዝምልክት ኣእምሮኣዊ ዑረት ኣሎና፡ ገለ ዞባታት ኣገዳስነቶም ዝወሓደ ይመስለና። እዚ መርዚ እዩ ብርግጽ ድማ ምስ ወንጌል ዝጻረር እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

24 September 2024, 16:27