ዳግመ ህንጸት ካቴድራል ኖተር-ዳም ፓሪስ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ከም ብሓድሽ ኪኽፈት ተዳልዩ ዘሎ ግኑን ካተድራል ፓሪስ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ብሓዊ ዝዓነወ ኖተር-ዳም ደ ፓሪስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ታሪኻዊ ህንጻ ዳግም ንምሕናጽ እተገብረ ሰፊሕ ዕማም ድሕሪ ምዝዛሙ ኢዩ ። እዚ ካተድራል ብዕለት 7 ታሕሳስ 2024 ንህዝቢ ዳግም ከም ብሓድሽ ኪኽፈት እዩ ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ነዚ ብሉጽ ህንጻ እዚ ዳግም ንምምላስ እተገብረ ዜደንቕ ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ዘንጸባርቕ ክኸውን እዩ ።
እቲ ኣዕናዊ ሓዊ
እቲ ብዕለት 15 ሚያዝያ 2019 ኣብዚ ካርሬድራል ፓሪስ ዘጋጠመ ባርዕ ከቢድ ጕድኣት ስለዘውረደሉ ለእለዋእይ ክፍላ ናይቲ ቤተክርስቲያንን ጕልላቱን ድማ ፈረሰ ገለ ኽፋል እቲ ህንጻ ድማ ከቢድ ዕንወት ኣጋተሞ ። ሰቀን ናይቲ እቲ ህንጻ እኳ እንተ ዓነወ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ግን ብቕልጡፍ ተኣኪቡ ዳግም ክህነጽ ውሳኔ ገብረ፣ እዚ ድማ ካብቶም ኣብ 150 ሃገራት ዚርከቡ 340,000 ወፈያተኛታት 846 ሚልዮን ዩሮ ኸም ዝውፈ ተገብረ ።
ኣብ ትሕቲ ምሕደራ መንግስቲ ፈረንሳ ብምዃን ድማ፣ እዚ ቅንኣት ዘሕደረ ሸቶ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ነቲ ካተድራል ዳግም ንምህናጽ ዘኽኣለ ኢዩ ዝነበረ። እዚ ውጥን እዚ ድማ በቲ "ዳግመ ህንጸት ኖተር-ዳም" ዝስመ ህዝባዊ ኩባንያ ዝተመርሐ ኰይኑ ልዕሊ 2,000 ክኢላታትን ሰራሕተኛታትን ብምስታፍ ጥንቃቐ ብዝመልኦ መደብን ምትሕብባርን ኣብ ምዝዛም በጺሑ ይርከብ ኣሎ።
ጕዕዞ ዳግመ ህንጸት
እዚ ሰብኣዊ ዕዮ እዚ ብዓብዪ ምትሕብባርን ተወፋይነትን እዩ ዚግለጽ ። ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሎረን ኡልሪኽ ነቲ ፕሮጀክት ከም "ሓባራዊ ዕዮ" ገይሮም ብምግላጽ፣ ነቲ ሕልፍ ዝበለ ክእለትን ቈራጽነትን ኵሎም እቶም ኣብኡ እተሳተፉ ሰባት ነኣዱ።
እቶም ብ2022 ናብ መንበር ዝደየቡ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኡልሪኽ ዳግም ኣፈደገ እዚ ካቴድራል ንምኽፋት ዘለዎም ሃንቀውታ ውን ገለጹ። ንእሙናን ድማ ነቲ "ዜደንቕ" ዳግመ ህንጸት ካተድራል ብሃንቀውታ ኺጽበዩ ተማሕጸንዎም።
ዝተሓደሰ ካተድራል
ኣብ ካቴድራል ኖተር-ዳም ፓሪስ ብሉጽ ዳግመ ህንጸት ድሕሪ ምክያድ እዚ ቤተክርስቲያን እዚ ድሙቕን ዜደንቕን ሕብርታት ስለ ዚርአ ካብቲ ሕሉፍ ዝነበረ ህንጻ እተፈልየ እዩ ዚመስል። ሊቀ-ጳጳሳት ኡልሪኽ ንምእመናን ኣብ ዝሃብዎ መግለሲ ነቲ ናብ ቀደሙ እተመልሰ ጽባቐ ኸም ውህበት ኣምላኽ ገይሮም ኪርድእዎ ኣተባብዕዎም።
እቲ ፍሉይ ኢደ ጥበባዊ ስርሓት እዚ ህንጻ ኣብቲ ዳግም ዚኽፈት እዋን ኪኽበር እዩ። ሊቀ-ጳጳሳት ኡልሪኽ ነቲ እቶም ሥነ ጥበበኛታት ዚግብኦም ኣኽብሮትን ኣድንቖትን ብምጕላሕ፣ ኣብቲ ዳግመ ህንጻእት ናይዚ ካቴድራል እተጠቕመሉ ልክዕነትን ሜላታትን ብቅዓትን ውን ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ናይ እምነት ተግባር
እዚ ዳግመ ህንጸት እምነትን ቈራጽነትን ዝሓትት "ናይ እምነት ተግባር" ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኡልሪኽ ነቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝወሰደ ኣብ ምዝዛም በጺሑ ዘሎ ዓብዪ ዕማም ከምኡውን ካቴድራል ኖተር-ዳም ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ በጻሕትን ነጋድያንን ብቐጻሊ ኸም ዜነቓቕሖምን ከም ዚቕበሎምን ገለጹ።
እቲ ኸም ብሓድሽ ዚኽፈተሉ በዓል ብሓጐስን ብድሙቕ ክብርን ኪብዓል እዩ። ሊቀ-ጳጳሳት ኡልሪኽ ኖተር-ዳም ኵሉ ሰብ ኣብ ህይወቱ ብርታዐ ዚረኽበሉ ቦታ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።
እቲ ናይ መወዳእታ ዕማም ምስ ተረጸመ እሞ እቲ መጋረጃ ምስ ወረደ ዓለም ነቲ ካቴድራል ኖተር-ዳም ፓሪስ ከም ምልክት ተጻዋርነትን እምነትን ሓድነትን ኰይና ዝግለጸሉ ህሞት ብሃንቀውታ እዩ ዝጽበ ዝሎ ክብሉ ኣመልከቱ ።