2024.09.16 ኤኳዶር፣ ምዝዛም ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን፥ “ሕውነት ኣማራጺ ኣይኮነን!” 2024.09.16 ኤኳዶር፣ ምዝዛም ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን፥ “ሕውነት ኣማራጺ ኣይኮነን!”  (Congresso ecuaristico internazionale di Quito )

ኤኳዶር፣ ምዝዛም ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን፥ “ሕውነት ኣማራጺ ኣይኮነን!”

ሰንበት ዕለት 15 መስከረም መበል 53 ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን፥ ልዕሊ 25 ሺሕ ምእመናን ብዘሳተፈ ብናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍልዩ ልኡኽ ካርዲናል ባልታዛር ኤንሪከ ፖራስ ካርዶዞ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ካራካስ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲናል ባልታዛር ኤንሪከ ፖራስ ካርዶዞ ናይ ሰበኻ ካራካስ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ዕለት 15 መስከረም ኣብ ርእሰ ከተማ ካራካስ ንመዕጸዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሪሖም "ነቶም መግብን ክብርን ዝጠመዩ ንከናኸኖም" እንክብሉ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ጻውዒት ከምዘቕረቡን ቀጻሊ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣብ 2028 ኣብ ሲድኒ ኣውስትራልያ ንኽካየድ ር.ሊ.ጳ. ከም ዝወሰኑ ብወግዒ ኣፍሊጦም።

ሕውነት ንዓለም ንምፍዋስ

ኤኳዶር ንቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ዝተወፈየተሉ መበል 150 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ካብ ዕለት 8 ክሳብ 15 መስከረም ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን "ሕውነት ንዓለም ንምፍዋስ" ኣብ ዝብል መርሕ ቃል ዘስተንተነ ከም ዝነበረን ካርዲናል ፖራስ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ "ንክርስትያን፥ ሕውነት ኣማራጺ ዘይኮነስ፡ ወንጌላዊ ግዴታ እዩ - ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዝግበር ምትእስሳር ሓድነት ከም መግለጺ ሓቀይና ውሉድነት እዩ፡ ክብሪ ናይቲ ሰብ ምኽባር፣ ማዕርነት መሰላትን ኣብ ነንሕድሕድካ ምትሕግጋዝን፣ ምስ ኣቦነት ኣደነትን ዘማእከለ ስድራ ቤታዊ መንፈስ ምልላይ" እዩ።

ነቶም መግብን ክብርን ዝጠመዩ ምሕብሓብ

ቅዱስ ቍርባን "ተራ መዘከርታ ዘይኮነስ ህያው ዝኽሪ እዩ - ናይቲ ናብ ገዛእ ርእሱ ዝስሕበና ሰናይነት እዩ። – ካብ ጥሜት ንንዋታዊ ነገራት ኣናጊፉ ናይ ምግልጋል ድሌት ኣባና የጓሃህር፣ ካብቲ ምቹእ ውልቃዊ ናብራና የነቓቕሓና ንብጻይና ዝምግቡ ኣእዳው ምዃንና የዘኻኽረና”። ካብዚ ኣረኣእያ'ዚ ብምብጋስ፡ "ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ነቶም ብመግብን ክብርን ዝጠመዩ፡ ነቶም ስራሕ ዘይብሎምን መነባብሮኦም ንምእካብ ዝቃለሱን ክንከናኸን ህጹጽ እዩ" . . . ምኽንያቱ "ሕውነት ኣማኒ፥ ብቁርባን ዝምገብ ምስ ካልኦት ዝምድናታት ዳግማይ የቕውም፣ ናይ ምሕረትን ሳምራዊ ሓገዝን መግለጺ እዩ"።

ዓቕለስያዊ ሸነኽ፣ ክህነጹ ዘለዎም ጽቡቕ ባህርያት

ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ካራካስ ካርዲናል ባልታዛር ኤንሪከ ፖራስ ካርዶዞ ኣስዒቦም ሓልዮት ናይ ሓባር ቤትና እውን ፍረ ሕውነት ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ . . . እቲ ዓቕለሲያዊ ሸነኽ ሰናይ ባህርያት "ዜግነት" ክህልዎ ዝድርኽ እዩ . . .

ቅዱስ ቁርባን ንኣድማስ ሕይወትና የስፍሖ

ኣብ መወዳእታ እቶም ካርዲናል ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ብዙሓት ምእመናን "ብተስፋ ዝመልአ ሃብታም ምስክርነትን ንቅዱስ ቁርባንን ንልቢ ኢየሱስ ምውፋይን ኣድማስ ሕይወትና ዘስፍሕ ብምዃኑ ንሓንቲ ተጋራጫዊትን ዝቖሰለትን ግን ከኣ ብኽርስቶስ ከም ዝደሓነት ዓለም ብዝሓሸ መገዲ ንምግልጋል ከም ዘተባባዕ ርግጸይናታት ኴይና ካብዚ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ንውጻእ” እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

ኣብ 2028 ዓ.ም. ኣብ ሲድኒ የራኽበና

ቅድሚ ናይ መወዳእታ ቡራኬ ጳጳሳዊ ልኡኽ ቀጻሊ ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን መበል 54 ኣብ ሲድኒ ኣብ 2028 ዓ.ም. ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ከም ዝውሰኑ ድማ ሓቢሮም። ነዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ ኣብ ኪቶ ኣብ ዝተኸየደ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ልኡኽ ኣውስትራልያ ብውዕዉዕ ስምዒት ከም እተቐበሎን . . . እታ ሃገር ነቲ ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ማለት ኣብ 1928 ዓ.ም. ኣብ ኣውስትራልያ ዝተኣንገደ ናይ መጀመርታ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ስዒቡ ዝካየድ ብምዃኑ ልኡካን ኣውስትራሊያ ሓጎሶም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብነት ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ

ቀጺሎም ካርዲናል ባልታዛር ኤንሪከ ፖራስ ካርዶዞ ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ጠቒሶም ቅዱስ ቁርባን "ዓስቢ ቅዱሳን ዘይኮነስ እንጌራ ሓጥኣን እዩ" እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፥ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ምግላልን ሸለልትነትን፡ ዓመጽ፡ ሕማምን ሞትን ዝመጽእ ውልቃውን ማሕበራውን ቁስሊ ንምፍዋስ ኣሕዋት ይገብረና . . . ካብዚ ብምብጋስ እቲ ናይ መወዳእታ ከምቲ ብኹሉ ዓይነት መከራ ንዝተጨፍለቑ ዝከናኸን ሕያዋይ ሳምራዊ ንኽንከውን መታን እንክብሉ ኩላትና ሕያዎት ሳምራዊ ንኹን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

17 September 2024, 15:55