ካርዲናል ጎ፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሲንጋፖር 'ኣባሳደር ፍቕሪ ክርስቶስ' ኢዮም ዝነበሩ

ካርዲናል ዊልያም ጎ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንህዝቢ ሲንጋፖር ዘርኣዮም ቅርበትን ሓልዮትን ዘለዎ ሞሳ ገለጹ፣ ነታ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ከኣ ካብቲ ተግባራዊ እምነት ናይ እስያ ካቶሊካውያን ክትመሃር ዕድመ ኣቕተቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካንር

ብፁዕ ካርዲናል ዊልያም ጎ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ሃገረ ሲንጋፖር ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብምግላጽ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለም መሕትት ኣካዪዶም ። ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ-መሕትት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ሲንጋፖር ዘሕደሮ ጽልዋን ቀንዲ መልእኽትታቱ ከምኡውን ነታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብን ኣድማሳውን ቤተ-ክርስትያን ነባሪ ረብሓታት ክህልዎ ከም ዝኽእል ዘጕልሑ።

ካርዲናል ጎ ኣብ መግለጺኦም ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ መልእኽትታቶም ስኒት ምምዕባልን፣ ተሳትፎ ምድልዳልን ከምኡውን ንቤተ-ክርስትያን ምስጢረ ምሕረት ርሕራሔን ክርስቶስ መጠን ንምግላጽ ዘተኰረ ከም ዝነበረ ኣመልከቱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሳና ምህላዎምን ትምህርትታቶም ነቶም ኣብ ሲንጋፖር ዘለዉ ሰዓብቲ ካቶሊካዊ እምነት ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ሰዓብቲ ካልኦት እምነታት እውን ዘማእከለ ኢዩ ዝነበረ።

ኣብ ሓጺር ግዜ ግን ነባሪ ጽልዋ

ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን እቲ ምብጻሕ ንእምነት እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ  ከም ብሓድሽ ኣሕዲስዎ ኢዩ ፣ እዚ ኸኣ ሓድነትን ምትሕብባርን ከም ዚህልዎም ዝገብር ኢዩ ዝነበረ ። ልዕሊ 5,000 ዝዀኑ ወለንተኛታት ነቲ ብሓባር ዝገበርዎ ጻዕርን ውዕዉዕ ስምዒትን ብምጕላሕ ከኣ ኣብቲ ጉባኤታቶም ከም ዝተኻፈሉ ኣመልከቱ። ውዒሉ ሓዲሩ ካርዲናል ጎ እዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ ሲንጋፖር ድልድልን ህያውን ወጌላዊ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ከም ዘተባብዕ እዚ ድማ ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት ማሕበረሰብ ዝያዳ ከኣ ተሳትፎን ውህደትን ከም ዘማዕብል ዘለዎም እምንቶ ገልጹ።

ሃይማኖታዊ ስኒትን ዓለምለኻዊ ርክባትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተን ሓባራዊ ኣኽብሮትን ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ኢዩ ዝነበረ ። ንኻልኦት ሃይማኖታት ዘለዎ ሰፊሕ ኣቀራርባን ኣኽብሮትን ኣብ መንጎ እቲ ቅድስቲ መንበርን ኣብ መንጎ እተፈላለያ ሃገራት እስያን ዘሎ ርክብ ውን ከመሓይሽ ዝኽእል ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ከም ምሕረት ርሕራሐ ከምኡውን ሓባራዊ ዘተ ዝኣመሰለ ኣድማሳዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ምጕልሖም ምስ መንግስትን ማሕበረሰብን ዝሰማማዕ ኢዩ፣ ሰላምን ስኒትን ድማ ዘደንፍዕ ኢዩ ዝነበረ።

ኣበርክቶ ቤተ- ክርስትያን እስያ

ካርዲናል ጎ ኣብታ ምስ ኣምላኽ ምርኻብን ካብ ልቢ ዝመነጨወ ተግባራዊ እምነት ዝተንጸባረቐላ እስያ ሰፍሓት እምነት ከም ዝተራእየ ውን ኣጕልሑ። ነታ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ካብዚ ኣቀራርባ እዚ ኽትመሃር ንኣእምሮኣዊ ፍልጠት ከኣ ምስ ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ተመክሮታት ሚዛናዊ ብዝኾነ መንገዲ ካብዛ ናይ እስያ ቤተክርስቲያን ኽትመሃር ተማሕጸኑ። ምዕራባዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ምእመናን ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ንምድልዳል ዝያዳ ተወፋይነት ዘለዎ ልምድታት ብምትእትታው ክትጥቀም ከም እትኽእል ብምግላጽ ኣብ እስያ ህቡብ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ኣድላይነት ከም ዘሎ ኣመልከቱ።

ሥርዓተ ሊጡርጊያዊ ጥበብን ህያው እምነትን

ብተወሳኺውን ካርዲናል ጎ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝያዳ ጥበብ ከም ዝህሉ ኣድላዪ ምዃኑን፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ዘለዓዕል ባህላዊ መግለጺ እምነት ከም ዝህሉ ዝገብር ምዃኑ ውን ገለጹ። ኣብ ቅዳሴ ምስታፍ ህይወት ዚህብን ምሉእ ብምሉእ ዘሳትፍን ኪኸውን ከም ዘለዎ ውን ኣጕልሑ፣ እዚ ኸኣ ንምእመናን ኣብ ኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ ምሉእ ብምሉእ ንኺገልጹ ዘኽእሎም ክኸውን ኣለዎ በሉ።

ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ዝገበርዎ ምብጻሕ

ካርዲናል ጎ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ዘሕለፍዎ ብሕታዊ ተመክሮታቶም ውን ኣካፈሉ፣ ቅዱስ ኣቦና ንሕሙማትን ቈልዑን ዘለዎም ኣባታዊ ፍቕርን ድንጋጽን ድማ ኣስተንተኑ ። እቶም ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቡራኬ ክቕበሉ ኣጋጣሚ ዝረኸቡ ምእመናን እተሰምዖም ሓጐስን ሞሳን ውን ኣዘንተዉ ። እቲ ምብጻሕ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ሓድነት ዘደልድል፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድማ ህላወ ክርስቶስ ኣብ መንጐ ሕዝቢ ኣምላክ ከም ዘንጸባረቑ ንዘለዎም እምነት ድማ ዳግም ከም ዘበራበሩ ኣስፊሖም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ሲንጋፖር ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣብ ካልኦት እምነታትን ዓሚቝ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኢዩ። እቲ ብዛዕባ ስኒትን ሓባራዊ ምክብባርን ርሕራሐን  ዚገልጽ መልእኽትታቶም ድማ ነታ ሃገር እምነትን ሓድነትን ከም ዚህልዋ ገይሩ እዩ ። እዚ ምብጻሕ እዚ ኣገዳስነት ሃይማኖታዊ ዘተ ዘጕልሕ ከምኡውን ቤተ-ክርስትያን እስያ ኣብ ኣድማሳዊ እምነት ዝገበረቶ ፍሉይ ኣበርክቶ ዘጕልሕን ኢዩ። ካርዲናል ጎ ዝሃብዎ ሰፊሕ መግለጺ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣብ ሃገረ ሲንጋፖር ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሲንጋፖርን ኣብ ዝሰፍሐ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዘሕደሮ ነባሪ ጽልዋ ዓሚቑ ርድኢት ዝህብ ኢዩ ዝንበረ ።

16 September 2024, 16:04