ድለ

ፓፑዋ ኒው ጊኒ፡ ብኣገልግሎት ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልቢ ዝሃብተመ ህያው እምነት ፓፑዋ ኒው ጊኒ፡ ብኣገልግሎት ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልቢ ዝሃብተመ ህያው እምነት 

ፓፑዋ ኒው ጊኒ፡ ብኣገልግሎት ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልቢ ዝሃብተመ ህያው እምነት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ቅድሚ ምእታዎም፡ ናይ ሰበኻ ራባውል ሊቀ ጳጳሳት ሮኩስ ጆሴፍ ታታማይ ኣባል ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልቢ እታ ሃገር "ርሑቕን ኣብ ወሰናስን ዘላ" ክትከውን ትኽእል እያ፡ እንተኾነ ግን ጽኑዓት መንእሰያት ዘለዋ ህያው ቤተክርስትያን ከም እተስተማቕር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልቢ (MSC) ዕለት 29 መስከረም 1882 ዓ.ም. ኣብ ፓፑዋ ነው ጊኒ ካብ ዝኣትዉ  ቀጻሊ ህላወኦም ብምሕላው፡ ውሽጣዊ ኣካል ታሪኽን ተልእኾን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብታ ሃገርን ነዚ መወከሲ ነጥብን ይገብሮም፡ ኣብ ጽላታት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ሓዊሱ እንክብሉ ቅድሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ናብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፡ ካብ ዕለት 6 ክሳብ 9 መስከረም ንዘካይድዎ ምብጻሕ ምብጋሶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልቢ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝመጹ፡ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ እቲ ማሕበር ድማ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢ ፓፑዋ ኒው ጊኒ እናተመላለሰ፡ ዕዮ ጉስነቶም ብሓባር ከም ዘበገሱን፥ ፈረንሳውያንን ስዊዘርላንዳውያን ካብ ደሴት ዩል - እዚ ሎሚ ሃገረ ስብከት በረይና ተባሂሉ ዝጽዋዕ - ክሳብ ከረማን እናተመላለሱ ክሳብ ዳሩ - ኪዩንጋን ሓዊሱ ንኹሉ ቦታታት ይከናኸንዎ ከም ዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ገሊጾም። “ኣውስትራልያውያን ኣባላት ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልቢ ንፖርት ሞርስቢን ኣሎታው - ሲድያን ክከናኸኑ እንከለዉ፡ ጀርመናውያን ኣባላት እቲ ማሕበር ድማ ንራባውልን ኪምቤን ይከናኸኑ ነይሮም” ኣመሪካውያንን ኣየርላንዳውያንን ኣባላት እቲ ማሕበር ድማ ድሒሮም ናብ ፓፑዋ ነው ጊኒ ከም ዝኣተዉ ይገልጹ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ቀዳሞት ዘመን ንኣስፍሆተ ወንጌል ዝድርኹ ዝነበሩ ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልቢ ጥራይ ኣይነበሩን። ማሕበር ማርያምያውያን ልኡካነ ወንጌል፡ ጳጳሳዊ ትካል ተልእኾ ወንጌል ንወጻኢ፡ ድሒሮም ድማ ማሕበር መለኮታዊ ቃል ልኡካነ ወንጌል እውን መሰረታዊ ተራ ተጻዊቶም እዮም።

ኣብ 1800 ዓመታት እዚ ቅንስል ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ ወንጌል ምስቲ ድሮ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዘለዋ ብዙሕ ባህልታት እትሓቁፍ ሃገር፣ ኣብኡ ድማ ንኹሉ ሰብ ውሁድ መልእኽቲ ወንጌል ምዝርጋሕ ቀሊል ቅያ ኣይነበረን።

ሊቀ ጳጳሳት “ካብ መጀመርታ እቲ ቀንዲ ብድሆ ናይ ምርዳእ ብድሆ እዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ እቶም ልኡካነ ወንጌል ክመጹ ከለዉ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ነቲ ናይቲ ከባቢ ቋንቋ ዝዛረብ ኣይነበረን።”

ብዙሓት ቀቢላታት ብመልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ዝተረሓሓቝ ብምንባሮም ነዚ ጸገም እዚ ዝያዳ ኣጋዲድዎ እዩ። "እቶም ኣብ መስመራት ዶባት ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ ምስ ዝተፈላለዩ ዶባትን ብሄራትን ብምትእስሳሮም፡ ብርክት ዝበሉ ቋንቋታት ናይ ምዝራብ ብልጫ ነይርዎም . . . እቶም ኣብ ዝያዳ ርሑቕ ከባቢታት ዝነበሩ ግን እዚ ዕድል እዚ ኣይነበሮምን።

ነዚ ብድሆ እዚ ንምስዓር እቶም ልኡካነ ወንጌል ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢ ይነብሩን ቋንቋኦም ይመሃሩን ነይሮም። ከምኡ ብምግባሮም ድማ “ንውሽጣዊ ዓለም፡ ማለት ነቲ ካብ ፓፑዋ ነው ጊኒ ክሳብ ፊጂ ደሴታት ዘሎ ዘጠቓልል ሜላንሳዊ ኣረኣእያ ዓለም” ናይቲ ህዝቢ ክርድእዎ ክኢሎም እዮም፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንሓደ መሰናኽል ናብ ዕድል ስብከት ወንጌል ከም ዝቐየሩ የረጋግጹ።

