2024.08.29 PAPUA NUOVA GUINEA PREPARATIVI PAPA Villaggio di Ibru (cappella Madonna di Lujan, nella giungla 2024.08.29 PAPUA NUOVA GUINEA PREPARATIVI PAPA Villaggio di Ibru (cappella Madonna di Lujan, nella giungla 

ምብጻሕ ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸክሶ ናብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ - ወደብ ተስፋን ተሓድሶብ ኢዩ

ሊቀ-ጳጳሳት ፖርት ሞረስቢ ብፁዕ ካርዲናል ጆን ሪባት ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝገበርዎ መበል 45 ሓዋርያዊ ጕዕዞ ዘለዎም ሓሳትባት ኣካፈሉ፣ እዚ ጕዕዞ እዚ ኸኣ ካብ ዕእለት 6-9 መስከረም ናብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዘካይድዎም ምብጻ ዘመልክት ኢዩ ዝነበረ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 6-9 መስከረም ናብ ፖርት ሞረስቢ ዝገበርዎ ምብጻሕ ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽኣልና ዘሎ ። እዚ ጕዕዞ እዚ ጽምብል ጥራይ ዘይኰነስ ንሃይማኖታውን ማሕበራውን ቁመና እታ ሃገር ወሳኒ ህሞት እዩ። ህላወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ተስፋን ሓድነትን ተሓድሶን ከም ዘስፋሕፍሕ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ ።

ሓደ ኻብቲ ጐሊሑ ዝርአ ጕዳይ ምስ ብፁዓን ጳጳሳትን ካህናት ዲያቆናትን ከምኡውን ምስ ስንኩላን እውን ሓዊስካ ምስ እተገለሉ ቘልዑን ዝገብርዎ ርክባት ኢዩ ክኸውን ። እዚ ኸኣ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ኵሉ ንጥፈታትን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ዘለዋ ቘራጽነት ዘጕልሕ ኢዩ ። ምስቶም ከም “ናይ ጐደና ኣገልግሎታትን” ከምኡውን "ኣገልግሎት ካላንን " ዝኣመሰሉ በቲ ናይቲ ዓዲ ኣገልግልግሎት ግብረ ሰናይ ዝድገፉ ቘልዑን ህጻናትን ዝገብርዎ ኣኼባ ንድኻታት ንምክንኻን ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ኣቓልቦ ክግበሩሉ  ኢዩም ።

እቲ ምብጻሕ ንኣገዳስነት ናይ ሕብረት ክርስትናን፣ ርክባት ሃይማኖዊ ዝርርባትን እውን ዘጕልሕ ኢዩ ። ኣብ ከም ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝኣመሰላ እተፈላለያ ሃገራት ሓድነትን ሓባራዊ ምክብባርን ከም ዚሰፍን ምግባር ውን ኣገዳሲ እዩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ እተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖት ምትሕብባር ስኒትን ምትሕብባርን ከም ዝህሉ ዝገብር ክኸውን ኢዩ፣ እዚ ድማ ንሓድሕዱ ዝሰማማዕ ሕብረተሰብ ንኽህልወና ኣድላዪ ኢዩ።

እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገብርዎ ምብጻሕ ዝሰፍሐ ማሕበራዊ ጽልዋ ክህልዎ ኢዩ። ፓፕዋ ኒው ጊኒ ኸም ዓመጽን ባህርያዊ ዕንወትን ዝኣመሰለ ብዙሕ ብድሆታት ዘጋጥማ ዘሎ ሃገር ኢያ ። ህላወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዛ ሃገር ምንጪ ተስፋን ምሕዳስን ከም ዝኸውን ጌርና ኢና ከኣ እንጽበዮ ዘሎና፣ እዚ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ሰላምን ይቕረታን ፍቕርን ዚገልጽ መልእኽቲ ብምልጋስ ንጸገማቶም ንኺዋጽኣሉ ዜለዓዕሎም ክኸውን እዩ ።

እዚ ምብጻሕ እዚ ዘለዎ ጽልዋ ሰፊሕ እዩ። ሰባት ዘለዎም ዘይምርድዳእ ብሃናጺ መገዲ ንኺፈትሑ ብምትብባዕ ማእሰር ማሕበረሰብ ኬደልድሉን፣ ሓድነት ኬደልድሉን ትጽቢት ይግበረሎም ኣሎ ። ኣብ እተገለሉ ጕጅለታት ብምትኳር ንኣገዳስነት ናይ ሓፋሽ ህዝብን ማሕበራዊ ፍትሕን ዘጕልሕ ኢዩ፣ እዚ ድማ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ንድሕንነቶም ዝኸውን ጭቡጥ ስጕምትታት ንኽወስዱ ዘለዓዕሎም ክኸውን ኢዩ።

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ስኒት ንምጕላሕ ሓባራዊ ምክብባርን ምርድዳእን ከም ዚሰፍን እዩ ዚገብር ፣ እዚ ኸኣ ንማሕበረሰብ እምነት ኣብ ሓባራዊ ሸቶታት ብሓባር ንኺዓዩ የተባብዖም ክንዲ ዝኾነ ኢዩ ። እዚ ምብጻሕ እዚ ንውልቀ - ሰባትን ማሕበረሰባትን ኣብ ዕቤትን ህንጸት እታ ሃገር ኣበርክቶ ንኽገብሩ ብምድራኽ ንማሕበራውን መንፈሳውን ኵስኰሳ ሓድሽ ቈራጽነት ከም ዝህሉ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዝገበርዎ ምብጻሕ ሃይማኖታዊ ዑደት ጥራይ ኣይኰነን፣ ነቲ ህዝቢ ናይ ተስፋን ምሕዳስን መብራህቲ ውን ክኸውን ኢዩ ። እዚ ምብጻሕ እዚ ንማሕበራዊ ፍትሒ ከምኡውን ንሓድሕዱ ዝሰማማዕ ምዃኑ ብምጕላሕ ሓድነት ከም ዝህሉ ንምግባርን ነታ ሃገር ናብ ብሩህ መጻኢ ንምምራሕን ኣወንታዊ ለውጢ ንምምጻእን ዝዓለመ ኢዩ ።

02 September 2024, 17:01