ድለ

Indonesia prepares for historic apostolic visit of Pope Francis Indonesia prepares for historic apostolic visit of Pope Francis  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ መስከረም ናብ ኢንዶነዥያ ሓውርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ኢዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ንመበል 45 ግዜ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ወጻኢ ሃገራት ክኸዱ ኣብ ዝሰናደውሉ ዘለዉ ብፁዕ ካርዲናል ኢግናቲዩስ ሱሃሪዮ ሊቀ - ጳጳሳት ጃካርታ ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ምስ ሃገረ ኢንዶነዥያ ዘለዎም ትቡቕ ርክብ ኣብታ ኣብ ሎሰርቫቶረ ሮማኖ ዕለታዊ ጋዜጣ ሃገረ ቫቲካን ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ ገሊጾም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ምብጻሕ ዘጠቓልል መበል 45 ሓዋርያዊ  ጕዕዞኦም ካብ ዕለት 3 ክሳዕ 6 መስከረም ናብ ጃካርታ ክበጽሑ ኢዮም። ካቶሊካውያን ምእመናንን ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታት ኢንዶነዥያን ነዚ ምብጻሕ እዚ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ ዘልዉ ።

ገለ ኻብቲ ጐሊሑ ዚርአ ፍጻሜታት ድማ እዚ ዚስዕብ እዩ ፦

  • ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ኢንዶነዥያን ሰበ-ስልጣን መንግስትን ከም ዝራኸቡ፣
  • ምብጻሕ ናብ ሃገራዊ መስጊድ ኢስቲካልን፣ ናብ ካቴድራል ጃካርታን ከምኡውን ናብ ጉባኤ ጳጵሳት  ኢንዶነዥያን ከም ዘካይዱ

ኣብ ሜዳ ስፖርት ቡንግ ካርኖ ኣብ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሰ ከአ ምስ ኣስታት 70,000 ዝኾኑ ምእመናን ክራኸቡ ምኹኖም ትጽቢት ይግበረሎም ኣሎ

እዚ ምብጻሕ እዚ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ኢንዶነዥያ ዝርከቡ እተፈላለዩ ሃይማኖታውያን ማሕበረሰባን ምእመናን ኣሕዋትን ኣሓትን ድንጋጸን ፍቕርን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ኢዩ ። ነቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብኣካል ክረኽብዎም ዘይከኣሉ ሰባት እንተላይ ነቲ ብመስመር ኢንተርነት ዝመሓላለፍ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምስልሳል ጻዕሪ ይግበር ኣሎ። ፍረ ነገር ናይቲ ምብጻሕ ኣብ ፍቕርን ድንጋጸን ከም ቀንዲ ዋጋ ገይርካ ብምርኣይ ኣገዳስነት እምነትን ሕውነትን ዘጕልሕ ኢዩ ።

ብፁዕ ካርዲናል ኢግናቲዩስ ሱሃርዮ ንትምህርትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምርዳእን ኣብ ተግባር ንምውኣልን ዘለዎ ኣገዳስነት ውን ኣጕልሑ፣ ንምእመናን ድማ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ እምነቶምን ማእሰር ማሕበረሰቦምን ንምድልዳል ክጥቀሙሉ ተማሕጸዎም ።

እዚ ኣጋጣሚ ዘይርሳዕን ጽልዋ ዜሕድር ምእንቲ ኪኸውን ነቲ ምብጻሕ ብጥንቃቐ እዮም ምድላዋት ዘካይዱ ዘለዉ። መንግስትን ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢንዶነዥያን ነዚ ኣገዳሲ ምብጻሕ እዚ ንምስልሳል ብቐረባን ብሕብረትን ይዓዩ ኣለዉ ። እቶም ዓብዪ ኢምዓም ናይ እስላማዊ መስጊድ ኢስቲካል ውን ብወገኖም ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ምልክት ናይቲ ኣብ ኢንዶነዥያ ዘሎ ስኒትን ምትሕብባር ሃይማኖታትን ገይሮም ብምጕላሕ ውዕዉዕ ደገፎም ገሊጾም ኣለዉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ ቡንግ ካርኖ ዘዕርግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኢንዶነዥያ ውን ክራኸቡ ኢዮም። ነቶም ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዝርከቡ ስደተይናታትን ሕሙማትን ስንኩላንን ከኣ ክባርኽዎም ኢዮም። እዚ ኣገልግሎታት እዚ ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት ዘለዎም ቅርበትን ዝምድናን ከምኡ ውን ማእሰር ማሕበረሰብን ሃይማኖታትን ብዝያዳ ኸም ዜደልድልን ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።

ቀቅድሚ እዚ ምብጻሕ እዚ ንትምህርትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንምድህሳስን ንምዝርጋሕን እተፈላለየ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ተወዲቡ ይካየድ ኢዩ ዘሎ ። እዚ ጻዕርታት እዚ ነቶም ምእመናን ነቲ ምብጻሕ ንምድላውን መልእኽትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ማሕበረሰብ ነባሪ ጽልዋ ኸም ዘሕድር ንምግባርን ዝዓለመ ኢዩ ።

እቲ ናይ ሃገረ ኢንዶነዥያ ልኡከ መንግስቲ ናብ ቅድስቲ መንበር ዝኾነ ማይክል ትርያስ ኩንካሁኖ ብዛዕባ ትምህርትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እትገልጽ መጽሓፍ ብምድላውን ሰፊሕ ፍልጠትን ተሳትፎን ምእንቲ ኽህልዎ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝወሃብ ሓበሬታ ብምውህሃድን ኣብዚ ምድላዋት እዚ ብንጥፈት ተኻፊሉ ኢዩ ።

እቲ ዕለት እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ብዙሓት ኢንዶነዥያውያን ኣብቲ ኣብ ቲሞር-ለስተ ሲንጋፖር ምናልባት እውን ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝገበር ምብጻሕ እውን ክካፈሉ መደብ ብምግባር፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስክፕ ዝገበርዎ ምብጻሕ ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ኣለዉ። እዚ ምብጻሕ እዚ ንካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኢንዶነዥያ ለውጢ ዘምጽእ ተመክሮ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ፣ እዚ ድማ ኣብ እምነቶምን ርሕራሐ ዝመልኦ ስጕምቲ ንኽወስዱን ዘለዎም ቈራጽነነት ንኸደልድሉን ዝሕግዞም ክኸውን ኢዩ ።

02 September 2024, 16:59