“ንዓይ” ይብሉ ወሲኾም፡ “እቶም ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል፡ ዋላ’ኳ ኣብ መወዳእታ 1960ታት ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ብህልትውና እንተተዛረበ፡ እቶም ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልቢ ናብ ገማግም ባሕሪ ዝመጹ፡ ዋላ’ኳ ግድን እንተኾነ ነቲ ቋንቋ ንምርዳእ ዕንቅፋት ሰጊሮም፡ ብኡንብኡ ነቲ ቋንቋታትን ልምድታትን፡ ባህላዊ ክብርታትን ተጠቒሞም፡ ውህደት ንምርኣይ ክጽዕሩን ብፍላይ ድማ ቃለ ወንጌል ንህዝቢ ክእውጁ ይፍትኑ ነይሮም።”

ቀጺሎም ነቲ ዕለት 17 ጥሪ 1995 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብጽዕና ዝተኣወጀሉ ናይ እምነት ሰማእት ብጹዕ ፐተር ቶ ሮት ኣማእኪሎም ፥ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ እቲ ወለዱ ካብቶም ቀዳሞት ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ብልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልቢ ዝተጠመቑ ዝኾኑ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ካብቶም ጎበጣውያን ሓይልታት ጃፓን ዝመጸ ትእዛዝ ብምጥሓስ፡ ንማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ካቶሊካዊ እምነት ይምህሮም ነበረ። ስለዚ ተኣሲሩ ኣብ መወዳእታ ድማ ብፖሊስ ጃፓን ብሰሪ እምነቱ ተቐትለ።

“ብጹእ ፒተር ቶ ሮት . . . ነቲ ኣብ መንጎ ልኡካነ ወንጌልን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ዘሎ ሓያል ምትሕብባር ዝውክል እዩ። መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ድማ እቲ ናይቲ ከባቢ ባህልን ህዝብን ዝርዳእ ሞንጎይና ሰብ እዩ። እቲ ልኡካነ ወንጌል ድማ ኩሉ ግዜ ምስቲ ትምህርተ ክርስቶስ ይመክርን ይዝትን። መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ድማ ነዚ ነገራት እዚ ምስ ህዝቢ እቲ ከባብን ባህልን እቲ ከባብን ዘመሓላልፍን ዘራኽብን እዩ።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብጹዕ ፒተር ቱ ሮት ቅድስና ክእወጀሉ ፈቒዶም እዮም፡ ዋላ’ኳ ገና ዕለቱ እንተዘይተሓሰበ። “ህዝቢ ኣዝዩ ሕጉስ ኮይኑ፡ ብጹዕ ፒተር ቱ ሮት ንዓና ዝውክለና፡ ብሓቂ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒን ኣብ ማሊዥያን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን፡ ብፍላይ ድማ ጉባኤ ጳጳሳት ፓፑዋ ኒው ጊኒን ደሴታት ሰሎሞን ዝውክል ከም ዝኸውን ርግጸይና እየ . . . ዓለማውያን ኣብ ስራሕ ሰብኣውነት ምስፋሕ ዘለዎም ኣበርክቶን ዘጉልሕ እዩ። ከምኡ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ ቤተክርስትያን ፓፑዋ ኒው ጊኒ ከተቕርቦ እትኽእል ዝኾነ ይኹን ነገር ብሓቂ ኣብ መንፈሳውነት ዓለማውያን ሰባትን ንጡፍ ተሳትፎን ኣብ መጽሓፍ ስብከት ወንጌል ምትኳር’ዩ”።

ፍራንቸስኮ ባዕሎም ንልኡካነ ወንጌል “ፒተር ቶ ሮት ነዚ ሎሚ ዘድልየና ዓይነት ቅዱስና ይውክል ብፍላይ ድማ ንጽባቐ ምስጢረ ተኽሊልን መሰረት ኩሉ ሕብረተሰባትን ማለት ሕይወት ስድራ ቤትን ዝዘምቱ ዘለዉ ብድሆታት ዝውክል ምዃኑ’ውን ኣመልኪቶም” እዮም።

ሊቀ ጳጳሳት ብዛዕባ’ቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ “ኣብ ኣረጋውያን፡ ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደሓጎታትን፡ ብዕድመ ዝዓበዩ ዝቐውም ርክብ ምኽንያት ኣብ መንእሰያት ወለዶና’ውን ዝዓበየ ትንሳኤን ዳግመ ምንቃሕን እምነት እዩ፥ ስለዚ ድማ ኣብቲ ቅዱስነቶም ዘካይድዎ ምብጻሕ ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ፥ “ዋላ’ኳ ርሑቕን ኣብ ወሰናስን ክንህሉ ንኽእል እንተኾንና፡ ንጥፍቲ ቤተ ክርስቲያን ኣለና፡ ንጡፍ እምነት ኣለና፡ መንእሰያትና ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትና ዓቢ ተራ ዘለዎም እያቶም” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

06 September 2024, 16:16